ተዘክሮ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ነበር ቴድሮስ ተኽለ

ቴድሮስ ተኽለ Image copyright ቴድሮስ ተኽለ
ናይ ምስሊ መግለጺ ቴድሮስ ተኽለ

መንእሰይ ስሳታት ተጋዳላይ ቴድሮስ ተኽለ፡ ኣብ ቁልዕነቱ፡ ተማሂሩ ንቡር ናብራ ክመርሕ እምበር፡ ፓይለት ኮይኑ ነፋሪት ኲናት ከብርር ኮነ ምስ ዓበይቲ ጋንታት ኩዕሶ እግሪ ክጻወት ሓሳብ ኣይነበሮን - ግን ንኽልቲኡ በቒዑዎ።

ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ምስ መዛንኡ ብፍቕሪ ስድራን ህዝብን ተኾስኲሱ ዝዓበየ ቴድሮስ፡ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተጸንቢሩ ንኣስታት ትሽዓተ ዓመት ከም ግራውንድ ቴክኒሻን ኣገልጊሉ።

ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ እናተወዓወዐ ህዝቢ ኤርትራ ብዓመጽ ዝተረግጸ መሰሉን ክብሩን ክመልስ ናብ ውድባቱ ክውሕዝ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ቴድሮስ እውን ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብምስጢር ተወዲቡ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣይደንጎየን ከኣ፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ክእሰሩን ክህደኑን ስለዝጀመሩ፡ ብ1975 ናብ ሜዳ ወጺኡ።

ህይወት ምስ ደቂ ኣራዊት

ወተሃደራዊ ተዓሊም ድሕሪ ምውሳዱ፡ ደቂ ኣራዊት ምስ ዝስመዩ ፈዳይን [ ካብ ሜዳ ናብ ከተማታት ብምእታው ስርሒት ዝፍጽሙ ኣሃዱ ] ተመዲቡ ዕማም ሰውራ የሰላስል ነይሩ።

"ንኣስመራ ኣቲና ስርሒታት ፈጺምና ንወጽእ ነይርና" ብምባል ከኣ፡ ካብ ፈዳይን ናብ ሓይልታት ዝተቐየረሉ ኣጋጣሚ ይዝክር።

ንሓደ ዓመት ፈዳይን ኮይኑ ድሕሪ ምስርሑ፡ ሓደ ካብኣቶም ብጾቱ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዱ ስለዝሃበ፡ ንዕኡ ከኣ ይፈልጦ ስለዝነበረ፡ ካብ ኣሃዱ ፈዳይን ተሳሒቡ ናብ ሓይልታት ተጸንቢሩ። ክሳብ መወዳእታ ሻድሻይ ወራር ከኣ ኣብ ብርጌድ 44 ኣዛዚ ጋንታ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ንገድሊ ገደል ኢሉ ዝገልጾ ቴድሮስ

ህይወት ገድሊ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ተጋዳላይ ቴድሮስ "ገድሊ ገደል'ዩ!" ኢሉ ዝገልጸሉ ምኽንያት ኣለዎ። "ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ፊደል ቆጺርካ እንተ ተሰሊፍካ፡ 'ንኡስ ብርጅዋ' ስለእትበሃል ጸቡቕ ነገር ኣየጓንፎካን'ዩ" ብምባል ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ፡ ጸቕጥን ተነጽሎን ይዝክር።

እቲ ኣብ ሓድሕድ ተጋደልቲ ዝነበረ ፍቕርን ሕውነትን ሓልዮትን ተወፋይነትን በጃ ምሕላፍን ግን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩርናዕ ዓለም ዘይርከብ "ብጻያዊ ህያብ" ምዃኑ ይዝክሮ። 40 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ከኣ ብትዝታ ንፍጻሜ ምዝላቕ 1978፡ ኣብ ማዕሚደ ናብ ዘጋጠሞ ክስተት ይዝክር።

