ሰሎሙን ወልደሚካኤል፡ ንገድሊ ዝሰዓረ ተጋዳላይ

ሰሎሙን ወልደሚካኤል Image copyright ሰሎሙን ወልደሚካኤል

ደቂ ሰባት ብደሆታት ዝገጥሙሉን ዝምክቱሉን ውሽጣዊ ሓይልን ኒሕን ብመጠን እቲ ዝገጥሞም ብደሆታትን ንዕኡ ንምስዓር ዝኸዱዎ ጉዕዞን እዩ ዝልካዕ ክብል ይዝክሮ ሓደ ኤርትራዊ ኣንትሮፖሎጂስት።

ገሊኦም ንብደሆታት ህይወት ክስዕሩ እናወደቐን እናተንሰኡን ከይተሓለሉ ይቃለሱ፡ ገሊኦም ከኣ ተስፋ ቖሪጾም ቀልጢፎም ይርኹሞሹ፡ ብኣ ኣቢሎም ከኣ ይግምሰሱ። እዚ ክውን ሓቂ እዩ።

እቲ ኤርትራዊ ፕሮፌሰር፡ ንተማሃሮኡ " ዓለም ፈተና እያ - ነብሲ ወከፍ ሰብ እዩ ብህይወት ዝፍተን።

ገለ ኣብ ስርሑ፡ ገለ ኣብ ሓዳሩ፡ ገለ ኣብ ናብርኡ፡ ገለ ኸኣ ኣብ ትምህርቱ ይፍተን። እቲ ንዘጋጠሞ ፈተና ክስዕር ከይተሓለለ ዝሰርሕን ዝጽዕርን ከኣ ወትሩ እዩ ዝዕወት'ሞ፡ ትምህርትኹም ብዓወት ክትዛዝሙ ተጊህኩም ስርሑን ኣጽንዑን!" ክብሎም እዝክር።

ብምኽሩን መልእኽቱን እናኸስተንትን ከኣ ኣብነታውያን ዝብሎም ሰባት ኣብ ሓንጎለይ ይቕጀሉኒ። እምበኣር ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ንገድልን ብደሆታት ስደትን ዝሰዓረ ተጋዳላይ ከዘንትወልኩም።

ሰሎሙን ወልደሚካኤል እዩ ዝበሃል። ብጾቱ ግን ሃለቃ፡ ኢሎም'ዮም ዝጽውዕዎ።

ኣብ ህይወት ብዙሕ ዝረኣየን ዘሕለፈን ክነሱ ግን ነብሱ ሰሪዑ ንዘጓንፍዎ ብድሆታት ስደት ገጢሙ ህይወቱ ከመዓራሪ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ተጋዳላይ ነበር እዩ። እቲ ክገብር እየ፡ ክዕወት እየ፡ ዝብል ኒሕን ሓቦን ኣበይ ኮን ተጠርዩ ይኸውን? እቲ ብደሆታት ህይወት ንምስዓር ዝካየድ ጻዕርን ሓርኮትኮትን ትመሃሮ ዲኻ ትወርሶ ካበይ እዩ ዝመጽእ? ብዛዕባዚ ክሓቶ እደሊ እየ።

ሰሎሞን ንቓልሲ ሓርነት ኣብ ዕሸል ንእስነቱ ዝተጸምበሮ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ነቲ ብልብን ብመትከልን ዝኣመኑ ዕላማ ብኹለንትንኡ ሰሪሑሉ።

ድሕሪ ናጽነት ኩነታት ሃገር ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ምስ ኮነን ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገር ክቀያየር ምስተዓዘበን ኣብ ስደት ክጸንሕ ወሲኑ - ንብደሆታት ስደት ክገጠም ነብሱ ወዲቡ ተበጊሱ።

ዲግሪን ማሰተርስን ሒዘ ኢሉ ከየንቃዕረረ፡ ካብ ዝተሓተ ናይ ጉልበት ስራሕ ክሳብ ተማሂሩ ብዘጥረዮ ሞያ ሰሪሑ። ምድረ ስደት ካብ ዝረግጽ ክሳብ ሕጂ ፍልጠት ክቐስም፡ ካብቲ ንቡር ትምህርታዊ መገዲ ዝተፈላለየ ኮርሳት እናወሰደ ዓቕሙን ክእለቱን ከዕቢ ከይደቀሰ ሰሪሑ።

ግን እቲ ኩሉ ሓይልን 'እኽእሎ'የ' ምባልን ካበይ'ዩ መጺኡ - ካበይ እዩ ተጠርዩ? እታ ኣቐዲመ ዘልዓልኩዋ ሕቶ እያ።

ምስ ሃለቃ ኣብ ወምብሊ ተራኺብና ብመንኩብና እናተናኸፍና ሰላምታ ክንለዋወጥ እንከሎና ኣብ ዙርያና ዝነበሩ ሰባት ተገሪሞም ይጥምቱና ነይሮም።

ናይ ባህሊ ነገር ከምዘደነቖም ኣይዘንጋዕናን ብመንኩብ እናተጓነጽካ ሰላምታ ምልውዋጥ ንብዙሓት ሓዲሽ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሕና ግን ንመግለጺ ናፍቖትና ወኻዕካዕ እውን ወሲኽናሉ።

ምቅይያር ዜጽግብ ምዉቕ ሰላምታ ምንጩ ሕብረተሰብና እኳ እንተኾነ፡ ሰውራ ኤርትራ ብዙሕ ቅድታት ሰላምታ ፈጢሩ እዩ። ኣ

ብ ጭኑቕ ሃዋሁው፡ " ማሕረ ኣሎና፡ ወርቂ እምበር" ዝብል ምላሽ፡ ኣብ መሪር ኩናት " ጸገም የሎን ስርናይ ኣሎና ስርናይ" ዝብል መልእኽቲ ጽንዓት፡ ብኣካል እናኽትራኸብ፡ ብየማናይ መንኩብ መስ መንኩብ እናተጓነጽካ . " ከ..ከመይ'ሎኻ?! ድሓን'ዶ'ሎኻ?" እናተበሃሃልካ ብረምታዊ ምጕናጽ ናፍቖትካ ትገልጽ።

ነቲ ዝያዳ እትፈትዎ ሰብ ከኣ ከ ... ከ ... ከመይ-ከመይ እናበልካ 'ጐነጻዊ ሰላምታ' ተዛይደሉ። እዚ ዓይነት ሰላምታ ንዘይፈልጦ ሰብ ክትገልጸሉ የሸግር'ዩ። ንዝኽእሎን ዝፈልጦን ግን - ምልክት ብጻይነትን ፍቕርን እዩ።

ዕላል ናፍቖት ምስ ሃለቃ

ምስ ሃለቃ ዕላል ጀሚርና ዕላል ናፍቖት እዩ። ኣብ ቃልሲ ዝፋለጡ ሰባት ክራኸቡ እንከለው ዕላል ቃልሲ እዮም ዘልዕሉ።

ሰባት "ዕላል ተጋደልቲ ጥዑም እዩ ግን ሽግሮም ከኣ ብዙሕ እዩ" እዮም ዝብሉ። ተጋዳላይ መፋርቕ ሰብዓታት ተጋዳላይ ሰሎሞን ሓደ ካብቶም ብቑልዕነቶም ኣብ ቃልሲ ተሰሊፎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝበልሑን ዝሰርሑን ዜጋታት እዩ።

ቃልሲ ናጽነት ምስተዛዘመ፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተሰዲዶም እዮም። ሰሎሙን እውን ሓደ ካብኦም እዩ።

" ስደት እንታይ ገዲፉልና ኢልካዮ ኢኻ!" እናበለ ብምረት ስደት ዘማርር ተጋዳለይ ሰሎሙን ሓደ ካብቶም ዝተቓለስሉ ዕላማ ከምቲ ዝተመነዩዎ ብዘይምዃኑ ስደት ዝመረጹ መንእሰያት ሰውራ እዩ። ግን ብብደሆ ስደት ኣይተሳዕረን፡ ርእሱ ኣየድነን። ነቲ ብደሆ ንምግጣም ኣብ ዝተፈላለየ ሞያውን ጉልበታውን ዕዮታት ሰሪሑ።

ምስዚ ብቴክኖሎጂን ሳይንስን ዝሰጎመ ሕብረተሰብ ተወሃሂዱ ክነብርን ክሰርሕን መታን ዓቕሙን ፍልጠቱን ከዕቢ ዝተፈላለየ ኮርሳት ወሲዱ።

ብዛዕባ ገድልን ተጋደልትን እንክለዓል፡ ከም ብዙሓት ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ዘካየዳ ሃገራት ብዙሕ ዝንቀፍን ዝሙጎስን ነገራት ክህሉ ግድን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ክከሓድ ዘይከኣል ጥራሕ ዘይኮነ ክውረስ ዝግበኦ ሃብታም ተመኩሮ ኣይሰኣንን እዩ።

ከምኡ ንኪኸውን ከኣ ኩሉ ዝነገር ተመኩሮ ዘለዎ ይዕበ ይንኣስ ንዝሓለፎ መስርሕ ዘዘንቱ ሓሓንቲ መጽሓፍ እንተዝጽሕፍ፡ ከብሕታት ተመኩሮና ምሃብተመ እሞ መጻኢ ወለዶ፡ ነቲ ዝጉሓፍ ጒሒፉ፡ ነቲ ዝንፈ ነፍዩን መምዩን ምተማህረሉ። ዕላል ሰሎሙን እዩ ነዚ ወትሩ ኣብ አእሙሮይ ዝመላለስ ሓሳብ ክደግሞን ክሓስበሉን ደፋፊኡኒ።

እዞም ሰባት'ዚኦም ዜሐብን ታሪኽ ፈጺሞም ክነሶም ጽቡቕ ኣይተፈድዩን! ብዙሓት ቃልሲ ናጽነት ብዓወት ዝዛዘሙ ተጋደልቲ ዝተሰከሙዎ በሰላን ስምብራትን ብዙሕ እዩ ንዝብል ሓደ ተመራማሪ ዓርከይ ኣዘኪሩኒ፡ "መጻሕፍቲ ግዳ ዘይጽሕፉ!" ከኣ በልኩ ብውሽጠይ፡ ይዕበ ይንኣስ መጽሓፍ ሃብቲ ህዝቢ ምዃኑ ብምእማን።

Image copyright ሰሎሙን ወልደሚካኤል

"ታሪኽካ ዘይትጽሕፍ?"

ሓያሎ ኣዕሩኽቱ፡ ሰሎሙን ክኢላን ሓሳብን ጸሓፍን ምዃኑ ስለዝገልጹዎ፡ "ታሪኽካ ዘይትጽሕፍ?" ኢለ ተወከስኩዎ።

ንሱ ግን "ኣበይ ምስቀሰንና ኢና እሞ ክንጽሕፍ፡ ንኽጽሕፍ ክቐስን ኣሎኒ" በለኒ፡ ኩሉ ሳዕ ኣብ ሸቐልቐል ከም ዝነብር እናሓበረ።

ሰሎሙን ምስ ዕሸላት ብጾቱ፡ ኣብቲ ሰውራ ኤርትራ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ሓራን ሓውሲ ሓራን ገጠራት ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ መሃይምነት ተዋፊሩ ሰሪሑ። ኣብቲ ብዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት ዝፍለጥ ወፍሪ ከኣ ሓያሎ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ምስ ጸላኢ ተጠማጢሞም ብጅግንነት ተሰዊኦም።

እቶም ዕድል ገይሮም ብህይወት ዝኣተዉ፡ ከም ብዙሕ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ ድሕሪ ናጽነት ተፈዲሶም።

ዳርጋ ኩሉ እቲ ኣብ በረኻ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ልዑል ባህጊ ትምህርቲ ስለዝነበሮ፡ ነቲ ኣብ ቑልዕነቱ ዝተኾልፎ ትምህርቲ ክምልእ ቀትርን ምሸትን ተገዲሱ ክመሃር ጀሚሩ።

ንኹሉ እቲ ዘጋጥም ዝነበረ ናይ ስራሕን ናብራን ብድሆታት መሊኾም ዓቕሞም ዘዕበዩን ዩኒቨርሰቲ ዝበጽሑን እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ግን ኩሉ ምስ ህይወትን ናብራን እናተቖራቖስካ ስለዝነበረ ቀሊል ብደሆ ኣይነበረን። ክገብር እየ ክበጽሖ እየ ስለእትብል ግን ይግበር እዩ ብዙሓት እውን ተዓዊቶም እዮም። ግን እቲ ምንጪ ካበይ እዩ መጺኡ? ምላሽ እዛ ሕቶ ከይሓዝኩ ኣይክፍለዮን እየ ንሰሎሞን።

"ድሕሪ ናጽነት ኵሉ ዝተባህለን ዝተገብረን እናጸሓፍኩ እእክቦ ነይረ" ግን ዳሕራይ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መብጽዓን እቲ ዝግበር ዝነበረ ተግባራትን ምስተፋለለየኒ፡ ፖለቲካ ምሒር ኣጽሊኡኒ ቕሒረ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝኣከብኩዎ ጽሑፍ ጕሒፈዮ ..." ይብል ሰሎሞን፡ ግን ጠቕሊሉ ዘዋደቖ ኣይመስልን።

ካብ ገድሊ ናብ ገድሊ

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወልደ ቖልዓ ሰውራ፡ ሕጂ ማእከላይ ዕድመ ዝበጽሐ ተጋዳላይ ሰሎሙን ወልደሚካኤል ኣብ ቤት-ትምህርቲ ላሳለ (ኣስመራ) ገለ ሒደት ክፍልታት ተማሂሩ እዩ ብ1977 ተጋዲሉ። ኣብ ሜዳ ብዙሕ ርእዩን ተሞኲሩን ድሕሪ ናጽነት ምስ ዘይተጸበዮ ምዕባሌ ስለዝተራጸመ ተሰዲዱ ካልእ ዓይነት ገድሊ የሕልፍ ኣሎ።

ግን ከነሕጽሮ፡ ሰሎሞን ከም ብዙሓት መሰልቱ ተጋደልቲ፡ ተጋዲሉ ንገድሊን ብደሆታት ስደት ዝሰዓረን ሰብ እዩ።

ኣብ ትምህርቲ ፈለማ ብምሕደራ ንግድ (ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሺን) ብዲፕሎማ ተመሪቑ።

ዳሕራይ ንማስተርስ ክቕጽል ፈቲኑ ግን ህይወት ስለዝኸበዶን ክሰርሕ ስለዝደለየን ትምህርቱ ኣሞንጉዩ፡ ንሓደ ዓመት ኦራል ሂስትሪ ኣጽኒዑ። ኣብ ብሪቲሽ ሙዜም ከኣ ንሸሞንተ ዓመት ሰሪሑን ኣብ ስራሕ በሊሑን ተማሂሩን።

እቲ ስራሕ ብቑጠባዊ ቅልውላው ዓለም ተጸልዩ ሰራሕተኛታት ምስተነከዩ፡ ንሓዋሩ ዘስርሖ ዓውዲ መሪጹ ንሕሙማን አእሙሮ ዝከታተል ናይ ሰለስተ ዓመት ስነ-ሓሳብን ግብራዊ ትምህርትን ወሲዱ ብኣልያ ሕሙማን ተመሪቑ ነርስ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

" እቲ ኩሉ ኒሕ ካብ ስድራ ድዩ ካብ ሰውራ?" እታ ዝደልያ ሕቶ ኣቐረብኩሉ።

" ካብ ስድራ ሰውራ እዩ። ስድራ ሰውራ እዮም ምሂሮሙና። ክገብሮ እየ እንተይልካ ከምዝግበር ምሂሮሙና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ዓበይቲ ብደሆታት እናተጠማጠሙ እናተበላሓቱ ክግበር ከምዝከኣል ብግብሪ ኣርእዮም ምሂሮሙና። ከይዝርዝረልካ ጸብጺብካ ኣይውዳእን እዩ" ኢሉ አሕጺሩዎ።

ሰሎሙን ከም ብዙሓት መሰልቱ ተጋደልቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ነገር እናዓመመ እናሰርሐን እናተማህረን ሓዳር እናኣለየን ኣብ ዘተኣማምን ናይ ህይወት ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ኩሉ ግዜ ግን በታ ዝተጋደለላ ሃገርን ንእስነቱ ዝኸፈለሉ ዕላማ ቃልስን ይሓስብ።

መጻእቲ ወለዶ መታን ክርህዎም ዝተሳተፎ ቃልሲ፡ ዓሰርተታት ኣሻሓት መንእሰያት ንስደት ከፋኑ ክርእን ኣብ ሰሃራን ባሕርን ስቓዮም ክሰምዕን ግን ኣይድቅስን። እንተኾነ ተስፋ ኣይቆርጽን - ኤርትራን ህዝባን ሓደ መዓልቲ ርህዩዎም ቀሲኖም ክርእዮም ከኣ ቀትርን ለይትን ይሓልም።

ዕላልና ኣብ ምዝዛሙ ስለምንታይ ሃለቃ ከምዝተባህለ ክሓቶ ደለኹ።

"ስለምንታይ ሃለቃ ተባሂልካ?"

"ሓደ መዓልቲ ጸጕረይ ብላማ ምስ ላጸኹዎ ሃለቃ መሲልካ ኢሎምኒ ... ብእኣ ኣቢላ ኸኣ ለጊባትኒ" ብምባል "ደሓን ሕደር ኣብ ጠጥዑሙ የራኽበና" ኢሉኒ ተዓዝረ።

ክሳብ ዝኽወለኒ ከኣ ነቲ ኣብ ተቓለስቲ ዝርእዮ፡ ዘይውዳእ ኒሕ፡ ዝሕጥ ዘይምባል፡ ተዓንቂፍካ ብድድ ምባል፡ ምስ ግድላት ህይወት ምቁሩቛስ ዝኣመሰሉ ብልጫታት ካበይ ከም ዝመንጭዉ ክሓስብ ንባዕለይ ኣብ ሓሳባት ጠሓልኩ።

ርግጸኛ እየ ጻዕሩን ሓርኮትኮቱን ንብጾቱ፡ ነቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ስደት ዘሎዉ ዋርሳይ መንእሰያትን ኣርኣያ ከም ዝዀኖም ኣይስሕቶን ግዲ ይኸውን ብምባል ኖት ዝጽሕፈላ ዝነበርኩ ኖት ቡከይ ጠርነፍኩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት