ድምጻዊ ዳዊት ሽላን ድሕሪ 19 ዓመታት ምስ ኣቡኡ ተራኺቡ

ደምጻዊ ዳዊት ተኽለሰንበት ምስ ኣቡኡ ተኽለሰንበት
ናይ ምስሊ መግለጺ ዳዊት ሽላን ድሕሪ 19 ዓመታት ምስ ኣቡ ተራኺቡ

ውሩይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዳዊት ተኽለሰንበት ( ሽላን) ድሕሪ 19 ዓመታት ምስ ወላዲኡ ኣቶ ተኸለሰንበት ሎሚ ተራኺቡ።

ዳዊት ተኽለሰንበት ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ኣዋልድ ደቁን ኣብዚ ሰዓት'ዚ ዘላምበሳ ኣትዩ'ሎ።

ዳዊት ሽላን ሰንበት ኣብ ዓዲ ግራት ዝምርዓው ኢትዮጵያዊ ኣንገሶም ተኽላይ ብዝገበረሉ ዕድመ እዩ ናብ አትዮጵያ መጽዩ።

መታዓብይትን የዕሩኽን ዳዊት ሽላን ኣብቲ መርዓ ክርከቡን ንመሓዘኦም ኣሰንዮም መጽዮም ኣለዉ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዳዊት ሽላን ምስ ኣቡኡ፡ ብዓልቲቤቱን ክልተ ደቁን

ዳዊት ሽላን "ኣምላኽ ምስ ወላድየይ ኣራኺቡና" ኢሉ።

ድምጻዊ ዳዊት ገብረሰንበት ሽላን ብምልከት ክራሩን ተሃራፊ ድምጹን ዝልለ ውሩይ ድምጻዊ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝገበሩሉ ናይ ድራር ዕድመ ደሪፉ ምንባሩ ይዝከር።

ዳዊት ሽላን መን'ዩ?

ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ፍቅሪ ሰነጥበብ ከምዝሓደሮን ገና ብንእሽትኡ ክራር ከምዝመለኸን እዩ ዝፍለጥ።

ካብ ብንእሽትኡ ኣብ ከባቢ ኣባሻውል፡ ዕዳጋ ሓሙስ ዕዳጋ ዓርብን ብምልከት ክራሩ ተፈላጥነት ዘጥረየ ዳዊት ሽላን ኣብ 1995 ምስ ሳልሳይ ዙርያ ኣባለት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽዕለም ናብ ሳዋ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ጉጅለ ባህሊ መዓስከር ሳዋ ብምጥርናፍ ከም ድምጻውን ሙዚቐኛን ኮይኑ ኣብታ ጉጅለ ክነጥፍ ጀሚሩ።

"ኣንቲ ኤርትራ ዓደይ ኣንቲ ሸዊት ለምለም" እትብልደርፊ ክኣ ናይ መጀመርታ ደርፉ ኮይና ኣብ ኣብ ተዓሊም እንከሎ ኣብ ሳዋ ዝደረፋ እያ።

ልዕሊ 60 ንጽል ደርፍታት ዘፍረየ ዳዊት ሽላን ኣብ ብዓላትን ኣብ መዓልቲ ሰማእታትን ብብዝሒ ናብ ህዝቢ ደርፍታት ኣብ ምቅራብ ንጡፍ እዩ።

ብጀካ እቲ ኣብ ሃገራዊ በዓላት ዘቕርቦ ዝበዝሐ ደርፍታቱ ብዘያምን ገጣምን ኣክሊሉ ተስፋጽዮን ከምዝሰርሓሉን ናብ ሙዚቃ+ ዓለም ከምዝጸንበሮን ይዝረብ።

ሽላን ትብል ሳጓ ካብታ ኣርእስቲ ቀዳመይቲ ኣልበሙ ዝጠበቐቶ እያ።

ተወሳኺ ዛንታ