ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሓድሽ ስምምዕ ፈሪመን

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓድሽ ስምምዕ ኣብ ጅዳ ፈሪሞም Image copyright Getty Images

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊ ሰንበት፡ ክልትኣዊ ርክበን ዘጠናኽር'ዩ ዝተብሃለ ስምምዕ ሰላም ኣብ ጅዳ፡ ስዑዲ ዓረብ ፈሪመን።

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፡ ዝፈረሙዎ ስምምዕ ዝርዝር ትሕዝትኡ'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕ "በዓል ሸዉዓተ ነጥቢ" እዩ ክብል ጥራሕ ገሊጹዎ።

"ስምምዕ ጅዳ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ እዚ ክልትኣዊ ስምምዕ፡ "ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ዘሎ መልክኣ ምድራዊ፣ ታሪኻዉን ባህላዉን ምትእስሳር ናብ ንቡር ንክምለስ ፡ እቲ ዝፈረምኦ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሞንጎ መንግስታት ስሩዕ ርክብ ክፈጥር ዝገብር'ዩ" ይብል መግለጹ ስዑዲ።

ክልቲኦም መራሕቲ እቲ ስምምዕ ኣብ ጅዳ ኣብ እዘፈረምሉ እዋን፡ ንጉስ ስዑዲ ሳልማን፣ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ሸኽ ዓብዱላሂ ቢን ዛይድ ኣል ናህያንን ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስን ተረኺቦም'ዮም።

"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተስፋ ዝህብ ንፋስ ይነስፍ ኣሎ" ኢሎም ኣንቶንዮ ጉተሬስ ድሕሪ እቲ ፊርማ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ።

"እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራሕ ጠጠዉ ዝብል ዘይኮነ፡ ኤርትራን ጅቡትን'ዉን ዝበጽሐኦ ክኸዉን'ዩ" ኢሎም።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም ንጉስ ሳልማን ንመራሕቲ ለኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብዱልአዚዝ አል ሳኡድ ዝተብሃለ ዝለዓለ ሜዳሊያ እታ ሃገር ኣበርኪቶምሎም።

እቶም መራሕቲ ቅድም ክብል'ዉን ብተመሳሳሊ ካብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬት ተመሳሳሊ ዉህብቶ ተበርኪቱሎም'ዩ።