ጉጅለ 15 ብዓል መን'ዮም? ሕቶኦምከ እንታይ ነይሩ?

ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ካብቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ እዮም
መግለጺ ስእሊ,

ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ካብቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ እዮም

11 ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ'ውን ካብ ቀንዲ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ'ዮም።

እዚኦም ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ፡ ብዘልዓልዎ ሕቶ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝኣትዉ 18 ዓመታት ኮይንዎም ኣሎ።

ኣብ 2001 ሕቶ ዘልዓሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብጉጅለ 15 ዝጽውዑ ኮይኖም፡ ኣብ ሚኒስተሪ ሃብቲ ባሕሪ ድሒሩ ሚኒስተሪ ሃብቲ ዓሳ ዝተብሃለ ከም ሓላፊ ጨንፈር ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ገዲም ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ እዛ ነቶም ኣባለት ዝጠበቐቶም "ጉጅለ 15" እትብል ስም ከምዘይቅበላ የብርህ።

"ብመሰረቱ ጉጅለ 15 ትብል ስም እቲ ዝቀረበ ሕቶ ናይ ወሱናት ሕቶ እዩ ንምባል ዝተኣለመት እያ" ድሕሪ ምባል ነታ ጉጅለ 15 ትብል ስያመ ከምዘይሰማማዓላ ይሕብር።

ኣቶ ዳዊት ፍስሃየ ሕቶ እዞም ዝተቐየዱ ሓለፍቲ ሰራዊትን ሚኒስተራትን ዝነበሩ፡ዲሞክራስያዊ ሕቶ ዘቕረቡ ኮይኖም፡ ንዐኦም ፈሊኻ ንምጥቃዕን ስሞም ኣብ ምጽላምን ብዙሕ ዘመተ ከምዝተገበረ ይሕብር።

"እዚ፡ ሕቶ ህዝቢ እዩ ኔይሩ። እዞም ሰባት ክኣ መራሕቲ ቀስቲ ኮይኖም እዮም ነዚ ሕቶ ኣቅሪቦሞ" ይብል።

ኩሎም ኣባላት ጉጅል 15፡ ናይቲ ንመሰጋገሪ እዋን ከገልግል ዝቖመን ብኣቦ መንበርንት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዝነበረን ሃገራዊ ባይቶ ኣባላት እዮም ነይሮም።

ሕቶ ጉጅለ 15 እንታይነይሩ?

ምስ ዝብዝሑ ካብዞም መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝሰርሐ ኣማባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፡ ሕቶኦም ግቡእን እዋናውን ምንባሩ ይገልጽ።

"ኣድላይነት ምዱብ ኣኼባታት ማእከላይ ሽማግለ" ሓደ ካብ ሕቶታቶም ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ምዱብ ኣኬባታት ናይ ማእከላይ ሽማግለ ይግበር ዘይምንባሩ፡ ኣብ ውሳኔታትን ሜላታት ተሳትፎ ይጎድሎ ብምንባሩ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ምልሕልሑን ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, ANDEBRHAN WELDEGEREGIS

መግለጺ ስእሊ,

ኣማባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ኣስዒቡ፡ "ስልጣንን ዕማማትን መንግስትን ግንባርን ክፈላለ ኣለዎ" ዝብል ምንባሩን ብምግላጽ፡ በትረ ስልጣን ጨቢጡ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝምእምኦ እናኸደ ኣብ ሞንጎ ግንባርን መንግስትን ዘሎ ዕማማት ሓዋዊስዎ ምንባሩ የብርህ።

"ገምጋም ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ 1991-2001 ንግበር" ዝብል'ውን ኣካል ሕቶ ናይዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምንባሩ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ይዝክር።

"ገምጋም ኣድላይነት ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ክግበር" ዝብል'ውን ተላዒሉ ምንባሩ ብምሕባር፡ እቲ ዝተኻየደ ኵናት ኣድላይነት ኣይነበሮን ዝብል ሰፊሕ ርእይቶ ከምዝነበረ ይነግር።

"ኣብ 1997 ዝጸደቕ ቅዋም ብቅጽበት ንኽትግበር፡ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ይካየድ" ዝብለ ሕቶ ኣካል ሕቶኦም ምንባሩ'ውን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ የብርህ።

ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ 1977 ኣብ ሳሕል፡ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ 1987 ኣብ ሳሕል፡ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ከምዝተኻየደ ይዛረብ።

ኣማባሳደር ወልደገርግስ፡ ብድሕሪ እዚ ክካይድ ዝነበሮ ስለዘይተኻየደ፡ ብሓፈሻ ጠለባት እዞም ኣብ 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ እዘን ሽዱሽተ ነጥብታት ምንባረን ይሕበር።

ምንጪ ስእሊ, DAWIT FSHAYE

መግለጺ ስእሊ,

ገዲም ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ

"ንወተሃደራዊ ኩነታትና ዝተውሃበ ገምጋም ቅኑዕ ኣይኾነን፡ነዚ ወተሃደራዊ ኩነታትና ዝግምግም ቅኑዕ ዝኾነ ኣካል ይቑም" ዝብል ሓደ ካብቲ ዝተላዓለ ሕቶ እዩ ነይሩ ይብል ኣቶ ዳዊት።

ክንከዶ ዝጸናሕና መንገዲ ብዙሕ ጉድለታት ስለዘለዎ፡ ውግእ ደው ኢሉ ስለዘሎ እቶም ተሪፎሙና ዝነበሩ ዕማማት ከም ሃገራዊ ቅዋም ብግቡእ ምእዋጅ፡ ኮሚቴ ምርጫ ናይ ምርጫ ስራሓ ክትዛዝም፡ ሕጊ ሰልፍታት ከተቕውም ዘቖመት ጉጅለ ስራሓ ከተካይድ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ባይቶ ቀሪቦም ብምሉእ ድምጺ ተቀባልነት ረኺቦም ዘካይድወን ሰባት ተመሪጾም ነይሮም እዮም ይብል ኣቶ ዳዊት።

እዞም ኣባላት እታ ጉጅለ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ዘቕረብዎ ሕቶ ግዚኡ ዝሓለወ ኣይነበረን፡ ገና ምስ ኢትዮጵያ ዝተካየደ ብሳልሳይ ወራር ዝፍለጥ ደማዊ ኲናት ፡ በሰልኡ ኣይሃሰሰን ይብሃል ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ገዲም ተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ ግን ዝተፈልየ መልሲ እዩ ዘለዎ።

"ኲናት ተወዲኡ ውዕለ ኣልጀርስ ተፈረሙ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ኣትዩ ስለዝነበረ፡ ዘስግእ ኩነታት ኣይነበረን" ድሕሪ ምባል ኣብ ኩናት ስለዘለና ነዞም ዝሕተቱ ዘለዉ ሕቶታት ድሒርና ክንሪኦም ኢና ተባሂሉ'ውን መልሲ ከምዘይተውሃበ ብምሕባር፡ እቲ ምኽንያት ኲናት እንተነይሩ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት'ውን እቲ ሕቶ መልሲ ክርከቦ ምርኣና ይብል።

ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ 11 ኣባላት ጉጅለ 15 መን እዮም?

1. ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝነበረ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሓዳርን ዝነበረ።

መግለጺ ስእሊ,

ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ

2. ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጸነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ከምኡ'ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኮይኑ ዝሰርሐ እዩ።

መግለጺ ስእሊ,

ሃይለ ወልደትንሳኤ

3. ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ሚኒስተር ምክልኻል፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ከምኡ'ውን ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።

መግለጺ ስእሊ,

ጴጥሮስ ሰሎሞን

4. ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዝኣብሄር፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን።

5. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ።

መግለጺ ስእሊ,

ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ

6. በራኺ ገብርስላሰ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ሚኒስተር ዜና ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝነበረ።

መግለጺ ስእሊ,

በራኺ ገብርስላሰ

7. ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዳይረክተር ጀነራል ኣታዊታት ውሽቲ ሃገር፡ ሓላፊ ስታፍ ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ።

8. ጀርማኖ ናቲ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካን።

9. ሳልሕ እድሪስ ኬክያ ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1994 ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኮይኑ ዝተመረጸን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን።

10. ሓምድ ሕምድ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1994 ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኮይኑ ዝተመረጸን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ዳይረክተር ጀነራል ጠረጴዛ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ።

11. ኣስቴር ፍስሃጽዮን ፡ ብዓልቲ ቤት መሓሙድ ሸሪፎ ነበር፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ካብ 1994 ከሳብ 2001 ከምዓኡ'ውን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ፡ ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ሚኒስተሪ ማሕበራዊ ጉዳያት።

መግለጺ ስእሊ,

ኣስቴር ፍስሃጽዮን

እዚኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ብዙሓት ምስኦም ተድናገጽቲ ዝተባሃሉን፡ ናይ ውልቂ ጋዜጤኛታትን ብዙሓት ላዕሎዎትን ታሕተዎትን ዝተብሃሉ ካድራት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ተኣሲሮምን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ከምዘለዉ ኣምባራሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ይሕብር።

ኣርባዕተ ኣባላት "ጉጅለ-15"፡ መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ መሓመድ ብርሃን ብላታን ሃይለ መንቀርዮስን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ስደት ዝርከቡ እዮም።

ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዞም እሱራት ዝተፈለጠ ነገር።

ካብ መስከረም 2001 ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ፡ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ዝርከብዎም እሱራት፡ ካብታ ዝተኣሰሩላ ዕለት ጀሚሮም ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ ተገሊሎም ዝተኣሰሩ ኮይኖም ይቅጽሉ ኣለዉ።

ዝኮነ ሰብ ክበጽሖም፡ ጠበቃ ክግበረሎም ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቤተሰቦምን ከይራኸቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኤርትራዉያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸገም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ከብቕዕ ይሓቱ

መንግስቲ ኤርትራ ንኣበይንትን ንኹንትታት እዞም እሱራትን ከም ምስጢር ሒዙ ንዝኾን ኣካል ርኢቶ ካብ ምሃብ ተቆጢቡ ይርከብ።

ነዞም እሱራት ብጀካ እቶም ብቐረባ ዝሕልውዎም ዋርድያታት ዝኾነ ካልእ ሰብ ክርእዮም ኮነ ክበጽሖም ዝፍቀድ ኣይኮነን። ብሂወት ይሃልዉ ወይ'ውን ይምቱ ካብ መንግስቲ ዝተወሃበ ወግዓዊ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ኣይተውሃበን።

እዞም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ኣብ እምባትካላ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሰነ 2003 ናብ ዒራዒሮ ዝብሃል ቦታ ከምዝተሰጋገሩን እዩ ዝፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Petros Tesfagiorgis

መግለጺ ስእሊ,

ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987 ኣብ ታሕቲ ኮፍ ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄርን፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣብ ላዕሊ ኮፍ ካብ ዝበሉ ማእከላያ መስፍን ሓጎስ

መንግስቲ ብዛዕባ እዞም እሱራት እንታይ ይብል?

ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ጥሪ 2002 መወዳእታ ናይ ዝገበሮ ኣኬባ ንጉጅለ 15 ከዳዓትን ፈላለይትን ክብል ገሊጽዎም።

ሃገራዊ ባይቶ ብተወሳኺ እዞም ጉጅለ 15 ንፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ፈቲኖም ክብል ጠቂስዎም ነይሩ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ንህሉው ኩነታት እሱራት ካብ ምግላጸ ተቆጢቡ እዩ ዘሎ።

ኣብ 2010 ምስ ናይ ቀጠር ጋዜጤኛ ንኩነታት ጉጅለ 15 ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ "ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡ እዚ ጉዳይ እንተተረሰዐ ይሓይሽ" ኢሉ መሊሱ ነይሩ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግንቦት 2008 ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት'ውን ብዛዕባ ምስዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝተሓተተሉ "ዝተኣሰሩ ኣይነበሩን፡ ዝተኣሰሩ የለዉን ዝንቡዕ ሓበሬታ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ" ክብል መሊሱ።