ፕረዚደንት ታንዛንያ ምጥቃም መከላኸሊ ጥንሲ ኮኒኑ

ኣንስትን ቆልዑን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብማእኸላይ፡ ኣብ ታንዛንያ ሓንቲ ሰበይቲ ሓሙሽተ ቆልዑ ትወልድ።

ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ ታንዛንያ ዝያዳ ብዝሒ ህዝቢ ስለ ዘድልያ፡ ደቂ ኣንስትዮ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ደዉ ከብላ ጸዊዑ።

ንሱ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ዝጥቀሙ ሰባት 'ሰነፋት' ምዃኖም ብምግላጽ፤ ተጻመድቲ ክወልዱ ምምሕጻኑ፡ ሲቲዝን ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሓን 'ታ ሃገር ጸብጺቡ።

ተቓዋሚ እቲ ፕረዚደንት ኣባል ፓርላማ ዝኾነ ሰሲል ዋምበ እቲ ርእይቶ ምስ ፖሊሲ ጥዕና እታ ሃገር ዝጻረር ኢዩ ብምባል ኮኒንዎ።

ታንዛንያ ከባቢ 53 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ክህልዋ ከሎ፡ 49 ሚእታዊት ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 2 ዶላር ከም ዝረኽቡ ይግለጽ።

ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ብገምጋም ሓንቲ ታንዛንያዊት ልዕሊ ሓሙሽተ ቆልዑ ኣለዋ፤ እዚ ድማ ብደረጃ ዓለም ካብቶም ዝለዓለ ኢዩ።

ሚስተር ማጉፉሊ ነዚ ኣብ ዝተዛረበሉ መዓልቲ፡ ወሃቢ ቃል ፓርላማ 'ታ ሃገር ጆብ ዱጋይ፡ ኣርተፊሻላዊ ጽፍርን ቅርንብን ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፓርላማ ከይኣትዋ ከልኪሉ።

እቲ ምእጋድ 'ብጥዕናዊ' ምኽንያታት ከም ዝኾነ፡ ሚስተር ዱጋይ ንቢቢሲ እኳ እንተተዛረበ፡ እቲ 'ጥዕናዊ' ዝበሎ ምኽንያት ግና ኣይገለጾን።

እዚ ሓድሽ ሕጊ ንደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ ሓጺር ክዳዉንትን ጅንስ ስረታትን ካብ ምኽዳን እዉን ዝእግድ ኢዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት