ቕነ ኣፍሪቃ ብስእሊ፡ 5 - 11 ጥቅምቲ 2018

ሙሩጻት ስእሊታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን።

ሳባ ሃይሉ፡ ኣብ ጎቦታት ገርዓልታ Image copyright Saba
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳባ ሃይሉ፡ ክትሓልፍ'ውን ንድሕሪት ቆላሕ ክትብል ዘይምከር ኣብ ቅርቅርቲ ጎቦታት ገርዓልታ፡ ስፖርት እንትሰርሕ ንቢቢሲ ትግርኛ ዝለኣኸቶ ፎቶ።
ቅንያት ፋሽን ኣብ ጆሃንሰበርግ፡ 6 ጥቅምቲ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓበይቲ ኣንሽቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዕመምኦ ሻሽ፡ ሕዚ ሕዚ፡ ምርኢት ፋሽን ዘቕርባ ሞዴል፡ ይኽደንኦ ኣለዋ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 09 ጥቅምቲ 2018. Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ሕዚ'ውን ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ክልተ መጻምዲ ሓደ ጀርመናዊ ኣርቲስት ኣብ መንደቕ ብዝሰኣሎ ስእሊ እንትሓልፉ።
ኬንያዊ ተሓላቒ፡ 11 ጥቅምቲ 2018. Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኬንያውያን ተሓለቕቲ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ገንዘብ ንምርካብ ይፍትኑ'ዮም ዝተብሃሉ ፖለቲከኛታት ደቡብ ሱዳን፡ ክእገዱ ሓቲቶም
ሳባ ሃይሉ፡ ኣብ ቅርቅርቲ ጎቦታት ገርዓልታ ስፖርት እናሰርሐት Image copyright Saba Hailu
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳባ ሃይሉ፡ ኣይኮነን ስፖርት ክትሰርሐሉ ክትሓልፍ'ውን ንድሕሪት ቆላሕ ክትብል ዘይምከር ቀጣን መሕለፊ ኣብ ቅርቅርቲ ጎቦታት ገርዓልታ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኮይኑ ውዒሉ።
ካሜሮን 9 ጥቅምቲ 2018. Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ወዲ 85 ዓመት ፕረዚደንት ካሜሮን ፓውል ቢያ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተዓዊቱ'ዶ ይኸውን? እናበለት ዉጽኢት ክትሰምዕ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ሰላም ገዝኣ ምስ ኸልባ እትጽበ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ
5 ጥቅምቲ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ዙምባብዌ፡ ሃራሬ፡ ድሕሪ ዝተውሃበ ኽታበት ኮሌራ ኩዕሶ እግሪ ዝጻወቱ ዝነበሩ ዕሸላት
07 ጥቅምቲ 2018 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ወተሃደር ብጎንጺ ትሕመስ ኣብ ዘላ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝነብር'ዩ። ንርእሱ ዕረፍቲ ክህባ እንትሓስብ ግና፡ ዘይተለመደ ዓይነት ኣቀማምጣ መሪጹ።

ስእሊታት፡ ካብ AFP, EPA, Reuters ን Getty Images ን።