ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ መስከረም 16፥ 2018 Image copyright Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካብ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ናይ መዳልያ ሽልማት ተቐቢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ዳግም ሓድሽ ስምምዕ'ውን ከቲሞም። ቅድም ክብል ድማ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ ኤርተራ ስዒቡ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ሕቡራት ኢሚሩት ተመሳሳሊ መዳልያ ተቐቢሎም ነይሮም።

እዚ ሓድሽ ክሰተት ካብ ምንታይ ዝነቐለ ይኸውን?

ኣብ የመን ዝነብር፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣሕመድ ሳልሕ ኣልቀይሲ፡ ቅድም ክብል ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን መብርሂ ሂቡና ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ መሕትት እነሆ።

ኣብ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ተራ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣሎ'ዶ ትብል?

ኣብዚ ጉዳይ ቀንዲ ተዋሳኣት ኮይና ትሰርሕ ዘላ ኢማራት ኢያ። ብኢማራት ዝምወሉ ምሊሻታት ኣብ የመን ኣለዉ። ገንዘብ እዩ ንኹሉ ነገር ዘንቀሳቅስ። እቶም ምሊሻታት ገንዘብ እናወሰዱ፡ ኤርትራ ንኽራይ ወደብ ይኹን እተቕርቦ መሳለጥያ ገንዘብ ክትክፈል ግድን እዩ።

ኣብነት ክህበካ፡ ኤማራት ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ቢልዮን ዶላር ኣውፊሮም ኣለው። ከምኡ'ውን ዓቕሚ ምግዛእ ብር ከይጎድል ከም ትሕጃ ሓደ ቢልዩን ዶላር ሓገዝ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ድሕሪ ስምምዕ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ኢማራት ሕጽረታት ነዳዲ ኢትዮጵያ ንምቅላል ካብ ዓሰብ ብቀጥታ ንኢትዮጵያ ዝኣቱ ሻንብቆ ነዳዲ ከምዝዝርግሑ ነጊሮም ኣለው።

ኤርትራ ኣብዚ ስምምዕ'ዚ ዋንነታ ኣይተገልጸን። እቲ መሬት መሬታ ኢዩ፡ እቲ ወደብ ወደባ ኢዩ። ግን ኣብ ዝርገሐ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ኣይተጠቕሰትን።

እዚ ማለት ኢማራት ንዓሰብ ገዚኣቶ ኣላ ማለት ድዩ? ን20 ወይ ን 100 ዓመት ስምምዕ ተገይሩ ኣሎ ማለት ድዩ? ኢማራት እያ ባዕላ ስምምዕ ተካይድ ዘላ ማለት ድዩ? ዝብልን ካልእ ሕቶን ክምለሰሉ ዘለዎ ሰዓት ሕጂ እዩ።

ኢሳይያስን ኣብይን ዝተቐበልዎ መዳልያ ትርጉም የብሉን። እቲ መዳልያ ነቲ ዕዮ ገዛ ብጽቡቕ ስለዝሰርሑዎ ዝተዋህቦም ሽልማት እዩ።

እዚ ግሉጽነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ብድሕሪት እንታይ ኢዩ ዝእለም ዘሎ? ዝብል ሓሳብ ንኸተልዕል እዩ ዝደፍኣካ።

Image copyright Getty Images

ሕጂ'ኸ ዶብ ይሕነጸጽ'ዶ ይኸውን?

ዋላ'ኳ ምኽንያት ናይቲ ኩናት ባድመ እንተነበረት እቲ ምኽንያት ዶብ ኣይመስለንን። ግን ከኣ እቲ ኹሉ ህይወትን ክሳራን ብዶብ ተመኻንዩ እዩ ተኸፊሉ።

እዚ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ኣብ መንጎ ወያነን ኢሳያስን ስምምዕ ነይሩ ድዩ? ፡ ኢሳይያስ ድዩ ጠሊሙ ወይስ ወያነ እዮም ከዲዖሞ? ስለምንታይ'ከ ወያነ ዓድታት ከይምቀል፡ ቤተ ክርስትያን ከይምቀል፡ ቤት ትምህርቲ ከይምቀል ዝብሉ። እዚ ምኽንያት ኣይኮነን፡ ፈሪሱ ክስራሕ ይከኣል ኢዩ። ካብዚ ሓሊፍካ ዝረአ ነገራት ኣለዉ።

እዚ ኩሉ ንርእዮ ዘሎና ለውጢ ብውሽጣዊ ምቕይያራት ናይ ኢትዮጵያ ዝመጽአ እዩ።

ብትብዓት ናይ ኢሳያስ ኣይኮነን መጺኡ። ኢሳይያስ "ተዓዊትና!" ኢሉ፤ ግን እንታይ ተዓዊቱ? እንታይ ስለዝገበረ ኢዩ? ብኣንጻሩ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እቲ ዓወት'ከ እንታይ ኢዩ? ኣብባርካ ዘይሰራሕካስ፡ ኣብ ባድመ ኬድካ ክትሰርሕ ማለት ድዩ?

ተኣሊኹ ዝነበረ ጸገማት ምስ ተተኮሰ፤ ወያነ፡ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ሃገር ገዲፍዎ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ከይዱ። ምስ ምምጻእ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምኡ'ውን ናይ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ እቲ ሕቡእ ዝነበረ ውሽጣዊ ነገራት ናብ ቃልዕ ምስ ወጸ፡ ሓዲሽ ክውንነት ተፈጢሩ።

እቲ ናይ ዶብ ሕቶ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን እኳ እንተኾነ፡ እቶም ንኣብይ ኣሕመድ ዝደፍእዎን ዝድርኽዎ ዝነበሩ፡ ንዶብ ከምዝሰግራ ገይሮሞ።

እቲ ስምምዕ ተኸቲሙ እቲ ኖርማላይዜሺን ሕጂ ይጀማመር ስለዘሎ ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ጉዳይ ዶብ ክዝረበሉን ክፍታሕን እዩ ዝብል ርእይቲ እዩ ዘሎኒ።

እንተኾነ እቲ መስርሕ መሊኡ ክሳብ ዝጸሪ ሓደ ሓደ ስክፍታታት ኣሎኒ። ኣብ ታሪኽ 'ገለ ዓይነት ናይ ሰላም ባይታ ዝኸፍአ ውግእ ይፈጥር ኢዩ' ዝበሃል ዘረባ ኣሎ።

ስለዚ እቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ውግእ ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ኢዩ። ኣብ ሕልምታት፡ ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ።

እቲ ህዝቢ ካብ ዝሓለፈ ስለዝተማህረን ስለዝነቕሐን ደኣ ውሕስነት ክኸውን ይኽእል እምበር፡ እዞም መንግስታት ገና ኣብ ስልጣን ስለዘለው ብድሕሪ ሕጂ እውን ዝኾነ ነገር ኣይመጽእን እዩ ክትብል ከቢድ እዩ። ግን ንቕሓት ህዘቢ ዋሕስን ዋልታን ክኾነና ተስፋ ንገብር።

ናይ ዓሰብ ጉዳይ እንታይ ኢዩ?

ዓሰብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እዩ። ኤርትራዊ መሬት፡ ኤርትራዊ ምድሪ፡ ኤርትራዊ ባሕርን ወደብን ምዃና ኣየጠራጥርን እዩ።

ብጂኦ-ግራፊያዊ ኣቀማምጣ ክረአ እንከሎ ግን ብቀረባ ንኢትዮጵያ ኢያ ተገልግል። ከም ንግዳዊት ትካልን ወሃቢት ኣገልግሎት ወደብን ግን ንኢትዮጵያ ይኹን ንኻልእ ማንም ኣገልግለታ ክጥቀም ዝደሊ ኣካል ከተገልግል ትኽእል'ያ።

