ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ሽመት ሓለፍቲ ቢሮን አመሓደርቲ ዞባታትን ኣፅዲቑ

ሓለፍቲ ቢሮን አመሓደርቲ ዞባን ኮይኖመን ዝተሾሙ
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓለፍቲ ቢሮን አመሓደርቲ ዞባታታትን ትግራይ ኮይኖመን ዝተሾሙ

ባይቶ ክልል ትግራይ ሎማ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፡ ሹመት ሸሞንተ ሓለፍቲ ቢሮን ምምሕዳር ዞባታትን ኣፅዲቑ።

ካብ መንጎኦም እቶም ሹመኛታት ሓለፍቲ ቢሮታት፡ እቶም ሸሞንተ ሓደሽቲ እንትኾኑ ናይ ሰለስተ ሓደሽቲ ኣመሓደርቲ ዞባታት ሹመት ድማ ድማ ኣፅዲቑ።

ሓለፍቲ ቢሮ ኮይኖም ካብ ዝተሸሙ ትሸዓተ ሓደሽቲ ሰበ ስልጣናት፡ እተን ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ካብ መንጎአን፡ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ኮይነን ተሾይመን።

ወይዘሮ ገነት ኣረፈ ሓላፊት ቢሮ ጉዳያት መንኣሰይን ስፖርትን፡ ወይዘሮ ኣሰፉ ሊላይ ድማ ሓላፊት በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ኮይነን ተሸይመን።

ከምኡ እውን ወይዘሮ ኣልማዝ ገብረእግዝኣብሔር ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽንን ትራንስፖርትን: ወይዘሮ ብርኽቲ ገብረመድህን ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን: ዶክተር ፀጋ ብርሃነ ሓላፊት ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኮይነን ክሰርሓ ተሸይመን::

ናይ ምስሊ መግለጺ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ሚኒስትር፡ ልምዓት ኢኮኖሚን ገንዘብን ኮይኖም ሰሪሖም

ኣብ መንግስቲ ፌደራል ሚኒስትር፡ ሚኒስቴሪ ልምዓት ቐጠባን ገንዘብን ዝነበሩ፡ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ ብደረጃ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ኮይኖም ተሸይሞም።

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን ምንግስትን ዝነበሩ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ብወገኖም ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ክልል ትግራይ ኮይነን ንነዊሕ ዓማውቲ ዘገልገላ ወይዘሮ ቅዱሳን ነጋ ካብ ሓላፍነት መንግስቲ እንትሰናበታ፡ ብምክትል ኣፈጉባኤ ዝነበሩ ኣይተ ሩፋኤል ሽፋረ ድማ ተተኪአን ኣለዋ:።ኣይተ ቴድሮስ ገብረእግዝኣብሔር ሓላፊ ቢሮ ሃብቲ ማይ፡ ምክትል ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ዝነብሩ ኣይተ ተክኤ ምትኩ ድማ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም።

ኣይተ ኢያሱ ተስፋይ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ከምኡ እውን ኣይተ ርስቁ ኣለማው ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ኮይኖም ክመርሑ ሽመቶም በቲ ቤት ምኽሪ ፀዲቑ።

ኣማኸርቲ ርእሰ ምምሕዳር ኮይኖም ዝሰርሑ ሰባት ብዶክተርር ደብረጽዮን ብቐጥታ ከምዝሽየሙ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት