ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ሮሂንጋ ዝተፈጸመ ገበን ምምርማር ጀሚሩ

ስደተኛታት ሮሂንጋ Image copyright Getty Images

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣይሲሲ ኣብ ልዕሊ እቶም ውሑዳት ቀቢላ ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣመንቲ ምስልምና ዝተፈጸመ ገበን ምምርማር ጀሚሩ።

በስንኪ እቲ መንግስቲ መይንማር ዝውሰዶ ስጉምቲ ድማ ኣሽሓት ክቕተሉ ከለው፡ ኣስታት 700,000 ዝኾኑ ድማ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ባንግላዴሽ ክስደዱ ተቐሲቦም።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት [ኢንተርናሽናል ክሪሚናል ኮርት፡ ኣይሲሲ] ነቲ ኣብ መይንማር ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ቀቢላ ሮሂንጋ ዝኾኑ ኣመንቲ ምስልምና ዝተፈጸመ ገበን ንምጽራይ ኣፈናዊ መርመራ ጀሚሩ።

እዚ ሕጂ ተውሲዱ ዘሎ ተበግሶ ነቲ ሞት ኣሽሓትን ምምዝባል 700,000 ሰባትን ዝፈጠረ ብሰራዊት መይንማር ኣብ ልዕሊ ቀቢላ ሮሂንጋ ዝተወሰደ ስጉምቲ ክካየድ ተመዲቡ ንዘሎ መርመራ መንገዲ ክጸርግ ኢዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጸብጻብን፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ህልቂት ደቂሰባት ዝፈጸሙ መራሕቲ ሰራዊት በርማ ድማ መርመራ ክካየድ ዝቐረቦ ጠልብን መንግስቲ መይንማር ነጺግዎ ኢዩ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሰራዊት በርማ ኣብቲ ናይ ሮሂንጋ ኩነታት ኣይኣበስኩን ክብል ንነብሱ ካብተሓታትነት ነጻ ከምዝገበረ ይዝከር።

እንተኾነ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ብሰራዊት በርማ ዝቐረበ ጸብጻብ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን "ንምኽዋል ዝዓለመ ኢዩ" ብምባል ነቒፈንኦ።

ሰራዊት በርማ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ሚሊሻ ቀቢላ ሮሂንጋ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖሊስ ነቑጣ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ኢዩ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝወሰደ።

ድሕሪ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ድማ ኣሽሓት ቀቢላ ሮሂንጋ ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላዴሽ ሃዲሞም።

ቅድሚ'ዚ ናይ ሕጂ ኩነታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት'ውን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ቅትለትን ምዕማጽ ደቀንስትዮን ምቅጻል ንብረትን ከምዝነበረ ይግለጽ።

Image copyright Getty Images

ትማሊ ሰሉስ፡ ፋቱዋ ቤንሱዳ፡ ዓቃብ ሕጊ ኣይሲሲ፡ ነቲ ኩነታት ብዝምልከት ምሉእ ዝኾነ መርመራ ከተካይድ ከምዝወሰነት ገሊጻ።

ቤንሱዳ ከምዝበለቶ ኣይሲሲ መርመርኡ "ሓይሊ ብምጥቃም ግዱድ ምምዝባል ሰባት ኣብ ዝተፈጸሙ ጉዳያት" ከትኩር ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ዝካየድ መርመራ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ምዕማጽ፡ ምጥፋእ ሃለዋት ናይ ሰባትን ምዕናውን ምዝማትን ንብረት ከምዘጠቓልል ገሊጻ።

ዋላ`ኳ መይንማር ነቲ ናይ ኣይሲሲ ሕግታት እንተዘይፈረመት፡ እቶም ደያኑ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀቢላ ሮሂንጋ ዝተፈጸመ ገበን ፍርዶም ክህቡ ሕጋዊ ስልጣን ኣለዎም፣።

እዚ ናይ ኣይሲሲ መግለጺ፡ ቅድሚ ናይ ጀረሚ ሃንት፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኢዩ ተዋሂቡ።

ጀረሚ ሃንት ሎሚ ሮቡዕ መይንማር ክኣቱ ትጽቢት ኣሎ። ኣብ ዑደቱ ምስ ሰበስልጣን በርማ ብዛዕባ ሃገሩ ነተን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንምሕጋዝ ቃል ክኣቱ ኢዩ ይብሃል።

ጀረሚ ሃንት ናብታ ቀቢላ ሮሂንጋ ዝነብሩላ ሰሜናዊ ክፋል ራኺን ክበጽሕን ምስ መራሒት መይንማርን ተዓዋቲት ኖብል ፕሪዝን ዝኾነትን መንግስታ ነቲ ናይ ሮሂንጋ ኩነታት ብዝተፈልየ መገዲ ክፈትሖ ምኽኣለ ምስ ዝበለት ኣውን ሳን ሱን ክራኸብ ኢዩ።

ብሰሉስ፡ መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት 444 ገጻት ዝሓዘ ዝርዝር ጸብጻብ ናይቲ ሰራዊት በርማ ኣብ ልዕሊ ቀቢላ ሮሂንጋ ዝኮኑ ኣመንቲ ምስልምና ዝፈጸምዎ ገበን ኣቕሪቦም።

ማርዙኪ ዳሩስማን፡ ሓላፊ ናይታ ጉዳይ መይንማር ዘጽነዐት ጉጅለ፡ ከምዝበሎ "ዓቕን ናይቲ ዝተፈጸመ ጭካነ ክትገልጾ ኣጸጋሚ ኢዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሂወት ደቂ ሰባት ዝኾነ ተገዳስነት ኣየርኣየን" ክብል ንናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ [ሂዩማን ራይትስ ካንስል] ሓቢሩ።

እንተኾነ ኣምባሳድር መይንማር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጸብጻብ "ሓደ ጎድናውን ጉድለታት ዝመልኦን" ኢዩ ብምባል ነቒፍዎ።

ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ቀቢላ ሮሂንጋ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢዮም። ንጸጥታን ርግኣትን ሃገርናን ኣመንቲ ቡድሃን ስግኣት ኢዮም ኢሉ መንግስቲ በርማ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ቀቢላ ሮሂንጋ ንዓሰርተታት ዓመታትታ ኣብ መይንማር ዜግነት ዝተኸልኡን ግዳያት ዓሌታዊ ኣድልዎን ዝኾኑን።

ተወሳኺ ዛንታ