ክትፈልጡዎም ዝግባእ ዓበይቲ ፍጻሜታት እዚ ሰሙን

ሎሚ መዓልቲ፡ ሓድሽ ቕንያት እዚ ሰሙን ዝፍለመሉ መዓልቲ'ዩ። ሰሙን መመላእታ እንታይ ከምዝፍጸም'ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ገለ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት፡ ዝህልው ዓበይቲ ፍጻሜታት ክንሕብረኩም።

1) ወሳኒ መዓልቲ ዘተ ብሬክዚት

Image copyright AFP

እቲ ፍጻሜ እንታይ'ዩ?

መራሕቲ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንወሳኒ ኣኼባ መጻኢ ረቡዕ ኣብ ብራስለስ ክራኸቡ'ዮም።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር እንግሊዝ ተሬሳ መይ፡ ኣብ ጉዳይ ብሬክዚት (ምውጻእ ብሪጣኒያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ) ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ'ዩ ኢላ ተስፋ ትገብር።

እዚ ድማ፡ ወሳኒ ስግግር ንምግባር ዕድል እትረኽበሉ ኣጋጣሚ'ዩ። ኣብዚ ጉባኤ፡ ክልቲኦም ወገናት እዚ ናይ 'ፍትሕ ስምምዕ' ክዛዝሙ ትጽቢት ይግበር።

ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ፡ ኣብ ዶብ ሰሜን ኣየርላንድን ኣይሪሽ ሪፐብሊክን ዘሎ ፍተሻ ሓዊሱ፡ ገና ኣብ ስምምዕ ዘይተብጸሐሎም ጠቐምቲ ጉዳያት ኣለው'ዮም።

2) ሽልማት ብበዝሒ ዝተሸጠ መጽሓፍ

Image copyright PA

እንታይ'ዩ እቲ ፍጻሜ?

ተዓዋቲ ሽልማት ብበዝሒ ዝተሸጠ መጽሓፍ እዚ ዓመት፡ ጽባሕ ሰሉስ ክፍለጥ'ዩ።

እቲ ዝሕረ ተዓዋቲ፡ 66 ሽሕ ዶላር ዝሽለም ኮይኑ፡ ኣብ ዕዳጋ መጽሓፍ፡ ብበዝሒ ዝተሸጠን ዝለዓለ ኣፈጻጽማ ዘርኣየን እዩ ክኸውን።

ዝሓለፈ ዓመት፡ 'Lincoln in the Bardo' ዝተብሃለ ብጆርጅ ሳንደርስ ዝተዳለወ መጽሓፍ ዝተዓወተ ተዓዊቱ ነይሩ። ብድሕሪ እቲ ሽልማት ኣብ ዕዳጋ ዝነበሮ ጠለብ ድማ ብ 1,227 ሚኢታዊት ክዓቢ ኪኢሉ።

ኣብዚ ዓመት ካብ ሞንጎ ዝተሓረዩ መጽሓፍቲ፡ ብወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ዳይሲ ጆንሰን ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ይርከቦም።

3) መረጻ ኣፍጋኒስታን

Image copyright Reuters

እንታይ'ዩ እቲ ፍጻሜ?

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ኣፍጋኒስታናውያን መጻኢ ቐዳም ኣብ ዝካየድ ፓርላመንታው መረጻ ድምጾም ክህቡ'ዮም።

እዚ፡ እታ ሃገር ናጻ መረጻ ክተካይድ ትኽእል'ዶ? ዝብል ክትፍተነሉ'ያ።

እቲ መረጻ ኣብ 2015 ኣብ ዘብቀዐ ዕድመ ፓርላመንት ክካየድ'ኳ እንተነበሮ፡ ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋህኒ፡ ክናዋሕ ገይሩዎ።

ኣብ ጉዳይ ሕጋውነት እዚ መረጻ ዝለዓሉ ሕቶታት፡ ህዝቢ ኣብቲ ፓርላማ ዘለዎ እምነት ክንኪ ክገብር ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይግለጽ።

4) ካናዳ ሓሺሽሕጋዊ ክትገብር'ያ

Image copyright AFP/Getty

እንታይ'ዩ እቲ ፍጻሜ?

ካብዚ ሰሙን ዕለተ ረቡዕ ጀሚሮም፡ ዜጋታት ካናዳ፡ ሓሽሽ ብሕጋዊ መገዲ ዓዲጎም ክጥቀሙ ክፍቀደሎም'ዩ።

ሓሽሽ ሕጋዊ ምግባር፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካብ ገበን ናብ ሕጋዊ እናተሰጋገረ'ዩ ዝርከብ።

ካናዳ ድማ፡ ኣብ ዓለም ፍቓድ ሕጋዊ ምጥቃም ሓሽሽ ዝሃበት ካልአይቲ ሃገር ኮይና ኣላ። ኡራጋይ ኣብ 2013 ብምፍቃድ ቐዳመይቲ'ያ።

5) ጸወታታት ጉድኣት ኣካል

Image copyright Getty Images

እንታይ'ዩ እቲ ፍጻሜ?

ዓይነት ፓራሎምፒክ ዝኾነ 'Invictus Games' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ዘካተተ ጸወታ ኮይኑ፡ ዝቖሰሉ ሰራሕተኛታትን ኣረጋውያንን ይሳተፉሉ።

መጻኢ ቐዳም ዝኽፈት እዚ ጸወታ፡ ብ11 ዓይነት ዝተፈላለዩ ስፖርታዊት ውድድራት ንሓደ ሰሙን ክጸንሕ'ዩ።

እዚ ፕሪንስ ሃሪ ኣብ 2014 ዝጀመሮ ስፖርታዊ ጸወታ፡ ኣብ ካናዳን ብሪጣኒያንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሳሊጡ ነይሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሩስ ስፕሪንግስተን፣ ብሪያን ኣዳምስን ኬሊ ክላርክሰንን ተሳቲፎም።