ነብዪ ስሑል ሚካኤል፡ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝተዳለወ መጽሓፍ "ተከዘ'ውን ልደት ይፈልጥ"

ነብዪ ስሑል ሚካኤል (ኣብ ስታዲየም መቐለ) Image copyright Nebiyu

ኣብ 1977 (1985) ማዕከናት ዜና ዓለም ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ኣሽሓት ብጥምየት ይሃልቁ፣ ይስደዱ ኣለው ክብላ ኣቃሊሐን ነጊረን።

ነቶም ጸብጻባት ዝረኣዩ፡ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ቦብ ጊልዶፍን ሚደጌ ኡሬን ዝጸሓፉዎ "Do they know it's Christmas?" (ልደት ምዃኑ'ዩ ይፈልጡ'ድዮም) ዝብል ግጥሚ ሙዚቃ፡ ኢንግሊዛውያንን ኣየርላንዳውያንን ስነ ጥበባውያን ዝሓቖፈ 'ባንድ ኤይድ' ተጻዊቱዎ።

እዚ ሙዚቃ፡ ነቶም ድርቂ ብዘስዓቦ ጥምየት ይሃልቁ ኣለው ዝተብሃሉ ተጠቃዕቲ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ዓሊሙ ዝተዳለወ'ኳ እንተኾነ፡ መምህርን ደራስን ነብዪ ስሑል ሚካኤል ግና፡ ገለ ኽፋል ግጥሚ እቲ ደርፊ 'ዓሌታዊ' እዩ ይብሎ።

እቲ ሙዚቃ፡ "ልደት ምዃኑ ይፈልጡዶ?.....ክሪስትማስ ምዃኑ ንገሩዎም....." እናበለ'ዩ ዝውድእ።

ደራሲ ነብዪ ስሑል ሚካኤል ድማ፡ ነዛ ደርፊ መልሲ እትነግር ብዘምስል፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ነታ ደርፊ ብራድዮ ዝሰምዐ'ሞ፡ "ተከዘ'ውን ይፈልጥ" ዝብል ምላሽ ናይ ዝሃበ ተዛራቢ ዝትርኽ ታሪካዊ ልቢወለድ ኣዳልዩ ኣሎ።

እዚ ኽስተት ድርቂ 1977 (1985 ዓመተ ፈረንጂ) መሰረት ገይሩ ዝተጽሓፈ መጽሓፍ፡ ብዊልያም መርፊ ዝተብሃላ ዋና ገጸ ባህሪይ ድማ ይትረኽ።

"ድርቂ 1977፡ ሽሕ'ኳ ኽፉእን ብዙሕ ሓደጋ ዘስዓበን እንተኾነ፡ ኣብ ህዝብና ናይ ኣተሓሳስባን ባህርን ለውጢ ክመጽእ፤ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንምምካት ዘኽእሎ ኣብ ተፈጥሮ ዘለዎ ኣረዳድኣ ክልውጥ ዝገበሮ'ዩ" ይብል እቲ ደራሲ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ ስነ ልቦና እቲ ህዝቢ ዓብዪ ለውጢ ዘምጽአ'ኳ እንተኾነ፡ እዚ ህዝቢ ብደረጃ ዓለም ዝፍለጠሉ ምስሊ ብኣሉታ ብምጽላው ሽሙ'ዉን ክሳብ ሕዚ ምስኡ ለጊቡ ክለዓል ምኽንያት ይኸዉን ኣሎ ዝብል እምነት እቲ ደራሲ'ዩ።

"ስለዝኾነ እቲ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዝኾነ ናይ ጥበብ ስራሕ የድልየና። እቲ ፍጻሜ እንታይ'ዩ ነይሩ ክንነግር ኣለና። ሕማቕ ምስሊ ህዝብና ነዊሕ ክጸንሕ ኣይንደልዮን፤ ንልወጥ ከምዘለና፣ መነባብሮና ድማ ይመሓየሽ ከምዘሎ'ውን ክነረድእ ይግባእ"።

Image copyright Nebiyu

እዚ ነዊሕ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይን ጽልዋ ሓደጋ ድርቂ እቲ እዋንን ብምድህሳስ ዝትርኽ መጽሓፍ፡ ባህሊ፣ ስነ ቃል፣ ምስልታትን ካልኦትን ብምሓዝ "ኢቭን ተከዘ ነውስ ኢትስ ዳሚ" ብዝብል ርእሲ ተዳልዩ ኣሎ።

እዚ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝተዳለወ መጽሓፍ፡ ኣከዳድና፣ ቑኖን ካልእን እቲ ማሕበረሰብ ብኣንደበት እቲ መሪሕ ገጸ ባህርይ ክቐርቡ'ዩ ተገይሩ።

"እቲ ባህልን ታሪክን ብዕምቆት ክድህስስ ፈተነ ገይሩ'ዩ። እቲ ገጸ ባህሪ ትግርኛ ክመልኽ'ዉን ጻዕሪ ስለዝገብር፡ ናይ ትግርኛ ቃላትን ሙሉእ ሓሳባትን'ዉን ሒዙ'ዩ። እዚኦም ኣብ ምትርጓምን እቲ ስምዒት ኣብ ምምጻእን ግና ከቢድ ግድል ነይሩ" ይብል እቲ ደራሲ።

ደራሲ፡ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ክጽሕፍ ዘገደዶ ምኽንያት እንትዛረብ ድማ፡ "እቲ ናይ ሽዑ እዋን ጸገምናን ዝተበላሸወ ምስልናን ብቲ ዓለም ዝፈልጦ ቋንቋ'ዩ ተነጊሩ። ሕዚ ዘሎ ምስልና፣ ባህልናን ታሪኽናን ከምዝተቐየረ ክንነግር፡ ነዚ ታሪኽ ንዝፈልጥ ማሕበረሰብ ክነረድኦ እንኽእል ድማ ብቲ ዝርድኦ ቋንቋ ስለዝኾነ'ዩ" ይብል።

"ትኹረትና ንትግራይ"

ረብሓ ትግራይን ህዝባን ምቕዳም፣ ዓቕምን ፍልጠትን ትግራዋይ ንትግራይ ዝብሉ ምንቅስቓሳት መናእሰይ እዚ ግዘ ብሰፊሑ ይርኣይ።

እቲ ክልል ኣብ ሕሉፍ ከሲሩዎም'ዩ ተባሂሎም ኣብ ዙርያ ዝተኣመነሎም ማሕበረ ቑጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ዝፍትሑ፡ እኩብ ሓይልና ነቲ ክልል እንትነወፊ'ዩ ዝብሉ ምልዕዓላት ድማ፡ መናእሰይ እቲ ክልል ብተደጋጋሚ ካብ ዘሰጉምዎም ዘለው ኣተሓሳስባታት ኮይኖም ኣለው።

"እዚ ርሱን ስምዒት መንእሰይ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን ተጠቃምነት ትግራይ ክውዕል ኣለዎ" ዝብል ደራሲ ነብዪ፡ ከም ሃገር ድማ ኣብታ ሃገር ክጻወቶ ዝግባእ ታሪኻዊ እጃም ቐጻልነቱ ብዘየተዓናቅፍ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ይዛረብ።

"እቲ ህዝቢ ብተፈጥሮኣዉን ሰብ-ዝሰርሖን ነገራት ተሃስዩ'ዩ። ታሪኹ ከላልን ክዕቅብን ኣይኽኣለን፡ ቁጠባዊ ተጠቃምነቱ ክንድቲ ዝድለ ኣይኾነን። ስለዝኾነ እቲ ህዝቢ ዘለውዎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ታሪኹ ኣብ ምስናድን ክንሕግዞ ኣለና"።

Image copyright Nebiyu

'ወያነ ሚዲያ'

ስነ ጽሑፍ፡ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ናይ ምንቃሕ፣ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕራጽ ሓይሊ ኣለዎ ኣብ ዝብል ብዙሓት ጸሓፍቲ ይሰማምዑ።

ደራስን መምህርን ነብዪ ስሑል ሚካኤል ብወገኑ፡ "ህዝቢ ዝምራሕ ብሓይሊ ወይ ብሰራዊት ኣይኮነን። ፖለቲካ ንብሕቱ'ዉን ኣይመርሖን፤ ጥበብን ሚዲያን ግና ህዝቢ ይመርሕ። ኣብ ትግራይ ድማ ወያነ [ሰውራ] ስነ ጥበብን ሚዲያን ክፍጠር ኣለዎ" ኢሉ።

ብቐጻልነት ድማ መንግስቲ'ዉን ኣብ ስነ ጥበብን ሚዲያን ንምምዕባል ንዋይ ከውፍር ክገብር ኣለዎ ይብል።

መጽሓፍ "ኢቭን ተከዘ ነውስ ኢትስ ክሪስትማስ ዳሚ"፡ 422 ገጽ ሒዙ ተዳልዩ ኣሎ።

ደራስን መምህርን ነብዪ ስሑል ሚካኤል፡ ቅድም ኢሉ 'ምንኩሕኳሕ ዘይጠዓመ ማዕጾ' ዝብል መጽሓፍ ንንባብ ኣብቂዑ'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