ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስ ብሓባር የብዕሉ ኣለዉ

ክልተ ኣዴታት

ንከባቢ 20 ዓመታት ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ሓሪምዎ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፋጢጦም ዝተሓላለዉሉ ዝነበረ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊትሉ ኣሎ።ዛላምበሳ ንኢትዮጵያዊት ከተማ ዓዲግራትን ኤርትራዊት ከተማ ሰንዓፈን እተራኽብ ኣገዳሲት ዶባዊት ከተማ ኢያ።

ነቲ ትማሊ እምኒ ድፋዓት ብምፍራስን ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ንዝነበረ ፈንጅታት ብምጽራይን ዝጀመረ በዓል ቅዱስ ዮዉሃንስን ሓድሽ ዓመትን፡ ሎሚ ዓበይቲ ዳሳት ተተኺሉ ካብ ክልቲኡ ወገን ህዝብን ሰራዊትን ተኣኪቡ ብድምቀት የብዕል ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሎሚ ኣንጊሆም ኣብ ግንባር ቡሬ ብምርኻብ ንመስመር ቡሬ ማንዳ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቶም ኣብ ናይ ዛላምበሳ ዓብይ ህዝባዊ በዓል ተረኺቦም።

ኣብቲ በዓል ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኖም መደረ ዘስምዑ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ እዚ ሰላም ክውን ክኸውን ዝገበሩ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገር ድማ ዝያዳ አመስጊኖም።

'ን20 ዓመታት ናይ ቀረባ ርሑቕ፡ እናሃለና ከምዘየለና ኮይና ፀኒሕና። ነዚ ቀይርኩም ሰላም ስለዝኣወጅኩም፡ ምስጋና ይግብኣኩም።" ኢሎም።

ስለዝኾነ፡ ነዚ ናይ ሰላም ዕድል ተጠቒምና ናብ ዝለዓለ ልምዓትን ብልፅግናን ክንሰጋገር ኢና ክብኡ ወሲኾም ተዛሪቦም።

"ዛዕባና ዛዕባ ዳግም ምትህልላቕ ኣይኮነን። ዳግም ሰላም እዩ። ኣቱም መናእሰይ ንክትቀታተሉ ድፋዕ ኣይነውርሰኩምን። ዕድመኹም ዘንውሕ ሕውነትን ምትሕልላይን ኢና ክነውርሰኩም።"

"ብዘተ ዘይፍታሕ ፀገም ኣይህሉን። ካባና ዘድሊ ካብ ኣፍንጫኻ ኣርሒቕካ ምሕሳብ ጥራሕ'እዩ" እውን ኢሎም።

Image copyright Tigray TV
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤለ፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቶ ደመቀ መኮነን

እቲ ዕርቀ ሰላም ምሰተኣወጀ፡ ኣቐዲሙ ብኣየር በረራ ዝጀመረ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍርያት ቢሻ ናብ ቻይና ንምጉዕዓዝ ብጨረታ ዝተዓወተ ትካል መራኽብ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ 'መቐለ' ዝተሰምየት መርከቡ ኣብ ወደብ ባጽዕ ክዕሽግ ክኢሉ ኢዩ።