ኢትዮጵያ፡ ጥርጡራት ፈተነ ቅትለት ዶክተር ኣብይ አሕመድ ቤት ፍርዲ መዓልቲ ከናውሓሎም ሓቲቶም

ጥርጡራት ብፖሊስ ተዓጂቦም እንትኸዱ

ብ16 ሰነ 2010 ዓ/ም ኣብ መስቀል ኣደባባይ፡ ንቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተዳለወ ሰልፊ ድጋፍ፡ ቦምባ ብምፍንጃር ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብፈተነ ምቕታል ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ተወሳኺ ግዘ ቖጸሮ ሓቲቶም።

ኣቶ ጌቱ ግርማ፣ ኣቶ ብርሃኑ ጃፋር፣ ኣቶ ጥላሁን ጌታቸው፣ ኣቶ ባህሩ ቶሎሳን ኣቶ ደሳለኝ ተስፋዬን ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መበል 19 መጋብኣያ፡ ንጠበቕኦም ኣቶ ወንድሙ ኢብሳ ሒዞም ድሕሪ ቐትሪ ቐሪቦም።

ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ክሲ ዳግም ዘቕረበ ኮይኑ፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ኬንያ እትነብር ገነት ታምሩ (ቶለሺ ታምሩ) ዘወሃሃደቶ ተግባር ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ 'እታ ሃገር ብዶክተር ኣብዪ ዘይኮነ ብግንባር ናጽነት ኦሮሞ'ያ ክትምራሕ ዘለዋ' ብዝብል ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

'እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ብሽም ህዝቢ ናይ ባዕሉ ዕላማ ዘሰጉምን ድልየት ህዝቢ ኦሮሞ ዘየፈጽምን'ዩ' ብዝብል እቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ'ውን እቲ ዝቐረበ ክሲ ብተወሳኺ ይገልጽ።

ነዚ ምላሽ ዝሃቡ፡ ጠበቓ እቶም ተኸሰስቲ ኣቶ ወንድሙ፡ ምስ ዓማዊሎም ተራኺቦም ናይ ጽሑፍ መቃወሚ ከቕርቡ ዕድል ከምዘይረኸቡ ብምርዳእ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ተወሳኺ መዓልቲ ቖጸሮ ክህቦም ሓቲቶም።

ብመሰረት እዚ፡ ን16 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ተወሳኺ ግዘ ቖጸሮ ተዋሂቡ ኣሎ።

ነቲ ዝቐረበ ክሲ ዝሰምዑ ጠበቃ ወንድሙ፡ "እቲ ክስን እቶም ተኸሰስቲ ዝሃብዎ ቃልን ዝጠዓዓም ኣይኮነን" ኢሎም።

እቶም ጥርጡራት ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ከምዝተትሓዙ ብምዝኽኻር፡ ከም ኣብነት ቐዳማይ ተኸሳሲ ጌቱ ግርማ ብሽብርተኝነት ተኸሲሱ ንክልተ መዓልቲ ተኣሲሩ ብምጽናሕ፡ ክሱ ተቋሪጹ ከምዝወጽአ ተዛሪቦም።

"ዶክተር ኣብዪ ብዘምጽኦ ለውጢ ተጠቀምቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ'ዩ" ኢሎም።

ካልእ ተኸሳሲ ብርሃኑ ጅፋር፡ ናይ ስጋ ነጋዴ ኮይኑ፡ ስጋ እናመላላሰ እንከሎ ከምዝተትሓዘ ገሊጾም።

"እቶም ጥርጡራት ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ፡ ንዶክተር ኣብዪ ምስጋና ንምቕራብ'ዩ" ዝብሉ እቶም ጠበቓ፡ እቶም ዝቐረቡ ክሲታት ከምዝቃረኑ እዮም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከምዘመላኽቶ፡ ቐዳማይ ተኸሳሲ ጌቱ ግርማ ምስ ኻልኣይ ተኸሳሲ ኣብ ሱልልታ ተራኺቡ፡ 'እቲ ሰልፊ ዝጸውዖ ኣካል ዘይሻራዊ ኣይኮነን፡ ኤችአር 128 ዝተብሃለ ብኮንግረንስ ኣሜሪካ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ተግባራዊ ከይኸውን ዝዓለመ'ዩ' ብዝብሉ ምኽንያታት እቲ ቦንባ ኢድ ንደርቢ ኢሎም ከምዝተዳለው ይሕብር።

ሳልሳይ ተኸሳሲ፡ ደዊሉ ቦምባ ዝድርቢ ሰብ ክእልሽ ልኡኽ ከምዝተውሃቦ ኣብቲ ኽሲ ተገሊጹ ኣሎ።

ካልኦት ተኸሰስቲ፡ ብጉጅለ ብምዃን ንግዝኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ዘይወዓሉ ውልቀሰባት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለየ መገዲ፡ ቦምባ ንምድርባይ ሰባት ከምዝመልመሉን ኣብ ካልኦት ጉዳያት'ዉን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑን ብምግላጽ፡ ብሽብርተኝነት ኸሲሱዎም ኣሎ።

ተወሳኺ ዛንታ