ወተሃደራት ኡጋንዳ ንነብሶም ካብ ኤች ኣይቪ ኤድስ ክሕልዉ 'ኡሊንዚ' ዝተብሃለ ሓድሽ ኮንዶም ኣስሪሖም

ኡሉንዚ ኮንዶም Image copyright NTV
ናይ ምስሊ መግለጺ ወተሃደራት ኡጋንዳ ቅድሚ ነታ ሃገር ምሕላዎም፡ ፈለማ ንባዕሎም ውሑሳት ምዃኖም ንምርግጋፅ እዚ ወተሃደራዊ ኮንዶም ከምዝተሰርሐ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ

ሰራዊት ምክልኻል ኡጋንዳ፡ ወተሃደራቱ ካብ ኤችኣይቪ ኤድስ ንምሕላው፡ 'ኡሊንዚ' ዝተብሃለ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኮንዶም ኣስሪሑ።

'ኡሊንዚ' ዝብል ስያመ እዚ ወተሃደራዊ ኮንዶም፡ ካብ ቋንቋ ስዋሂሊ ዝተወሰደ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ሓለዋ ማለት እዩ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዩጋንዳ ብርጋዴር ጀነራል ሊዮፖልድ ክያንዳ "ርእሱ ዘይሓለወ ወታሃደር ሃገር ክከላኸል ኣይክልን' ብምባል፡ ኣገዳስነት እዚ ሓድሽ ኮንደም ገሊፆም።

ኣስታት 1.3 ሚልዮን ዜጋታት'ታ ኡጋንዳ ተሰከምቲ ቫይረስ ኤችኣይቪ ከምዝኾኑ ዝግለፅ'ኳ እንተኾነ፡ ሓድሽ ረኽሲ ኤችኣይቪ ከምዝነከየ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ወተሃደራት እታ ሃገር ልዑል መጠን ረኽሲ ኤችኣይቪ ተመዝጊቡ ነይሩ።

ኮንዶም ኡሊንዚ ምስ ክዳን ወተሃደራት ተመሳሲሉ ዝተሰርሐን ኣብ ጁባ ዝተሓዝን እዩ።

ሚኒስትር ጥዕና ኡጋንዳ ቫሽታ ኪብሪጅ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ናብ ወፍሪ ከይዶም እንትምለሱ ሓድሽ ረኽሲ ኤችኣይቪ ንከየምፅኡ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሓቢረን።

''ባህሪ እዚ ስራሕ ብዙሕ ፈተናታት ዘለዎ እዩ። እዞም ወተሃደራት ሓደ ሓደ ግዘ ናብ ዓውደ ኵናት ኣብ ዝኸድሉ እዋን ምስ ሰበይቲ ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም'' ኢለን።

''ወተሃደራት ካብ ወፍሪ (ክተት) ናብ ገዝኦም እንትምለሱ ንዝፅበይኦም ኣንስቶም ከይልክመወን ህይወቶም ክሕልዉ ይግባእ'' ክብላ ንኤንቲቪ ኒውስ ኡጋንዳ ገሊፀን።


ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ኡጋንዳ

  • 1 ነጥቢ 3 ሚልየን ህዝባ ምስ ቫይረስ ኤችኣይቪ ከምዝነብር ይግመት
  • ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 50 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ብቫይረስ ኤችኣይቪ ተለኺፎም
  • ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 110 ሽሕ ሓደሽቲ ረኽስታት ተመዝጊቦም

ፍልፍል፡UNAids


ከም ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣብ 1999 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 74 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ምስ ኤችኣይቪ ብዝተሓሓዙ ሕማማት ሞይቶም።

ብኸይዲ ግዜ ግና ድሕሪ ለውጢ ከምዝተርኣየ እቲ ውድብ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ድማ ምስ ኤችኣይቪ ብዝተሓሓዙ ሕማማት 26 ሽሕ ኡጋንዳውያን ሞይቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ልዑል ጎስጓሳት ምክልኻል ኤችኣይቪ ስለዝካየዱን ቀረብ መድሓኒት ፀረ ኤችኣይቪ ስለዘሎን፡ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ይንክይ ኣሎ።

ተወሳኺ ዛንታ