ቱኒዝያ፡ 'ኣንጻር ዓሌታዊ ዘረባታት' ሕጊ ኣጽዲቓ

ንጸረ-ዓሌታዉነት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዳ ደቂኣንስትዮ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቱኒዝያ ተደጋጋሚ ጸረ-ዓሌታዉነት ሰልፍታት ይካየድ

ፓርላማ ቱኒዝያ ንዓሌታዊ ዘረባታት ዝቐጽዕ ሕጊ ኣጽዲቑ። ዕላማ እዚ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ፡ ኣብ'ታ ዓረባዊት ሃገር ዝርከቡ ጸለምቲ ህዝብታት እታ ሃገር ዝበጽሕ መጉዳእቲ ንምግታእ ምዃኑ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ሓላፊ መጋባእያ ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት ቱኒዝያ መስዑድ ረመዳኒ "እዚ ኣብ ታሪኽ ቱኒዝያ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋን እዩ፡ ምስ ምውጋድ ባርነት ዝመዓራረይ ኢዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ወሲኹ "ዓቢይ ስጉሚ'ዩ፡ እንተኾነ ግና ነቲ ሕጊ፡ ኣብቲ ዓሌታዉነት፡ ኣንጻር እቶም 10 ሚእታዊት ጸለምቲ ቱኒዝያውያንን ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃውያንን፡ ብዙሕ ዝረኣየሉ ሕብረተሰብ፡ ተግባራዊ ንምግባር ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት ኢዩ" ኢሉ።

ኣብ ነሓሰ ሓንቲ ጓል ኣይቮሪ ኮስት ንዝጸረፍዋ ምላሽ ድሕሪ ምሃባ፡ መጥቓዕቲ ከም ዝወረዳ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ዝኾነ ሰብ ብዓሌታዊ ዘረባ ገበነኛ ኮይኑ ምስ ዝርከብ፡ ክሳብ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርትን 350 ዶላር መቕጸዕትን ክብየነሉ ይኽእል።

እቲ ሕጊ ደገፍ ናይ 125 ኣባላት ፓርላማ ክረክብ ከሎ፡ ሓደ ተቓዉሞን ሓሙሽተ ኣባላት ፓርላማ ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ከም ዝተቖጠቡ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት