ዛንታ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም: ሓደ ካብ ኣቦታት ኤርትራዊ ሃገራውነት

ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም Image copyright DM

መንነት ሕብረተሰባት ንምንባርን ውሕስነትን ኣብ ዘካይድዎ ሓባራዊ ቃልሲ እዩ ዝህነጽ። ኤርትራዊ መንነት ከኣ ኣብ መግዛእቲ ጣልያን ጀማሚሩ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኢንግሊዝ ዓዂኹ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ከኣ ደልዲሉን ተሪሩን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ብዙሓት ህዝብታት ኣፍሪቃን ዓለምን ካብ ዝተፈላለየ ዓሌታት ዝተዳቐለን ብዝተፈላለየ ዝተወራረሰ ባህሊ ዝተሃንጸን ህዝቢ እዩ።

መጻሕፍቲ ታሪኽ ከምዝሕብሩዎ፡ ኤርትራዊ መንነት ኣብ ዘበነ ምምቕቓል ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ጣልያን እዩ ጀሚሩ።

ጣልያን ብ 1890፡ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሞት ሃጸይ ዮውሃንስ፡ ንናይ ቀይሕ ባሕሪ ግዝኣቶም ብዕሊ ኤርትራ ዚብል ስም ብምሃብ ንኤርትራ ብሓደ ፍሉጥ ዶባትን ቅርጽን ከም ግዝኣቶም ተቖጻጸሩዋ።

ህዝቢ ኤርትራ ጽዕነት ባዕዳዊ መግዛእቲ ምስበርትዖ ብዝጀመረ ተቓውሞን ኣብያን እዩ ኤርትራዊ መንነት ተነዲቑ። በዚ መሰረት መግዛእቲ ጥልያንን ትካላቱን፡ ኤርትራዊ መንነትን መለለዪታትን ኣብ ምቕራጽን ምድራዕን ዓቢ ተራ ነይሩዎ።

እቲ ፍሉዩነት ኤርትራ ዘመስከረ፡ ኣብ ኣርብዓታት ዝተጋህደ፡ ድሒሩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዘምርሐ ንኤርትራዊ መንነት ዘጉልሐ ተቓውሞ፡ ብምድፍፋእ ናይ በዓል ኣቦይ ወልደኣብን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን መሰልቶምን ኢዩ ተኣታትዩ ክበሃል ይከኣል። ብዘበን ንጉስ ሃይለስላሴ ኸኣ ኤርትራዊ መንነት ኣብ ጥርዚ በጽሐ።

ኤርትራ ኤርትራውያን

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ዝበዝሑ ህዝቢ ከበሳ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ይደልዩ ከም ዝነበሩ፡ እቶም 'ኤርትራ ንኤርትራውያን' ዝበሉ ኸኣ ብጐስጐቲ 'ኢትዮጵያ ወይ ሞት' ይህደኑ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ሰኒዱዎ ዘሎ ሓቂ እዩ።

ሓደ ካብቶም ' ኤርትራ ንኤርትራውያን ብምባሎም ብዙሕ መከራን ስቓይን ዝረኣዩ ከኣ ካብ ከበሳታት ትግራይ ዝመበቆሎም ስድራ-ቤት እተወልዱ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም እዮም።

ኣቦይ ወልድኣብ ድማ ምስ ራቢጣ (እስላማዊ ጕጅለ) ኣሻርዮም ተባሂሉ ብድፍኢት ኣቡነ ማርቆስ ኰነ ካልኦትን ደገፍቲ ኣንድነት ተገፊዖም እዮም። ብዓንዳ ርእሱ ብህይወት ንምጥፈኦም ብደገፍቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ጊዜ ናይ ቅትለት ፈተነ ተኻይዱሎም።

እምበኣርከስ ታሪኽ ኣቦና ወልድኣብ ወልደማርያም ምስ ናጽነት ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ተጻባእቶም ድማ 'ከመይ ኢሉ ንንጉስና ይጸርፍ? ምስ ኣመንቲ ምስልምና የሻሩ?' እናበሉ በቲ ዝጥዕመሎም መጐተ ገይሮም ኣሉታዊ ስምዒታት ህዝቢ ብምቕስቃስ ንሸፋቱን ንጐነጸኛታት ኣባላት መናእሰይ ኣንድነትን ኣለዓዒሎም 'ኢትዮጵያ ወይ ሞት' እናበሉ ጐስገሱ።

በሃራት ኤርትራውያን ኣቦታት ብመዝነትን ገንዘብን ተዓሻሽዮም፡ ቍሸተኛታት ብሃይማኖት ተታሊሎም ሆ! በሉ። እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ነቓዕ ንጉስ ሃይለስላሴ መዝመዝዎ፣ ብ 1952 ፈደረሽን ተኣወጀ፡ ተድላ ባይሩ ኸኣ ዋና ጸሓፊ ዀኑ።

ኣቦይ ወልድኣብ ካብ ኩሉ እቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ሃድንን ሓደጋን ዘድሕንዎምን ዘዕቝቦምን ኣይረኸቡን - ዋላ እቲ ባዕሎም ተኸናኺኖም ሰለይ ዘበልዎ ቤተ-ክርስትያን ገዛ ከኒሻ እውን እንተኾነ ከምቲ ክገብሮ ዝግበኦ ኣይደገፎምን።

ኣማራጺ ምስ ሰኣኑ ከኣ ብ 1953 ናብ ስደት ከምርሑ ተደፊኦም ወጽኡ። እቶም ቀንዲ ዝቀናቐኑዎም ዝነበሩ ተድላ ባይሩ ከኣ ኣይጸንሑን ንፈደረሽን ዘለቕለቕ ከብልዎ ጀመሩ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ከኣ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ንኤርትራውያን ትኸውን ጠቕሊላ ኢትዮጵያ ኰነት።

ኣቦይ ወልደኣብን ኤርትራን

ኣቦይ ወልድኣብ ከም መዘናታቶም ኣብ ዘበነ መግዛእቲ ጥልያን'ዮም ተወሊዶምን ዓብዮምን።

ንሶም ውጽኢት መግዛእቲ ጣልያንን እንግሊዝን እዮም 'ውን ክብሃሉ ይከኣል። ኣብ ርእሲኡ፣ እቲ ሞራላዊ መንጸፍ ድሕረ-ባይትኦም ሽወደናዊ ሚስዮንን መጽሓፍ ቅዱስን'ዩ።

እቲ ሽዑ ዝቐሰምዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክሳዕ መዓልቲ ሞቶም ሰለይ ኣቢሉዎም'ዩ፣ እወ፡ ንምሉእ ህይወቶም ኣንጻር ስርዓት ሃይከስላሴ ዀነ ደርጊ ደው ንኽብሉ ከም በትሪ ተጠቒሞምሉ'ዮም።

እዞም ብ 1905 ኣብ ዓዲ ዛርና (ሰራየ) ዝተወልዱ፡ ብጕስነት ዝዓበዩ፡ ድሒሮም ትምህርቲ ዝጀመሩ፡ ኣብ መሰልጠን-መምህራን በለዛ ዝተምህሩ፡ ኣብ ኵናማ ንሓያሎ ዓመታት ዝመሃሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትርፊ ጊዜኦም ዘጽንዑ፡ መጽሓፍ ፊደል ትግርኛ ዘበርከቱ፡ ንወንጌላዊት ቤተ-ክርትያን ብምሉእ ዓቕሞም ዘገልገሉ፡ ብ 1935 ከም ሓለቓ ቤት-ትምህርቲ ናይቲ ቤተ-ክርስትያን ኰይኖም ኣሽሓት ተመሃሮ ብክንክን ዘዕበዩ በሃር ኤርትራዊ እዮም።

ብ1942፡ እንግሊዝ ንጣልያን ምስ ስዓረ፡ ኣቦይ ወልድኣብ ከም ኣሳናዳኢ ናይ "ሰሙናዊ ጋዜጣ ኤርትራ" ኰይኖም ኤርትራ ንኤርትራውያን እናበሉ ጐስገሱ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ስለ ናጽነት፡ ብደረጃ ራእይ ይኹን ብተግባር፡ ዓሚቝ ሰውራዊ ኣበርክቶ ገበሩ።

ኣብ ምንቅስቓሳት ናጽነት ብኣካል ብምውሳእ፡ ኣብ መስርሕ ከቢድ ዋጋ እናኸፈሉ ንራእይ ናጽነት ኣብ ባይታ ኣውሪዶም ዝፈተኑ፡ ኣሰናዳኢ "ሓንቲ ኤርትራ" ብምዃን ንስምረት ኤርትራውያን ዝጸዓሩ፡ በቲ ዝጽዕርሉ ዝነበሩ ምኽንያት ድማ ኣብ ዘይተኣደነ ፈተነ ዝኣተዉ፡ እናወደቑ እናተንስኡ ብዘይ ዕረፍቲ 'ኤርትራ ንኤርትራውያን' እናበሉ ንሰደት ከምርሑ ዝተገደዱ፡ ኣብ ስደት ቓልሶም ብምቕጻል ንልባት መንእሰያት ኤርትራ ብምስላብ ዘርኢ ሃገራውነት ዝተኸሉን ንኽዓቢ ዝዀስኰሱን ተባዕን ሕፉርን ሰብ'ዮም ነይሮም።

ኣቦይ ወልድኣብ ኣብ ግዳም ዀይኖም'ውን ዕድመ ኣርኪቡኒ ከይበሉ ዝተቓለሱ፡ ንእዋን ናጽነት (1991) ንዋራ ዘርከቡ፡ ብ 1995 ከኣ ካብ'ዛ ዓለም ዝተፈልዩ ኣቦ ኤርትራ'ዮም።

እቲ ነዊሕ ጕዕዞ ናጽነት

ብዙሓት ሰባት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጌጋ ኣብ 1961 - ምስ ብረታዊ ቃልሲ - ዝጀመረ'ዩ ዝመስሎም። እቲ ሓቁ ግን ብ 40'ታት ኢዩ ጀሚሩ።

እቲ ናይ ሽዑ ቃልሲ'ዩ ንብረታዊ ቃልሲ መገዲ ዝደግደገሉ። ብዘበን ኣቦይ ወልድኣብ ኰነ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብዙሕ ነገር'ዩ ተፈጺሙ፣ ጕዳይ ኤርትራ ኣብ ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ዝበጽሓሉ፡ ኤርትራ ንምውሳድ ጠለባት ኢትዮጵያ ዝገነነሉ፡ ሽፍትነት ምስ ዓመረ ኸኣ ብዙሕ ሰብ'ዩ ጠፊኡ።

መጐተ በዓል ኣቦይ ወልድኣብ ኰኑ ካልኦት ሓርበኛታት ኤርትራ ንኤርትራዉያን እናበሉ ምስ ኣንድነታውያን ገጠሙ።

መጐትኦም ምንጪ ናይቲ ሽዑ ዝተተኽለን ዝሰሰነን ሃገራውነት ብምዃን ብዙሓት ደቂ እቲ ዘመን ብሓበን 'ኤርትራዊ/ት ኢየ' ዝበልሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ኣንድነታውያን ብሃይማኖትን እምነትን ብረብሓን ንብረትን ስለዝሓየሉ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተጸምቢራ ሓቐቐት።

ብዙሓት ኣቦታት ኤርትራ 'ኢትዮጵያውያን ኢና' ብምባል መብልዕ እንጌራኦም ገበሩዎ፣ ኣብ መወዳእትኡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተቖርነት። ጉዕዞ ናጽነት ብዕጥቂ ብረት ከምዝኸውን ዘይተርፍ ኮነ።

ብረት ብምዕጣቕን በረኻ ብምውጻእ ጥራይ እቲ ጕዕዞ ኣይሓጸረን፣ ተመጠጠ ድኣ። ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ስኒት ምስ ተሳእነ ተጋደልቲ ብረቶም ኣብ ሓድሕዶም ኣቕንዑ። ተዋድኡ ኸኣ።

ብኽንደይ ጻዕርን ሰንከልከልን መስዋእትን ናጽነት መጽአት። ይኹን እምበር "እቲ ድሕሪ ፍርቂ ዘበን ዝተጋህደ ራእይ ኣቦይ ወልድኣብ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ኣይሰመረን።

ኤርትራውያን ኣይጠዓሞምን ስደትን ምብትታንን ስዒቡ" ይብል ኣብ ቃልሲ ሓርነት ተራኡ ዘበርከተ ገዲም ሃገራዊ ኢብራሂም። "ኣቦይ ወልደኣብ እንቋዕ እዚ ከይረኣዩ ሓለፉ" ከኣ ይብል ብምስትንታን።

"ምስ ጎረባብትኻ ብሰላም ንበር"

Image copyright DM

እታ ዳዊት መስፍን ብእንግሊዝኛ ዝጸሓፋ ብዛዕባ ታሪኽ ኣቦይ ወልደኣብ እተዘንቱ መጽሓፍ ነዚ ክብ ኢሉ ዝተባህለ ሓቅታት እያ ተጉልሕ።

እታ መጽሓፍ ተራን ሓይልን ሓደ ዉልቀሰብ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ እያ ተርኢ።

ሓይለ-ሓሳብ ኣቦይ ወልድኣብ፡ ንመንነትካ ዓቂብካን ኣጽኒዕካን መንነትካ ቀቲሎም ክጎብጡኻ ንዝደልዩ ተጻባእቲ ገጢምካ ንክትስዕር ብሕልናን መንፈስን ክትቅረብ ከምዘለካ እዩ ዘርኢ።

"ኣብ ኤርትራ ከም ኣቦና ወልደኣብ ዝኣመሰሉ ምእንቲ ኤርትራዊ መንነትን ህላዌኣን ጸኒዖም ዝቃለሱ ጀጋኑ እንተዘይነበሩስ ኤርትራ እንታይ ኮን ምኾነት?" ኢሉ ብዓይኒ-ሕልና ሕቶ ከልዕል ዝድርኽ ሓተታታት ኣለዋ እታ መጽሓፍ።

ጸሓፊ እቲ ዛንታ ካብቲ ፈለማ ዝወጠኖ ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ እዩ ወሲዱሉ። ሰለል እናበለ ኣይወደኦን።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጸገም ቀረባ ቤተ-ሰብ ኣቦይ ወልድኣብ ብፍርህን ስክፍታን ስለ ዝተዋሕጡ ንክትሓባባሩ ቅሩባት ዘይምንባሮም ይገልጽ ደራሲ።

"ግን ኣብ ሕማቕ ጊዜ ስለዘሎና ኣይሓዝኩሎምን ኵነታቶም ይርዳኣኒ እዩ" ድማ ይብል። እታ መጽሓፍ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወሰደትሉን ከም ዘድከመቶን ብምግላጽ፡ ድሕሪ ነዊሕ ድኻምን ግዜን እውን ይኹን ንማሕተም ስለዘብቀዓ ሕጉስ እዩ።

ብሓንቲ ነገር ግን ነብሱ ይነቅፍ ንዛንትኦም ብቋንቋ እንግሊዝኛ ብምጽሓፉ። ዕድልን ግዜን እንተረኺቡ ከኣ ብትግርኛ ከቕርቦ ይትስፎ፡ ተስፋ ጥራሕ ከይከውን ግን ይስከፍ።