ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጁሰፐ ኮን ተ ኣስመራ ኣትዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጁሰፐ ኮንተን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ Image copyright የማነ ገብረመስቀል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጁሰፐ ኮንተ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጁሰፐ ኮንተ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ተቀቢሎሞ።

ንሱ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ሰዓታት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣዊ፡ ዞባን ዓለምለኻውን ጉዳያት ከም ዝዘተየ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዞባዊ መቓን ዝተማእከለ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ከሐይሉ ከም ዝተሰማምዑን፡ ኢጣልያ "ወፍሪ ኣብ ምድንፋዕ፡ ኣብ ናይ ምትሕግጋዝ ፕሮጀክታት፡ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት፡ ከምኡውን ቴክኒካውን ሞያውን ስልጠና" ኣብ ምሃብ ደገፍ ከም እትገብር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቃል ከም ዝኣተወ፡ እቲ ሚኒስተር ዜና ጠቒሱ።

ንሱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ኣውሮጳዊ መራሒ'ዩ።

ብዋሕዚ ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታት እተማርር ዘላ ኢጣልያ፣ ምስ ዜጋታት ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ብምዝርራብ፣ ነቲ ዋሕዚ ንምግትኡ፤ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ሂወቶም ዝመርሑሉ መደባት ከምዘለዋ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ፣ ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምእታዉ ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት