ናጽነት ካታሎንያ ዝድግፉ ተቐማጦ ባርሴሎና ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ 14 ሓምለ 2018 ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ Image copyright Reuters

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተቐማጦ ከተማ ባርሴሎና ናጽነት ርእሰ-ምምሕዳር ካታሎንያ ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ከምዝዝከር ዓሚ ጥቅምቲ፡ ተቐማጦ ባርሴሎና ናጽነት ብምድጋፍ ረፈረንደም ኣካይዶም ከምዝነበሩን፡ እንተኾነ መንግስቲ ስጳኛ እቲ ዝተኻየደ ረፈረንደም ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ከምዝነጸጎ፡ ድሌት ካትሎንያውያን ክትግበር ኣይከኣለን።

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተቐማጦ ከተማ ባርሴሎና ``ሃገራዊ መዓልቲ`` ርእሰ-ምምሕዳር ካታሎንያ ንምጽምባልን ንናጽነት ናይታ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ድምጾም ኣስሚዕም።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ድሕሪ`ቲ ዓሚ ጥቅምቲ ካታሎንያ ካብ ስጳኛ ንምንጻል ዝተኻየደ ዘይዕውት ረፈረንድም ዝካየድ ዘሎ ቀዳማይ ጽንብል ኢዩ።

እዞም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተቐማጦ ባርሴሎና ናይ ካታሎንያ ባንዴራ ዘለዎ ቀይሕ ካሚቻ ብምልባስ ከበሮታት ብምሕራምን ብምፍጻይን ናይ ደገፍ ጭርሖታት ብምቅላሕን ተቓውምኦም ገሊጾም።

ቁጽሪ ተሳታፍቲ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ምስቲ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ ኢዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ካታሎንያ፡ ኲም ቶራን፡ እቲ ድሕሪ ናይ ዓሚ ረፈረንደም ንናጽነት ምፍሻሉ ናብ ቤልጄም ዝተሰደደ ፕረዚደንት-ነበር ካታሎንያ ካርለስ ፑኢግደሞንት፡ እቲ ህዝቢ ተቓውሞ ከስምዕ ተማሕጺኖም ኢዮም።

ኲም ቶራ ነቲ ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፈ ህዝቢ መደረ ኣብዘስምዓሉ እዋን ``ዝተናወሐ ቃልሲ ኢና ንጅምር ዘሎና`` ኢሉ።

እቲ ዓመት-መጸ ብ11 መስከረም ዝጽንበል ብዲያዳ ዝፍለጥ ሃገራዊ መዓልቲ ከተማ ባርሴሎና ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ንጉስ ፊሊፕ ሓሙሻይ ዝወደቐትሉ መዓልቲ ኢዩ።

ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ድማ ተቐማጦ ባርሴሎና ንናጽነት ካታሎንያ ድምጾም ከስምዑላ ዝጸንሑ ዕለት ኢያ።

እዛ ናይ ሎሚ ዓመት ጽንብል ድሕሪ`ታ ዓሚ 1 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ረፈረንደም ንናጽነትን ድሕሪኡ ድማ ብ27 ጥቅምቲ ካታሎንያ በይናዊ ናጽነት ዝተኣውጀሉ ንፈለማ እዋን ኢዩ ዝጽንበል ዘሎ።

Image copyright Reuters

ዋላ`ኳ ካታሎንያ ናጽነታ ትኣውጅ`ምበር፡ እቲ ጉዳይ ብቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ስጳኛ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ኢዩ ተባሂሉ ምስተነጽገ፡ መንግስቲ ስጳኛ ቀጥታዊ መግዛእታ ኣደልዲላ።

እቶም ሰልፈኛታት ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መራሕቶም ክፍትሑ ድማ ጠሊቦም።

ሓንቲ ዶሎረስ ላላውራሎ ዝተባህለት ሽማግለ ሰበይቲ ቃልሳ ክትቅጽሎ ምዃና ንሮይተርስ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጻ።

``ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ተቓውሞይ ከስምዕ ኢየ….ንደቀይን ድቂ ደቀይን ድማ ክቃለስ ኢየ። ካብቲ ንሕና ዘሕለፍናዮ ሂወት ዝሓሸ ሂወት መታን ከሕልፉ`` ኢላ ዶሎረስ።

ነቲ ዓሚ ዝተኻየደ ረፈረንደምን ምእዋጅ ናጽነትን ንምጽንባል ቀጻሊ ናይ ተቓውሞ መዓልታት ተመዲቡ ኣሎ።

እንተኾነ ኩሎም ካታሎንያውያን ነታ መዓልቲ ዲያዳ ከም መዓልቲ ናጽነት ምእዋጃ ዘይድግፉ ኣለው።

ኣቲ ወዲ ካታሎንያ ዝኾነ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ስጳኛ፡ ጆሴፕ ቦሬል፡ ``ንሕና ካታሎንያውያን ነታ ሃገራዊ መዓልቲ ክንጽንብላ ኣሎና፡ እቲ ብዝበዝሑ ካታሎንያውያን ዘይድገፍ ናጽነት ምባል ድማ ደው ከንብሎ ኣሎና`` ኢሉ።

ናይ ህዝቢ ርእይቶ ግና 46.7 ምኢታዊ ናጽነት ካታሎንያ ክድግፍ ከሎ 44.9 ምኢታዊ ድማ ናጽነት ተቓዊሙ።