ክርስትያን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሶማሊያ ብዕጡቓት ኣይኤስ ተቐቲሎም

ካርታ

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝወጽኡ መረዳእታታት ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ዕጡቓት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ይነብሩሉ ኣብ ዝበሃል 'ሳንቶስ' ዝተብሃለ ክፍሊ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝረኸብዎም ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ተኹሲ ከፊቶም።

ሓደ ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ናይቲ ከባቢ በዓልመዚ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊኦም ብዝተኸፈተ ተኹሲ ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊጾም።

ንርእሱ 'ኣይኤስ' ክብል ንዝፅውዕ ጉጅለ ዝድግፍ ሓደ ጉጅለ ድማ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ትዊተር ገፁ ኣስፊሩ።

ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝብገሱ ስደተኛታት ንወሽመጥ ባሕሪ ኤደን ብምስጋር ናብ የመንን ሃገራት ማእከላዊ ምብራቕን ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምብፃሕ በሪ ባሕሪ ቦሳሶ ይጥቀሙ።

ኣብቲ ከባቢ ብኣማኢት ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ይግለፅ።

ኣብቲ ቦታ ዝሞቱን ዝቖሰለን ኢትዯጵያውያን ድማ ብዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ነቲ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ የመን ጉዕዞ ንምግባር መደብ ከምዝነበሮም ይእመን።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ሶማሊያ መጥቃዕቲ እናፈፀመ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ፑንትላንድ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከምዝገብሩ'ዩ ዝግለፅ።

ፑንትላንድ ኣብ ሰሜናዊ ሶማሊያ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳራዊት ግዝኣት እያ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ብዕጡቕ ጉጅለ ኣይ ኤስ ዝተሰረቑ ጥንታውያን ቅርስታት

ተወሳኺ ዛንታ