"ምስተወጋእኩ፡ ብጾተይ ጸላኢ ስለዝደፈኦም ገዲፎሙኒ ከይዶም፡ ግን ተመሊሶሙኒ" ብምባል ካብ ብጾቱ ንዝረኣዮ ሓልዮት ክሳብ ሕጂ እዩ ዝዝክሮ።

ሽዑ መስበርቲ እግሪ ስለዘጋጠሞ፡ ጸላኢ እንተረኺቡዎ ከኣ ብረቱን ዕጥቁን ከይወስደሉ ብምባል ነብሱ ዝፍንጅረላ ቦምባ ኤፍዋን ኣትሪፉ፡ ንብጾቱ ዕጥቁን ብረቱን ሒዞም ንክኸዱ ለሚኑዎም። ኩላትና ካብ ንለኻኸም ኪዱ እንተጥዒሙኩም ዳሕራይ ትምለሱኒ ኢሉ፡ ቦምባኡ ጨቢጡ ንመስዋእቲ ድሉው ኮነ።

ንሳቶም ግን ገዲፍናካ ኣይንኸይድን ኢና ኢሎም ኣቕቢጾሞ፡ እቲ ወዲ በላይ ሒዙዎ ክወጽኣሉ ኢሉ ዝሓሰቦ ቦታ፡ ድሮ ወተሃደራት ጸላኢ ኣሲሮሙሉ ስለዝነበሩ ግን ኣይተኻእለን። ወዲ በላይ ምሳኻ እየ ዝስዋእ ኢሉ ኣቕበጸ። ቴድሮስ ቀለቤት ቡንባ ኣቕኒዑ "ወይ ነብሰይ ከጥፍእ እየ፡ ወይ ኪድ ውጻእ" ምስበሎ ግን ወዲ በላይ ተመሊሱ ንክመጽኦ ተስማሚዖም፡ ቴድሮስ፡ ነታ ቀለቤት ቦምባ ናብ ቦትኣ መሊሱ፡ ኣብ ቆጥቓጥ ተሓበአ።

Image copyright ቴድሮስ ተኽለ
ናይ ምስሊ መግለጺ ተጋዳላይ ቴድሮስ ተኽለ ምስ ወዲ በላይ ኣብ 1991 ኣብ ባጽዕ

ኣብታ ቆጥቓጥ ተሓቢኡ እንከሎ ብድሕሪት ዝስዕብ ዝነበረ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰለፈ ሓዲሽ መንእሰይ (ማንጁስ)፡ ረኸቦ'ሞ "ገዲፈካ ኣይወጽእን'የ" ኢሉ ከምዘቕበጾ ብትዝታ ይዝክር። ከምቲ ናይ ወዲ በላይ ገይሩ ከየፈራርሖ ሓድሽን ንእሽቶን እዩ። ብዙሕ ለሚኑዎ፡ ግን "ብጻየይ ገዲፈ ኣይከይድን እየ" ኢሉ ኣብ ጥቓኡ ረፈጥ ኢሉ ኣቕበጾ። ንምሸቱ ግን ወዲ በላይ ሻምናይ ርእሱ መጺኡ ኣውጺኡና" ብምባል፡ ጸላም ተጎልቢቦም ዓሰርቲኦም ተተሓሒዞም ምውጸኦም ይሕብር።

ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ነቲ ገዲፈካ ኣይከይድን እየ ኢሉ ዘቕበጾ መንእሰይ መድፍዓጂ ብሬን ኮይኑ ረኺቡዎ። ግን "ኣይጸንሐን ተሰዊኡ!" ብምባል ኣብ ሕድሕድ ዝነበረ ምትሕልላይ ይዝክር። "እዚ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ መሪሕነት ውድብ ኣብ ልዕሊ ምሁራት ዝፍጽሞ ዝነበረ ግን ካልእ እዩ" ብምባል ንኽልቲኡ ፈላልዩ ይርእዮ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ወዲ በላይ፡ ርእሱ ተሃሪሙ፡ ሓንቲ ዓይኑ'ውን ዓዊራ፡ ቴድሮስ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ወዲ በላይ ክኣ ኣብ ባጽዕ ኣብ እንዳ ነዳዲ ተመዲቡ ኣብ፡ ሽዑ ምስ ተራኸቡ ክሳብ ሕጂ ድሃዩ ከምዘይብሉ፡ ድሕሪት ተመሊሱ ነቲ ሓደ እዋን ኣብ ማዕሚደ ካብ መንጋጋ ጸላኢ ዘውጸኦ ብጻዩ ይዝክር።