ንረብሓ ብዝምልከት ከኣ ብፍላይ፡ ብትሕዝቶ እቲ ባሕሪ ዝድረሩን ደቀባት እቲ መሬትን ባሕርን ኤርትራውያን ዓፋርን ህዝቢ ኤርትራን ብሓፈሽኡን ከገልግል ይግበኦ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ከኣ ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላምን ዕድልን ተጠቒሙ ነቲ ብሰንኪ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ተዓናቒፉ ዝጸንሐ ዘቤታዊ ዕዮኡ ክዓዩ፡ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ቅዋም ክትግበር፡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሕን፡ ናጻ ፕረስ ክፈቅድ፡ ሃገራዊ ዕርቅን ምርጫን ክገብር ይግባእ።

ናይ ብሓቂ ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ መንግስቲ እንተኾይኑ ከኣ በዚ ተግባራት እዚ እዩ ክምዘን። ሽዑ እዩ ኤርትራ ነባርን ውሑሱን ሰላምን ብልጽግናን ዝህልዋ።

ኩሉ ነገር ናብ ሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ይምጻእ - ሕጊ ይተግበር። ወደብ ምክራይ ሓጢያት ኣይኮነን። ብዙሓት ሃገራት ከኣ ወደባት ኣካርየን ይነብራ ኣለዋ።

ጠፊኡ ዘሎ ግሉጽነት ኢዩ። እዚ መንግስቲ ሕጋውነቱ ስለዘጥፈአ ሕጋዊ ኣሰራርሓ የብሉን። ዘይሕጋዊ መንግስቲ ዝኣትዎ ውዕልን ስምምዕን ከኣ ሕጋዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዚ ስርዓት ሕጋውነት ክለብስን ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎን ዝኣምነሉን ብቑዕ መንግስቲ ንኪኸውን ዕዮ ቤቱ ከጽፍፍ ኣለዎ።

ንኣብነት እቲ ወርቂ ናይ ኤርትራ ኣበይ ይኣቱ ኣሎ? ንመን ተሸይጡ? ብኸመይ ኢዩ እቲ ስምምዕ ዝትግበር? እቶቱ ኣበይ ኣሎ? ንዝብል ሕቶታት ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ምላሽ ኣይተዋህበን።

ወላ ውን እቲ ዝግበር ዘሎ ነገር ብቁኑዕ'ዩ ዝትግበር ዘሎ ንበል፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣይፈልጥን እዩ። ብዝርዝር ክንገሮን ክፈልጥን ኣለዎ።

እዚ ሕብእብእ'ዚ ከይጠፍአ ከኣ ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ ከቢድ እዩ። ንገዛእ ርእሳ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ምልክት ሕቶ እያ ዘላ።

ህዝቢ ኤርትራ ንልዑላውነት መሬትን ዜግነታዊ ክብረትን እዩ ን30 ዓመታት ተዋጊኡን ተሰዊኡን፤ ድሕሪ ሕጂ ብዶብ ድዩ ብስነ ሓሳብ ዋላ ብዝኾነ ምስምስ ክደምን ክስዋእን የብሉን። እቲ ኣብ ዶባት ዘሎ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ኣዐርዩ ክሓስብን ክልብምን ኣለዎ።

Image copyright Getty Images

ኤርትራ ምስ ቀጠርን ኢራንን ዝምድናኣ ከመይ ኣሎ?

ኣብዚ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፡ ባህርን ጠባይን ዝኽተልዎ ዲፕሎማስን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።

ካብ ሓደ መርገጺ ካብ ናብ ካልእ ምንጣር ቀሊል ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ጠባይ ብዓረብ 'ባህለዋን' ይበሃል፥ ከምዝመስለኒ ከኣ ኢሰይያስ ሓደ ዓቢ ኣብነት ኢዩ።

ቀንዲ ጸገሙ ምስ ኣሜሪካ ኢዩ ነይሩ። ኣሜሪካ ከኣ በቲ ርእይቶ ናይ ኢትዮጵያ ዓጊባ ማለት ኢዩ።

ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ'ውን መብዛሕተኣን ብትእዛዝ ናይ ኣሜሪካ እየን ዝኸዳ። እዚ ኸኣ ምስ ናይ ገዛእ ርእሰን ረብሓ ዝተኣሳሰረ ኢዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣጸጋሚ ኢዩ።

ኣሕመድ ነጃድ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝነበረ ግርጭት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ እዋን'ኡ፡ ኢሳይያስ ምስ ኢራን ዝምድንኡ ከመሓይሽ ፈቲኑ፤ ብዙሕ ድማ ተዛሪቡ።

ኣብ ዓሰብ መደበር ክወሃቦም ከምኡ'ውን ነቲ መጻረዩ ነዳዲ ኣብ ዓሰብ ዘሎ ከስርሕዎ ዝብሉ ነጥብታት ተላዒሎም።

ናይ ቀጠር መትከል ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተፈልየ፡ ኣብ ክውንነት ዝተመርኮሰ ኢዩ።

ቀጠር ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ጎንጽታት፡ ከም ሞንጎኛ ፈታሒት ሽግራት ኢያ ትሰርሕ።

ከም ኣብነት ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስቲ ናይ የመን ዓብደላ ሳልሕን ሑትን ሞንጎኛ ነይራ። ሕሉፍ ሐሊፉ'ውን ንሑቲ ዝሃበቶ መብጸዓታት ነይሩ።

ንሱ ኸኣ ናይ ሑቲ ብረቶም ከውርዱ ኣምሳይኡ ከኣ ኣብቲ ዝነባበርሉ ከባቢ ናይ ቢልዮናት ዶላር ልምዓታዊ ወፍርን ትሕተ ቕርጽን ክህነጽ ዝብል ነይሩ።

Image copyright ATTA KENARE

ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ግዜ ባእሲ ማእከላይ መንግስትን ምብራቓዊ ክፋል ሱዳንን ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ገይሮም ኢዮም።

ስለዚ ተራ ናይ ቀጠር ፍሉይነት ነይርዎ። ምስ ስዑድን ኢማራትን እቲ ቀንዲ ዘባእሶም እቲ ፍሉይነት ስራሕ ናይ ቀጠር ኢዩ። ቀጠር ኣብ ሊባኖስ፡ ምስ ሑዝቡላህ ዝተትሓሓዘ፡ ምስ እስራኤልን ፍልስጠምን'ዉን ዓቢ ፕሮጀክታት ገይሮም ኢዮም። ስለዚ፡ ቀጠር ፍሉይ ተራ ትጻወት ነይራ።

ኣብቲ እዋን ቀጠር ምስ ኢሳይያስ ተራኺባ ጽቡቕ ዝምድና ጀሚሮም። እንተኾነ ቀጠር ዘቐረበቶ ፍሉይ ፕሮጀክት ኣይነበረን።

ኣብዚ'ውን ቀጠር ናይ ገዛእ ርእሶም ስክፍታታት ነይሩዎም። እቲ ቀንዲ ስርሖም ብኢሳይያስ ገይሮም ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ መንግስቲ ንምህዳእ ኢዩ ነይሩ።

እዚ ኩሉ ኩነታት ሓሊፉ፤ ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ቀንዲ ጸላእቲ ኢሳይያስ ናይ ገንዘብ ወፍሪ ጀሚሮም።

እዛ ሕጂ ዘላ ኩነታት ኸኣ ከም ገለ ገይራ ናብ ኢሳይያስ መጺኣ። ብቐጥታ ኣንጻር ኢራን ኮይኑ፡ ዝምድንኡ ምስ ቀጠር በቲኹ።

ሕሉፍ ሐሊፉ'ውን ቀጠር ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ እስላማዊ ምንቅስቃስ ኢድ ኣለዋ ተባሂላ ተኸሲሳ።

እዘን ልፍንታዊ ስምረት ኣንጻር ሑቲ ምስ ተበገሳ፡ ስዑድን ኢማራትን ብኣከያይዳ ናይቲ ውግእ፡ ንኤርትራ ብጣዕሚ ኣገዳሲት ኮይና ረኺቦማ።

ምኽንያቱ ንየመን እታ ዝቐረበት ኤርትራ ኢያ። ስለዚ ኢሳይያስ ብቀጥታ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መላፍንቲ ኮይኑ። ምስቶም ኣንጻሩ ዝበሃሉ ሱዳን'ውን ተሰሊፉ።

ንሱ ኸኣ ብመሰረቱ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ምንቅስቓስ ዝፈልጥ ኮይኑ ኣይመስለንን። ኣብ ሓደ ቃለ-መጠየቕ እውንመን ኢዮም እዚኦም ኣይፈልጦምን ኢየክብል ሰሚዓዮ። ሓቂ ከኣ ኢዩ። ናይ ኤርትራ ዲፕሎማሲ ብኸምዚ ኢዩ ዝኸይድ ። ንህዝቢ ዘርብሖ እንታይ እዩ?

እዚ ዓዲ እንታይ ዓይነት መርገጺ ክትወስድ ኣለዋ? እንታይ እዩ እቲ ዘርብሕን ዘየርብሕን፤ ስለዝጠፍኦም ዘይኮነስ ብዝነበሮም ምጭንናቕ ኣርሒቖም ክሓስቡ ኣይከኣሉን - ከምኡ እዩ ርእይቶይ።

Image copyright Reuters

ጽልዋ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?

ብሓፈሻ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ፈሊኻ ዝረኣ ኣይኮነን። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠር ዝኾነ ለውጥታት ወይ ዝኾነ ነገር ይጸልዎ ኢዩ። ከምኡ'ወን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጠር ምዕባለታት ብተመሳሳሊ ይጸልዎ።

ጂኦ-ግራፊካዊ ኣቀማምጣ ጥራሕ ዘይኮነ ፖሊቲካዊ ጉዳይ'ውን ን ኣለዎ። ንኣብነት ሰውራ ኤርትራ ክጅምር እንከሎ ካብተን ቀንዲ ደገፍቱ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ እየን ነይረን።

እቲ ቦታ ብደረጃ ስተራተጂ ክጥመት እንከሎ፡ ንዕኡ ዝጠምሮ ቀይሕ ባሕሪ፡ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከምኡ'ውን ማእከላይ ባሕርን እዩ። ስለዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጠር ነገራት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ይጸልዎ።

ብተወሳኺ ናይ ኒል (ናይል) ሕቶ ኣሎ። ካብ ኢትዮጵያ ጀሚርካ ካሳብ ጫፍ ግብጺ ዝዘርጋሕ እዩ። ስለዚ ዝተኣሳሰረ ነገር ኢዩ።

ብፍላይ ሰዳም ሑሰን ንኩዌት ድሕሪ ምውራሩ፡ ኣብ ማእከላይ ቀስ ብቐስ ምቕይያራት መጺኡ። ኣብቲ እዋን እቲ ቀንዲ ምንቕስቃስ ዝነበረ ምስ ዝሑል ኲናትን ጉዳይ ፍልስጤምን ነይሩ።ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቨየት እዘን ሪፖብሊካን ዝብሃላ ሃገራት ቀስ ብቀስ ከም ዒላማ ተወሲደን። እታ ቀዳመይቲ ካብ ካርታ ዝጠፍኣት ደቡብ የመን ኢያ። ብደሕሪኡ ሕቶ ናይ ኢራቕን ሶርያ ይስዕብ።

ኩሉ ግዜ ህዝብታት ማእከላይ ምብራቕ ልክዕ ከም ህዝቢ ኣፍሪቃ ብጭቆና ዝሓልፍ ዘሎ እዩ።

ብፍላይ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከኣ ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ ዝብኣሰ ይገብሮ።

ኣብ 2011 ብቱኒዝያ ዝጀመረ ምንቕስቃስ ቀውዒ ዓረብ (Arab spring) ምውዳቕ ናይ ቤን ዓሊ ኣስዒቡ።

ድሕሪኡ ናይ ግብጺ፡ ቀጺሉ ከኣ ኣብ ሊብያ፡ ዝኸፈኣ ተርእዮ ኣጋጢሙ።

ንስርዓት ሳዳም ጸቕጢ ንምግባር ኣብ ዒራቕ ዝተስገደደ እገዳ ንምትእትታው ኣሜሪካ ባብ ከፊቱ ካብኡ ናብ የመን ኣስፋሕፊሑ። እቲ ኣብ የመን ዝነበረ ስርዓት ግን ተዛማዲ ሓይሊ ስለዝነበሮ ከይወደቐነዊሕ ግዜ ጸኒሑ።

እንተኾነ እቲ ዝተኸትመ ስምምዕ ስማዊ ስለዝነበረ፡ ምትእትታው ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣኸቲሉ። የመን ከም ስትራተጂ ይኹን ብረብሐ ካብዘን ሃብታማት ሃገራት ፈሊኻ ትርአ ኣይኮነትን።

ኣብ ፖሎቲካ፡ 'ጸላኢ ጸላኢኻስ ዓርክኻ ኢዩ' ዝበሃል ዘረባ ኣሎ፡ ሐቂ ከኣ እዩ። ውግእ የመን ምስተጀመረ ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ፈጢሩ።

ምስቲ ሓዲሽ ተርእዮ ሱዳን ሰራዊት ሰዲዳ፡ ኤርትራ ብምሉኡ ሎጂስቲክ ማለት ምጥቃም መዕርፎ ነፈርቲ ይኹን ወደባት፡ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ፈቒዳ፡ ዳርጋ ኣብቲ ውግእ ኣትያ ክበሃል ይከኣል። ዘሰለፍዎ ሰራዊት ግን የለን። ጅቡቲ'ውን ብወግዒ ደገፋ ገሊጻ።

ካብ ሃገራት ወሽመጥ፡ እታ ከም መሪሕ ቀንዲ ተራ ትጻወት ዘላ ስዑዲ ክትከዉን እንከላ ካልኣይታ ድማ ኢማራት ኢያ።

እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሐ፡ ዘይተኣልየን ዘይተፈትሐን ጎንጽታት ንስርሒት ናይቲ ውግእን ዓወትን ክሕግዝ ኣይከኣለን። ሓደ ካብዚ ኸኣ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ባእሲ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ከይፈታሕካ፡ ውግእ የመን መልክዕ ከሕዝ ኣይክእልን።

ንኣጠቃቕማ ባሕሪ ኤርትራን ወደብ ዓሰብን ብዝምልከት፡ ኢማራት ምስ ኤርትራ ዝገበርዎ ስምምዕ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ስምምዕ ኤርትራን ኢመሬይትን ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ስክፍታ ፈጢሩሎም።

እቲ ንኤርትራ ዝኣቱ ዘሎ ኣጽዋር ውግእ ኢመሬይት፡ ኣብ መወዳእታ ኣንጻርና ክስለፍ ስለዝኽእል ንሕና ነቲ ዝምድና ኣይንድግፍን ኢና ዝብል ዘረባታት ይስማዕ ነይሩ።

ስለዚ ኢትዮጵያ ካብ መጀመርታ ናቶም መርገጺ ነይሩዎም፡ ከምኡ'ውን ውሽጣዊ ኩነታቶም ስለዘስገኦም ስዑዲ ዓረብ ንእትመርሖ ልፍንታዊ ወፍሪ ኣንጻር የመን ድምጾም ኣይሃቡሉን።

እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ናዕቢ ተፈጢሩ። እቲ ናዕቢ እውን ሰፊሑን ገርጊሩን።