ኦሮምያ፡ 2 ሽሕ ሰልጠንቲ ፖሊስ ብምኽንያት ምምራዝ መግቢ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም

ሰልጠንቲ Image copyright OROMIA POLICE COLLEGE

ናብ 3 ሽሕ ዝጽግዑ ሰልጠንቲ ፖሊስ ማእኸል ሰንቀሌ ብምኽንያት ምምራዝ መግቢ ጸገም ጥዕና ዝገጠሞም እንትኾን፤ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ጥቐኦም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም ሓገዝ ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ።

ሕክምና ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ሆስፒታላት እቲ ሓደ ሪፈራል ሆስፒታል ኣምቦ እንትኾን፡ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ጎንፋ ሞቲ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ እቶም ሰልጠንቲ ዝገጠሞም ጸገም ጥዕና መበገሲኡ ምምራዝ መግቢ ወይ ከኣ ዝተበላሸወ መግቢ ምብላዕ ክኸዉን ይኽእል'ዩ።

ንምርመራ ዝኸዉን፡ እቶም ሰልጠንቲ ካብ ዝተጠቐምሉ መግብን መስተን ተወሲዱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተልኣኸን ዉጽኢቱ ይጽበዩ ከምዘለዉን'ዉን ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ሰልጠንቲ ካብ ትማሊ ምሸት ሰዓት 03፡30 ጀሚሩ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም'ዮም።

ካብዚኦም ዝደኸሙ ከምዝነበሩ'ዉን ካብቲ ሆስፒታል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ኾይኑ ግና ንህይወቶም ዘስግእ ሓደጋ ኣይበጽሖምን።

ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ኣምቦ ዝተወሰዱ ሰልጠንቲ ክልተ ሽሕ ዝጽግዑ እንትኾን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣምቦን ሆስፒታል ጉደርን ኣገልግሎት ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ።

ካብ ሞንጎ እቶም ሰልጠንቲ ሕክምና ረኺቦም ናብቲ ማእኸል ስልጠና ዝተወሰዱን ሕክምንኦም ዝከታተሉ ከምዘለዉን'ዉን ተገሊጹ።

ማእኸል ስልጠና ፖሊስ ሰንቀ ኣብ ቐረባ ርሕቐት ኣምቦ ይርከብ።