ቴድሮስ፡ ናብ 80ታት ብምምላስ ከኣ ዕላሉ ይቕጽል "ድሕሪ ሻድሻይ ወራር፡ ናብ ክፍልታት ተሳሒበ ኣብ ክፍሊ ጽገና ሬድዮ ክሳብ እዋን ናጽነት ኣብኡ'የ ኣገልጊለ።" ድሕሪ ምባል ኣብ 1991 ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኮይኑ ከምዝተመደበ ይሕብር።

"ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሓይሊ ኣየር ሓላፊ ኮይነ ድሕሪ ምስረሐይ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘይፈልጦ ምኽንያት ካብ ስራሕ ደው በል ተባሂለ" ዝብል ቴድሮስ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 1992 ናብ ሱዳን ብምኻድ ብኡ ኣቢሉ፡ ኣብ 1993 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተወን ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ይነብር ምህላውን ይነግር።


እቲ ፖይሎት

ኣብ 1965 ጀሚሩ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ መጀመርያ ከም ፓይሎት ድሒሩ ከኣ ኣብ ክፍሊ ኤልክትሮኒክስ ስሪሑ፡ እዚ'ውን ገዲም ተጋዳላይ ቴድሮስ ተኽለ እዩ።

ኣብ 1947 ኣብ ኣስመራ ዝተወለደ ቴድሮስ ተኽለ፡ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምምሃሩ ካልኣይ ደረጃ'ውን ኣብ ናይ ሽዑ ቀደማዊ ሃይለ ስላሰ (ቀሃስ) ናይ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምክትታል፡ ኣብ 1965 ኣብ ኣስመራ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ተዓሊም ድሕሪ ምክትታሉ፡ ናብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተጸንቢሩ፡ ናብ ደብረዘይት ከይዱ።

"ኣብ ሓይሊ ኣየር ከም ኣብራሪ ነፋሪት ወይ ፓይሎት ኮይነ እየ ስራሕ ጀሚረ" ዝብል ቴድሮስ ፡ ብድሕሪ እዚ ናብ ካልእ ክፍሊ ስለዝተቐየረ፡ ብሬድዮ ኤልክትሮኒክስ ተመሪቑ ንዝተረፈ 9 ዓመታት ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝሰርሐ ይሕብር።

Image copyright ቴድሮስ ተኽለ
ናይ ምስሊ መግለጺ ቴድሮስ ተኽለ ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጰያ ኣብ ዝነበረሉ

ኣብ መጀመርታ 70ታት ሰውራ ኤርትራ ካብ ክፍልታት ናብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰጋገረሉን፡ ሓይሊ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ጽልውኡ ዘዕብየሉ ዝነበረ እዋን እዩ፡ ኣብ ከተማን ገጠራትን ህዝቢ ብምውዳብን ብምንቃሕን ሓይሉ ዘዕበየሉ እዋን ኮይኑ፡ ቴድሮስ ተኽለ'ውን ሓደ ካብቶም ዝተወደቡ ኾይኑ።

ኣብ ማእኸል ጸላኢ፡ እሞ ድማ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኮይንካ፡ ተወዲብካ ክትሰርሕ ንሰውራ ኤርትራ ኣርባሒ ንቴድሮስ ክኣ ኣስጋኢ ክገብሮ ክኣ ግድን እዩ ነይሩ።

"ኣብ 1975 ክንእሰርን ክንህደንን ስለዝጀመርና ናብ ሜዳ ወጺአ" ብምባል ከኣ ናብ ሜዳ ዝወጸሉ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይ 1975 ይዝክር።


እቲ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ

ኣብ ውድድር ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ 70ታት ኣብ ዝልዓለ ሊግ ዝጻወታ ዝነበራ ሸሞንተ ጋንታታት ዝኾነት ጋንታ "ዳኘው" ትብሃል ዝነበረት ጋንታን ናይ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጋንታ "ንብ" ን ፡ ኣብ ኣስመራ ከኣ ምስ ጋንታ እምባሶይራ ተኸላኻላይ ኮይኑ ተጻዊቱ፡ እዚ 'ውን ገዲም ተጋዳላይ ቴድሮስ ተኽለ እዩ።

ኣብ ማይ ኣባሻውል ገዛ ብርሃኑ ዝተወለደ ቴድሮስ ተኽለ ፡ ብናይ ጨርቂ ኩዕሶ ዝጀመሮ ጸወታ፡ ብኵዕሶ እግርን ብኵዕሶ ሰኪዐትን ነተን ዝምሃረለን ዝነበረ ኣብያተ ትምህርቲ እናወከለ ብምጽዋት፡ ብዝያዳ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ነቅ ዘይብል ተኸላኻላይ ኮይኑ ይጻወት ነይሩ።

"ኣብ ኣስመራ ምስ ጋንታ ሎሮንሶ ታኣዛዝ ይጻወት ነይረ" ይብል

Image copyright ቴድሮስ ተኽለ
ናይ ምስሊ መግለጺ ቴድሮስ ተኽለ ደው ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን መበል ሳልሳይ

ናብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ተጸንበረ'ውን ምስታ ድሮ ኣብ ሓይሊ ኣየር ቆይማ ዝነበረት "ንብ" ትብሃል ዝነበረት ጋንታ ከም ቀደሙ ተኸላኻላይ ኮይኑ ምጽዋቱ ቀጸለ።

"ካብ ሓይሊ ኣየር ክልተ ሰብ ተመሪጽና ናብ "ዳኘው" ትብሃል ካልእ ጋንታ ተጸንቢርና" ዝበለ ቴድሮስ፡ እዛ ጋንታ እዚኣ ካብትን ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝወዳደራ ሸሞንተ ጋንታታት ሓንቲ ምዃና ብምሕባር ምስቶም ናይ ሽዕኡ ስሙያት ዝነበሩ ተጻወትትን፡ ጋንታታትን ኢትዮጵያ ከምዝተጋጠመ ይሕብር።

"ብስራሕ ናብ ኣስመራ ምስተቐየርኩ'ውን ምስ እምባሰይራ ትብሃል ጋንታ ይጻወት ነይረ" ዝበለ ቴድሮስ፡ ኣብዛ ጋንታ እምባሶይራ ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን ኣብ እግሩ ስለዝተሃረመ ነቲ ዝፈትዎ ጸወታ ጠቕሊሉ ከምዝገደፎ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።


እቲ ምሩቕ ዲግርን ወናኒ ቤት መግብን

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዉ፡ ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመታት ናብ ትምህርቲ ብምምላስ ብኤልክትሮኒክስ ኤንድ ኮሙኒኬሽን ኢንጂነሪንግ ተመሪቑ፡ እዚ'ውን ገዲም ተጋዳላይ ቴድሮስ ተኽለ እዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝነበረሉ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ብምዃን ኣስመራ ሬስቱራንት ዝብሃል ቤት መግቢ ኣብ ሎንዶን ከምዝኸፈተ ዝሕብር ቴድሮስ ተኽለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብኣ ይሰርሕ ምህላዉ ይሕብር።

