ሽልማት ኖቤል፡ ዴኒስ ሙክዌጄን ዲያ ሙራድን ተሸሊሞም

ዴኒስ ሙክዌጄን ዲያ ሙራድን ተሸሊሞም Image copyright EPA

ዴኒስ ሙክዌጄን ዲያ ሙራድን ናይ 2018 ዕውታት ኖቤል ሽልማት ሰላም ኮይኖም ተሮቒሖም፡ እዞም ክልተ ተሰለምቲ ኖቤል ኣብ ብኲናት ዝተጠቕዐ ከባቢ ጾታዊ መጥቃዕተ ንምክልኻል ብዝገበርዎ ኣስተዋጽኦ እዮም ነዚ ሽልማት እዚ ክዓትሩ ክኢሎም።

ወዲ ጎንጎ ዶክተር ዴኒስ ሙክዌጄ፡ ክኢላ ሕክምና ማህጸን ክኸውን እንለሎ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ብምግባር ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክገብር ዝጸንሐ እዩ።

ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኢራቓዊት ዲያ ሙራድ ብወገና፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብእስማላዊ ዕጡቓት ጅሆ ተታሒዛ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ ኮይና፡ ንኻልኦት ደቀኣንስትዮ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንኸይወርድ ክትቃለስ ዝጸንሐት እያ።

እዚ ሽለማት ብሓሙሽተ መረጽቲ ደያኑ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ 331 ሕጹያት ንውድድር ቀሪቦም ነይሮም።

ካብዚኦም እቶም 216 ወልቀ ሰባት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 115 ማሕበራትን ጉጅለታትን ምዃኖም ኮሚቴ ምርጫ ኖቤል ጠቒሶም።

ብመሰረት ኣሰራርሓ ሽልማት ኖቤል፡ ኣስማት ሕጹያት ድሕሪ 50 ዓመታት እዩ ዕላዊ ኮይኑ ንህዝቢ ዝግለጽ።

መራሕቲ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ፡ ካብቶም ንኽዕወቱ ግምት ተዋሂብዎም ዝነበሩ እዮም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዴኒስ ሙክዌጄን ዲያ ሙራድን

መራሒ ሰሜን ኮርያ ዋላ እኳ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ክዉቀስ እንተ ጸንሐ፡ ምስ መዘንኡ መራሒ ደቡብ ኮርያ፡ ንዓመታት ዝነበረ ወጥሪ ከህድኡ ምኽኣሎም፡ ነዚ ሽልማት ክበቕዑ እዮም ዝብል ግምት ጸኒሑ እዩ።

እቲ ካልእ ነዚ ሽልማት ክወስድ እዩ ተባሂሉ፡ ግምት ተዋሂብዎ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበረ፡ ንዓመታት ዝቀጸለ ምፍጣጥ፡ ናብ ዝሓሸ ኩነት ከስግሮ ብምኽኣሉ እዩ ኣብዚ ግምት ክኣቱ ገይርዎ።

ተወሳኺ ዛንታ