ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ ፖሊስ ብዝተወለዐ ተዅሲ ህይወት ሰባት ጠፊኡ

ኣርማ ፌደራል ፖሊስ Image copyright FEDERLA POLICE OF ETHIOPIA

ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ኣብ ዝርከብ ህንፃ መንበሪ ኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብዝተወለዐ ልውውጥ ተዅሲ ህይወት ሰባት ከም ዝጠፍአ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ንሓለዋ እቲ ህንፃ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ዝተኻየደ ልውውጥ ተዅሲ ከም ዝነበረን ልዕሊ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ተፈሊጡ።

ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ክስማዕ ዝጀመረ ተዅሲ ክሳብ ወጋሕታ ከም ዝቐፀለ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ተዛሪቦም።

ነቲ ተዅሲ ዝኸፈተ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ኮይኑ ንዕኡ መልሲ ድማ ካብቶም ካልኦት ኣባላት ክትኮሶ ከም ዝጀመረ ወሲኾም ሓቢሮም።

በቲ ልውውጥ ተኹሲ ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝቖሰሉን ኣባላት ፖሊስ ፉደራል እዮም። እቲ ቀዲሙ ተዅሲ ዝኸፈተ'ውን ተቐቲሉ።

መጥቃዕቲ ክኸፍት ዝገበሮ ምኽንያት'ኳ ብንፁር እንተዘይተፈለጠ ምስ ሓለቕቶቱ ወይ ድማ መሳርሕቱ ብዝተፈጠረ ዘይምቅዳው ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ልውውጥ ተዅሲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ቦታን ከባቢኡን ዘለዉ ነበርቲ እቲ ዝተፈጠረ ክስተት ሙሉእ ለይቲ ብስግኣት ከሕልፉ ከምዝገበሮም ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዓብዪ መንገዲ'ውን ንነዊሕ ሰዓታት ተዓፅዩ ምፅንሑ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ዝርዝር መረዳእታ ካብ ፖሊስ ፌደራል ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይተሳኽዐን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት