ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ግንባር ዘላምበሳ ዝነበረ ድፋዕ ሎሚ ፈሪሱ

ኣብ መንጎ ድፋዕ ክልቲኡ መሬት ንፅባሕ ዝግበር ዘሎ ምስንዳእ Image copyright Yonas FisehaY
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ መንጎ ድፋዕ ክልቲኡ መሬት ንፅባሕ ዝግበር ዘሎ ምስንዳእ

ኣብ ግንባር ዘላምበሳ ዝንበረን ን 20 ዓመታት ተሃኒፁ ዝፀንሐ ድፋዕ ሎሚ ረፋድ ፈሪሱ።

ነዚ ስዒቡ፡ ፅባሕ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝራኸበሉ ፅምብል ንምክያድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳስ ይትከል ምህላዉ እውን ተፈሊጡ'ሎ።

ነቲ ድፋዕ ንምፍራስ ብወገን ኤርትራ ብመፍረሲት መኪና ተሓጊዙ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብሓይሊ ሰብ ከምዝፈረሰ መሰኻኽር ዓይኒ ካብ ዘላምበሳ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቦም።

ፀረ-ተሽከርከርቲ ነታጕ ኣብ ምምካን ድማ ኣባላት ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተሳተፉ እቲ ምስክር ዓይኒ ገሊፁ።

Image copyright Yonas Fiseha
ናይ ምስሊ መግለጺ ወታሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት

"ምፍራስ እቲ ድፋዕ፡ ብወገን ኤርትራ ንጉሆ ወጋሕታ ሰዓት 12 እዩ ተጀማሩ። ወተሃደራት እዮም ኣፍሪሶምዎ። ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ፅርግያ ከልኪሉ ዝነበረ ኳና ብህዝብን ሰራዋትን ፈሪሱ" ይብል ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ዮናስ ፍስሃ።

ነባሪ ከተማ ዓድግራት ዝኾነ ሙሉብርሃን ገብረዋህድ ድማ እቲ ዝረአዮ ኣዝዩ ከምዘሐጎሶ ይዛረብ።

ኣብቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ዝዳሎ ዘሎ ናይ ፅባሕ መደብ ስሞም ዘይተነፀሩ አጋይሽ ክመፁ እዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ይዛረብ። ኣብቲ ን20 ዓመታት ተፈላለዩ ዝፀንሐ ክልቲኡ ወገን ህዝቢ ድማ ፍሉይ ስምዒት ከምዝፈጠረሉ ተዓዚቡ።

Image copyright Yonas Fisseha
ናይ ምስሊ መግለጺ ምፅራይ ነተጉቲ ኣብ ግንባር ዘላምበሳ

"ክልተ አሕዋት ድሕሪ 20 ዓመት ክራኸቡ ብጣዕሚ እዩ ደስታ ፈጢሩ ዘሎ። ኣብቲ ከባቢ ዶብ፡ ዓዲግራት ዘሎ ይኹን፡ ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ሰብ ብጣዕሚ እዩ ተሓጒሱ ዘሎ" ይብል ሙሉ ብርሃን።

ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቀ ሰላም ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ብክልቲኡ ገፅ እቲ ድንበር ዘሎ ህዝቢ እቲ ዶብ ክኽፈትን ሓው ንሓው ክራኸብን ክህንጠው ፀኒሑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ፡ ኣብ ዶባት ዛላምበሳ፤ ኢሮብ፡ መረብን ካልኦት ግንባራትን ህዝቢ ንህዝቢ ንምርኻብ ፃዕርታት እናተገበሩ ቐንዮም እዮም።.

Image copyright mullerallbright & Tes candes
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ይረኣዩ