ህንዲ፡ ኣብ ሩባ ጋንጂስ ንሓንቲ ጓልንስተይቲ ዝዓመጹ ክልተ ሰባት ተኣሲሮም

ብዙሓት ህንዳውያን ናብዚ ቅዱስ ሩባ ጋንጂስ ኣንጊሆም ብምምፃእ ይሕፀቡ። 15 ሕዳር፡ 2011 Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እዞም ክልተ ደቂተባዕትዮ ከም ቅዱስ ቦታ ኣብ ዝረኣይ ሩባ ጋንጂስ እዮም ንሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ዓሚፆማ

ክልተ ሰባት ንሓንቲ ጓልንስተይቲ ኣብ ሩባ ጋንጂስ ክዕምጽዋ ከለው ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ፖሊስ ከተማ ፓንታ ነቶም ሰባት ከምዝኣሰሮም ገሊጹ።

እቶም ክልተ ሰባት ነታ ጓልንስተይቲ ተበራርዮም ክዕምጽዋ ከለው፡ ነቲ ኣንዋሪ ተግባሮም ብቪድዮ ድሕሪ ምቕዳሕ ከምዝዘርግሕዎ ተፈሊጡ።

ክልተ ሰባት ኣብ ጥቓ እቲ ቅዱስ ሩባ ጋንጂስ ንሓንቲ ጓልንስተይቲ ክዕምጽዋ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ናይ ዜና ማዕከናት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ፖሊስ ነቶም ነቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ፓንታ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ከምዝኣሰርዎም ተፈሊጡ።

እቶም ክልተ ሰባት ነታ ግዳይ ተበራርዮም ከምዝዓመጽዋን፡ ነቲ ኣነዋሪ ተግባር ድማ ብፊልም ከምዝቐርጽዎ ፖሊስ ገሊጹ።

እታ ብሰንበት ኣብ ሩባ ጋንጂስ ነብሳ ትሕጸብ ዝነበረት ጓልንስተይቲ ካብቲ ሩባ ብሓይሊ ጎሲሶም ብምውጽኣ ኢዮም ዓሚጾማ።

እታ ጓልንስተይቲ ነቲ ``ቅዱስ ቦታ`` ከኽብርዎ ትመሕጸኖም ከምዝነበረት ኣብቲ ዝተቐድሐ ቪድዮ ትስማዕ ነይራ።

ነቲ ቅዱስ ቦታ ዘለዋ ፍቕርን ኣኽብሮትን ንምግላጽ ``ኣደ`` ኢላ ትጽውዖ ነይራ።

ብሮቡዕ፡ ፖሊስ ነቲ መጥቃዕቲ ዝቐድሕላ ተንቀሳቓሲ ስልኪ [ሞባይል] ከምሓዙን፡ ንዝያዳ መርመራ [ፎሬንሲክ] ናብ ላባራቶሪ ከምዝተወስደን ታይምስ ኦፍ ኢንድያ ዝተባህለ ጋዜጣ ገሊጹ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ዓመት ኣብ ህንዲ ፡ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ተዓሚፀን እየን

ብዛዕባ`ቲ ፍጻመ ፖሊስ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኢና ክንፈልጥ ክኢልና እኳ እንተበለ፡ ካልኦት ግና እታ ዝተዓመጸት ጓልንስተይቲ ናብ መደብር ፖሊስ ብምኻድ ብዛዕባ`ቲ ፍጻመ ክትሕብር ከይዳ ከምዝነበረትን ፖሊስ ቃላ ከይሰምዑ ከምዝሰጎግዋ ይገልጹ።

``እታ ሰበይቲ ነቲ ብሰንበት ዘጓነፋ ኩነታት ጨሪሳ ከመዝዓበጠቶን ንዝኾነ ሰብ`ውን ኣይነገረትን`` ኢሉ በዓልስልጣን ፖሊስ ኣናድ ኩማር።

``እቲ ኩነታት ዝተጋህደ ብሰሉስ ድሕሪ ኣብ ቪድዮ ምዝርግሑ ኢዩ`` ኢሉ ኣናድ ኩማር።

እታ ሰበይቲ ምስቶም ጥርጡራት ሰባት ኣብ ሓንቲ ቁሸት ኢያ ትነብር፡ ፖሊስ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ቃላ ንክትህብ ከምዘገደድዋ ኣና ኩማ ገሊጹ።

ኣብ ህንዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 13 ደቓይቕ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ከምትዕመጽ ፀብፃባት ዋላ እኳ እንተሓበሩ፡ ብሰንኪ ስዒቡ ዝመጽእ ጠቐነን ምጽላምን ከይተሓበረ ዝተርፍ ብዙሕ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ከምዘሎ ይንገር።

እዚ ናይ ሰንበት ኣብ ጥቓ ሩባ ጋንጂስ ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዓቢ ተቓውሞ ከምዘለዓዓለን፡ መንግስቲ ሓያል ጸረ-ጾታዊ መጥቃዕቲ ሕጊ እንተላይ ናይ ሞት ፍርዲ ኣንጻር`ቶም ዝኣበሱ ከተኣታቱ ከምዝደረኾ ይግለጽ።

ሎሚ ዓመት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኮይኑ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ድሑር ልምዲ ህንዲ ዝሰዓረት ጓል ኣነስተይቲ

ተወሳኺ ዛንታ