ቢቢሲ ትግርኛ፡ ሓፀርቲ ዜናታት ዓርቢ ምሸት

ዕጡቓት 'ሲቪልያን ጆይንት ታስክ ፎርስ' ኣብ ሰሜን-ምብራቕ ናይጀርያ ይንቀሳቐሱ

ሓፀርቲ ዜናታት ዓርቢ ምሸት

  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጁሰፐ ኮንተ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ንምግባር ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ተቀቢሎሞ።

ኮንተ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ሰዓታት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ ብዛዕባ ክልተኣዊ፡ ዞባን ዓለምለኻውን ጉዳያት ክዝቲ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ንሱ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ኣውሮጳዊ መራሒ'ዩ።

  • ስርዓተ ቀብሪ ኢትዯጵያዊ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ስዩም ኣባተ ሎሚ መዓልቲ ተፈፂሙ

ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝተፃወተን ዘሰልጠነን፤ ከምኡውን ንጋንታታት ፕሪምየርሊግ፡ ቡናን መድህንን ብተፃዋትነትን ኣሰልጣንነትን ዘገልገለ ስዩም ትማሊ'ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኣሰልጣኒ ስዩም ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ሕክምና ክከታተል ምፅንሑ ኤፍቢሲ ፀብፂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ጁሰፐ ኮንተ ኣስመራ ኣትዩ

ቱኒዝያ 'ኣንጻር ዓሌታዊ ዘረባታት' ሕጊ ኣጽዲቓ

  • ኣብ ዩጋንዳ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ህይወት 37 ሰባት ኣጥፊኡ

እቲ ኣብ ከባቢ ጎቦ ኤልጎን ዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ ኣብ ምብራቓዊ ዩጋንዳ ንዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዝተፈጠረ ሓደጋ'ዩ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ናብቲ ቦታ ዝተልኣኹ ኮይኖም፡ ቁፅሪ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ተሰጊኡ'ሎ።

ኮሚሽነር ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ምድላውን እታ ሃገር ማርቲን ኦወር፡ ምድላይ ግዳያት ከምዝቐፀለ ተዛሪቡ።

  • ብመንግስቲ ናይጀርያ ዝድገፍ ጉጅለ ዕጡቓት ልዕሊ 880 ህፃናት ወተሃደራት ናብ ስድርኦም መሊሱ

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ህፃናት ዩኒሴፍ ከምዝገለጾ፡ 'ሲቪልያን ጆይንት ታስክ ፎርስ' ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ፡ኣንፃር ዕጡቓት ሚሊሻ ቦኮ ሓራም ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ዘዕጠቖም 833 ህፃናት ናብ ዝነበሩሉ ማሕበረሰብ መሊሱ።

ካብቶም ብነፃ ዝተፈነዉ ህፃናት ደቂ 11 ዓመት ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ'ሎ።

  • መጠን ብመጥባሕቲ ተሓጊዝካ ዝፍፀም ሕርሲ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ክበፅሕ ከምዝኽእል ተሓቢሩ

እቲ መስርሕ ሕርሲ ቅድሚ 15 ዓመት ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ዝነበሮ መጠን፡ ዳርጋ ብክልተ ዕፅፊ ከም ዝወሰኸ ዝገለፀ መፅናዕቲ፡ ዶሚኒካ ሪፐብሊክ ነዚ ኣማራፂ ብምጥቃም ብ58.1 ሚኢታዊት ኣብ ቅድሚት ከም እትስራዕ ኣፍሊጡ።

ካልኦት ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ብመጥባሕቲ ብምውላድ ዝተሰርዓ ሃገራት ድማ ብራዚል፣ ግብፅን ቱርክን ኮይነን ኣለዋ።

ሙሁር'ቲ ማሕበራዊ ሳይነስን ጥዕና ደቀኣንስትዮን ፕሮፌሰር ጃኔ ሳነደል፡ ከምዝብልኦ "ብመጥባሕቲ ዝፍፀም ምውላድ ኣብታ ኣደ ናይ ማህፀን ምህሰይቲ፣ መድመይቲ፣ ኣብ ቀፃሊ ጥንሲ ድማ ምውት ዕሸል ንምውላድ ካልኦት ፀገማትን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

  • ምስ መንደቕ ዝተላተመት ነፋሪት መጓዓዝያ ህንዲ ብሰላም ዓሊባ

130 ተጓዓዝቲ ዝፀዓነት ነፋሪት 'ኤይር ኢንዲያ'፡ ካብ ህንዳዊት ከተማ ትሪቺ ናብ ዶባይ ንምብራር ክትለዓል ከላ'ያ ምስ መንደቕ ተላቲማ።

እታ ነፋሪት ናብ ዱባይ ዝተሓሰበ በረረኣ ተሰሪዙ፡ ካብ ህንዲ ከይወፀት ኣብ ሙምባይ ክትዓልብ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ንመንቀሊ እቲ ሓደጋ ምርመራ ክካየድ ጀሚሩ'ሎ።

  • ንኢንስታግራም ተጠቒሞም ቆልዑ ዝሸጡ ኢንዲነዥያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም

ኣርባዕተ ኢንዶነዥያውያን ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ እናተጠቀሙ ህፃናት ኣብ ምሻጥ ክሰርሑ ከም ዝፀንሑ ተገሊፁ'ሎ።

ኣብ ጉዳያት ቤተሰብ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ ኣምሲሎም ብዝኸፈትዎ ናይ ኢንስታግራም ገፅ ምስ ዓማዊሎም ንምርኻብ ስእሊ ጥንስቲ ሰበይቲ፣ ኣብ ማህፀን ዘሎ ዕሸልን ህፃናትን ከም መላለይ ይጥቀሙ ነይሮም።

እቲ ነዚ ገበን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ኢንስታግራም ገፅ'ውን ክዕፆ ተገይሩ'ሎ።

-========================

ተመሳሳሊ ዛዕባታት