ናብራ ዓለም ብድሆ እዩ ኢሉ ይገልጾ።

" ኣነ ካብ ርኹዓት ስድራ ኣይኮንኩን ተፈጢረ፡ እንተጽዒርካ ግን ዓወት ኣሎ" ብምባል ሰብ ተስፋ ክቆርጽ ከምዘይብሉ ይምዕድ።

"ክገብሮ እየ እንድሕር ኢልካ ዘይክኣል ነገር የለን፡ ናተይ እምነት እዚ እዩ።" ክኣ ይብል።

ነዞም ኣብዚ ሕጂ እዋን ባሕርን ሳህራን ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ መንእሰያት ከኣ "እዞም፡ መንእሰያት እዚኦም ኣብ ግዜ ንእስነቶም ጽቡቕ ኣይርኣዩን" ድሕሪ ምባል።

"ካብ ጸገም ናብ ጸገም እናተሳገሩ ዝመጹ እዮም፡ ብሰንኪ እቲ ዝሓለፍዎ ሓርጎጽጎጽ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት ዘጋጠሞም'ውን ኣለዉ" ብምባል እቶም ቀዲሞም ናብ ኣውሮጳ እግሮም ረጊጾም ዝጸንሑ፡ ነዞም መንእሰያት ኣብ ምምእዛን ክተሓባበሩዎም ከም ዘለዎም ብምምሕጻን ናብዞም መንእሰያት መልእኽቲ ሰው የብል።

እቶም ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ከኣ ኣብ ክንዲ በተን ዝውሃበኦም ጥራይ ክነብሩ ዝሓስቡ፡ ክምሃሩን ክጽዕሩን ማዕድኡ ይልግስ።


ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1998 ዝጀመረ ደማዊ ኲናት ኣብቂዑ፡ ድሕሪ ዕስራ፡ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ዓመታትን፡ ውዕል ሰላም ተኸቲሙ ኣሎ። ቴድሮስ ነዚ ውዕል ሰላም ኣመልኪቱ ሓሳቡ የካፍል።

"ሰላም ዘይደሊ ሰብ የለን" ዝበለ ቱድሮስ፡ "ኤርትራውያን ከኣ ምረት ኲናት ስለንፈልጥ ልዕሊ ማንም ንሰላም ከምዝደለይ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ሕቶ ግን ሰላም በየናይ መንገዲ እዩ? በዚ ሕጂ ንደመር'ዶ ንቀነስ ዝብሃል ዘሎ ሰላም ዘይኮነስ፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ባይቶን ትካላትን ስለዘየሎ ህዝቢ ዘየሳትፍ ውዕላት ሰላም ኣሰካፊ እዩ" ብምባል ሕቶን ሓሳብን የቐምጥ።

ቴድሮስ ኣብ ንቃልሲ ሓርነት ንዘለዎ ዝኽርን ፍቕርን ብጾት ብሓሳብ ንዕጥቁ ሰፈር ሽጉጥን ብሽክሊትን፡ እተን ንኣስመራ ክኣቱ እንከሎ ገይርወን ዝነበረ ሚላኖ ክዳን፡ ከም ቅርስን ከም መዘከርታን ሒዙወን ምህላዉ ይሕብር። ኣብ ብሽክሊቱ እውን (መዝገብ ዝኽሩ) መን ኣበይ ተሰዊኡ ዝሕብር ገለ ገለ ጽሑፋት ኣብ መዝገብ ከምዘለዎ ብምሕባር ፡ ነዛ መዝገብ እዚኣ ኣብ ዝርእየሉ፡ንድሕሪት ተመሊሱ ነቶም ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዝቐበሮም ብጾቱ ከምዝዝክር ይሕብር'ሞ፡ ሕጂ ከኣ፡ ንኽንደይ ዓመታት ዝተቃለስናሉ ዶብ "በቲ እዉጅ መንገዲ ዶብና ተሓንጺጹ ምስ ጎሮባብትና ሰላም ክህልወና እዩ ድሌትና።" ይብል።