ፕሮፌሰር ቫን ራይዘን፡ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓይኒ ወጻእተኛ ተመራማሪት

ፕሮፈሶር ቫን-ራይዘን Image copyright ፕሮፈሶር ቫን-ራይዘን

ፕሮፈሶር ቫን-ራይዘን፡ ምስ ተማራመርቲ ብጾታ ዀይና፡ ብዛዕባ ስደትን ዝተመዛበሉ መንእሰያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምጽናዕ እትርከብ ተማራማሪት'ያ።

እቲ ምስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተኣሳሰር ዕላማ ፕሮጀክታ፡ ዲናሚካ (ስነ-ምንቅስቓስ) ፍልሰተ-ህዝብን ዘይሕጋዊ ኣስግሮ-ሰብን (ሂዩማን ትራፊኪን) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምጽናዕ'ዩ።

ንዕጫን ኵነታት ናይ'ቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያ ከምኡ'ውን ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን'ዉን ትፍትሽ።

እዛ ዓርክን መሓዛን ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ፕሮፊሰር፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኤውሮጳ ንኽኣትዉ ኣብ ሰሃራን ባሕርን ኣዚዩ ሕሱም ተመኩሮ ሰጊሮም ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ከቢድ ናብራ ከሕልፉ ምስረአየት፡ ንተመኩሮኦምን ሃለዋቶምን ብዕምቆት ንምጽናዕ ተገዳስነት ዘሕደረት ምህርቲ እያ።

ፕሮፌሰር ምርያም ምስ ሓደ ጕጅለ ኣህጕራውያን ተመራመርቲ፡ ኣብ ዶባት ዝነብሩ ህዝብታት ንተበግሶ ዕርቀ-ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ብኸመይ ከም ዝርድኦምን ዝትንክፎምን ንምፍላጥ ናብ ከባቢ ዶባት ተንቀሳቒሳ ነይራ።

እቲ ድሕሪ ኩናት ዶባት 1998-2000 ዝተፈጥረ፡ ሃዋህው ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዶባት ንዝነብር ህዝበን ብኸቢድ ከምዝጸለዎ መራሕቲ ዕርቀ ሰላም ዝኸተሙ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብወግዒ ገሊጾሙዎ እዮም።

እቲ "ሞት ኣልቦ ኩናት" ተባሂሉ ዝተገልጸ ወጥሪ ምስ ሃድአ ኣብ አህዛብ ክልቲኡ ህዝብታት ዓቢ ተስፋ አሕዲሩ ኣሎ። ብፍላይ ነበርቲ ዶባት ከኣ እቲ ብነፈርቲ ዝጀመረ ርክብ ብምድሪ እውን ብምጅማሩ ሓጎሳ ትገልጽ።

ዋላ እውን ዕርቀ ሰላም ምስተኣወጀ ሓያሎ መንእሰያት ኤርትራ ዶባት ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ይመጽኡ ኣለው።

ንምጅማር ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ህዝብን መንእሰያትን ብሓጎስን ፈንጠዝያን ክቕበሉዎ ከምዝተዓዘበት እትምስክር ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ራይዘን፡ ንዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ከዝሕሎን ከጉድሎን ልዑል ተስፋ ኣለዋ።

ድልድል መረብ ሰጊራ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተዓዘበት ፕሮፈሶር ቫን-ራይዘን፣ እቲ ምብጻሕ ምስቲ ትመራመረሉን ትጽሕፈሉን ጕዳያት ስለ ዝተኣሳሰር ነቲ መገሻ ከምዝተጸንበረቶ ትገልጽ።

ግን ስለምንታይ እያ እዛ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ርክብ ዘይብላ ተወላዲት ሆላንድ ፕሮፌሰር፡ ኣብቲ ናይ ጸጥታ ዞባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ክሳብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብብይን ኮሚሽን ዶባት ዝምልከት፡ ዓቃብ ሰላም ክሰፍረሉ ዝነበሮን ንዝተወሰነ ግዜ ሰፊሩዎ ዝነበረ ቦታን ክትኣቱ ደፊራ? ዝብል ሕቶ ክዝለል ዘይግባእ ሕቶ እዩ።

"ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከጋጥም እንከሎ ዓገብ እብልን እጽሕፍን እየ። ናብቲ ዶብ ንምኻድ ከኣ ምንም ዘፍርሕ ኮነ ዘሰክፍ ኣይነበረንን። ስርሐይን መጽናዕተይን ብኣድማዕነት ንምፍጻም ዝሕግዘኒ ስጉምቲ ስለዝነበረ እየ ከይደ" ብምባል ሞያኣን ስርሓን ብብቕዓት ንምፍጻም ብሕጂ እውን ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ከምትወስድ ሓቢራ።

ፕሮፌሰር ሚርያም ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ክግህስ እንከሎ እትነቕፎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝፍጽሞ ግህሰታት'ከ ጽሒፋ'ዶ ትፈልጥ፡ እዚ እውን ነታ ፕሮፊሰር ዝቐረበላ ሕቶ እዩ ነይሩ።

"ክንደይ እሞ ክትብሎ ኢኻ? ጽሑፋተይ ስለዝምስክር ንዕኡ ምውካስ ይከኣል እዩ" እትብል ሚርያም፡ ሞያ ጥብቅና ሰብኣዊ መሰላት፡ ናይ ሕልናን ሓላፍነትን ሕቶ ብምኻኑ፡ ሓላፍነት ህዝቦም ዝተሰከሙ ወይ ክስከሙ ዝግበኦም ስርዓታት ጥራሕ ዘይኮነ ዝኾነ ኣካልን ስርርዕን ንዝፍጽሞ ግህሰት እውን ሸለል ኢልካ ከምዘይሕለፍ ተረድእ።

Image copyright ፕሮፈሶር ቫን-ራይዘን

እቶም ብደምን መውስቦን ዝተኣሳሰሩ ኣብ ዶባት ዝነብሩ ሰባት በቲ ጀሚሩ ዘሎ ዕርቀ ሰላም ሕጉሳት ምዃኖምን እቲ ዶብ ንመኪናን ኣጋርን መሊኡ ክኽፈት ልዑል ድልየት ከምዘለዎም ፕሮፌሰር ሚርያም ዘዘራረበቶም ሰባት ከምዝገለጹላ ብምሕባር ኣብ በዓለ ቅዱስ ዮውሃንስ ክልተ መስመራት ምድሪ ብምኽፋቱ ሓጎሶም ወሰን ከምዘይህልዎን ትሕብር።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሩባ መረብ ተነጺፉ ዘሎ ድልድል ኣብ ብ2001 መንግስቲ ሆላንድ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘበርከቶ ህያብ ምዃኑ ብምሕባር መንግስታ ብዝገበሮ ንእሽቶ እውን ይኹን ኣበርክቶ ሕጉስቲ ምዃና ገሊጻ።

ኩነታት ሰላምን ዋሕዚ ስደት መንእሰያትን

ብዋሕዚ ስደት ተማሪሩ ዘሎ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ክቕንሶን ቀስ ብቐስ እውን ጨሪሱ ከህድኦን ልዑል ትጽቢት አሕዲሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር ንፋስ ዕርቀ ሰላም ኣብ ዝወዓወዓሉ ዘሎ ርሱን እዋን እውን ሓያሎ መንእሰያት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ይመጽኡ እኳ እንተለው፡ ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ዋሕዚ ክቕንስ ተስፋ ከምዘለዋ ትዛረብ።

ንነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታትን መከራ ጉዕዞኦምን ዝጸሓፈት ፕሮፌሰር ሚርያም ሓያሎ ትሕተ ዕድመ መንእሰያት ብዘይ መሰነይታ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሮም ንኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዘይተኣደነ ሽግር ክወድቁ ርእያን ሰኒዳን እያ።

እቲ ሕጂ እተካይዶ ዘላ ምርምር ከኣ መቐጸልትኡ ኮይኑ፡ ተኽእሎ ምምላስ ስደተኛታት ንኤርትራ እውን ሓዊሳ፡ ኣብ መወዳእታ ስደት ዝሃድኣሉን መንእሰያት ኣብ ቤቶም ዝረግኡሉን እትብሎ ምኽርን እማመን ንዝምልከቶም ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ብምቕራብ ኣብ ጉዳይ ስደት እተማኽር ሞያዊት እያ።

ብዛዕባ ተኽእሎ ምልሶት ስደት ኤርትራውያን ክትዛረብ እንከላ ፕሮፌሰር ሚርያም "ከምዝመስለኒ፡ ብዛዕባ ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዝኡ ኣይኣኸለን" ብምባል፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘዘራረበቶም ሓደስቲ ምጻእ ሓተትቲ ዑቕባ ንኤርትራ ክምለሱ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ትሕብር።

ኩነታት ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንኪስጉም ከኣ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ንሰላም ዝደፍእን ተስፋ ዝህብ ተግባራት ክረአ ትጽቢት ከምዝግበር ድማ ትገልጽ።

ፕሮፈሶር ሚርያም ቫን-ራይዘን መን'ያ?

Image copyright ፕሮፈሶር ቫን-ራይዘ

ፕሮፌሰር ሚርያም ካብ ሓረስቶት ስድራ ቤት ሆላንድ እያ ተወሊዳ። ካብቶም ሓሙሽተ ውሉዳት እታ ስድራ ቦዅሪ እያ።

ኣቦኣ መምህር መንፈሳዊ ትምህርቲ'ዩ ነይሩ። ኣዲኣ እውን መምህር'ያ ነይራ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ እዋን ቁልዕነታ መምህር ክትከውን ትብህግ ነይራ። ኮይኑ ከኣ ከምዝሓሰበቶ ሰሚሩላ።

እዛ ብቛንቋታት እንግሊዝ፡ ዳችን ፍሬንችን እትምህርን እትጽሕፍን ስምይቲ ፕሮፌሰር ንጉዳያት ስደት፡ ጠንቅን ሳዕቤናቱን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን፡ ዘቤታዊ ስደትን ወጽዓን ብዕምቆት ትፍትሾን ትመራመረሉን።

ብተወሳኺ፡ ባህልን ኣነባብራን ኣህዛብ እውን ከምእተጽንዕ እትሕብር ሚርያም "አህዛብ ብኸመይ ከምዝነብሩ ከጽንዕን ክመራመርን ደስ እዩ ዝብለኒ" ብማለት ኣድማስ ፍልጠታ ከተዕቢ ከምእትጽዕር ትሕብር።

ሚርያም ግን ብኸመይ እያ ምስ ቃልስን ህዝብን ኤርትራ ተላልያ?

"ርክባተይ ምስ ኤርትራ ኣብ ሰማንያታት'ዩ" ትብል ሚርያም። ተማሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ተቓለስቲ መንእሰያት ተላልያ።

ብዛዕባ ፍትሓውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትግደስ ጀሚራ። ብዓቕማ ከኣ ነቲ ቓልሲ ብሞራልን ሕልናን ትሕዞኣን ተሓባቢራቶ።

ብ1991 እቲ ቃልሲ ምስተዓወተ ከኣ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ተቓለስቲ ነቲ ዓወትን ብስራትን ጸምቢላቶ።

ኣብ 1997፡ ነፍሰ-ጾር እንከላ ንኤርትራ ዝበጽሐት ሚርያም፡ " ንክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ኢለ ንጓለይ 'ኣብረሀት' ሰምየያ" ትብል።

"ምስ'ቶም ብጊዜ ቃልሲ ዝተላለኹዎም ብጾት ክሳብ ሕጂ ርክበይ ኣየቋረጸን" ብምባል ከኣ ዛጊት ምስቶም ኣብ ፈቐድኡ ክፍለ ዓለማት ተሰዲዶም ዘለው ኤርትራውያን ከምእትራኸብ ተዘንቱ።

ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባን ሰላምን ርግኣትን ክሰፍን ረብሓ ኩሉ ደላይ ሰላም ምዃኑን ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ እቲ ዝጀማምር ዘሎ መስርሕ ሰላም ዓምቢቡ ክትርእዮ ተተስፉ።