ታንዛንያ፤ ኣብ ቀላይ ቪክቶርያ ዝተገልበጠት መርከብ ሃለዋት ኣማኢት ኣጥፊኣ

ወለንተኛታት ኣብ መስርሕ ምድሓን ሂወት

ሓንቲ ኣብ ታንዛንያ፡ ቀላይ ቪክቶሪያ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ብምግልባጣ 100 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓያሎ ካልኦት ድማ ሃለዋቶም ከምዝጠፍእ ተፈሊጡ።

ክሳብ ሕጂ 40 ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። ትማሊ ምሸት ሰብመዚ እቲ ከባቢ ቁጽሪ እቶም ዝደሓኑ 100 ከም ዝበጽሕ ሓቢሮም ነይሮም። እቶም ዝተረፉ ግን ሃለዋቶም ከም ዘይተረኸበ ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካልእ በዓል ስልጣን ግን እታ መርከብ ቅድሚ ምግልባጣ ልዕሊ ዓቕማ ሰባት ጽዒና ምንባራ ገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ታንዛንያ፡ ቀላይ ቪክቶርያ ልዕሊ 400 ሰባት ሒዛ ትጓዓዝ ዘነበረት መርከብ ብምግልባጣ ምኽንያት መገልበጢ'ታ ምርከብ ብዕሊ እኳ እንተዘይተፈለጠ እቲ ናይ ምድላይ መስርሕ ግን ቀጻሊ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

እታ ብ 'ኤምቪ ነይረረ' እትፍለጥ መርከብ ኣብ ሞንጎ ድሴታት ዩኮራን ቡጎሎራን'ያ ተገልቢጣ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ነበርቲ እቲ ከባቢ ምስ ኣባላት ሂወት ኣድሕን ብምትሕብባር ክነጥፉ ተራእዮም።

መንግስቲ ታንዛንያ እታ መርከብ ምግልባጣ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ልክዕ ቁጽሪ ተሳፈርቲ ግን ብወግዒ ኣይተፈለጠን።

ምምሕዳር እቲ ከባቢ ኣዳም ማሊማ "ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ንዝጥፍኡ ክንረኽቦም ኣምላኽ ክሕግዘና ንትሰፎ" ክብል ንሪፖርተራት ተዛሪቡ።

ኣብ'ዛ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየትን ዕልቕልቕ መራኽብ ዝበዝሓን ቀላይ ቪክቶሪያ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ልሙድ'ዩ።

ኣብ 1996፤ መርከብ 'ኤምቪ ቡኮባ' ኣብ ዝተገልበጠትሉ እዋን ልዕሊ 800 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር። እዚ ድማ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዘጋጠመ ዝኽፍእ ናይ'ቲ ክፍሊ ዘመን ሓደጋ'ዩ ኔሩ።