ዝበዝሑ ቀጠንትን ረጎድትን ኣበይ ይርከቡ?

ኣብ ደንደስ መሐንበሲ ዝተቐመጡ ስድራ Image copyright Getty Images

መብዛሕትኡ እዋን፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ወይ ምኽሳዕ (Obesity) ምዕራባዊ ጸገም፡ ትሑት መጠን ኣመጋግባ ድማ ጸገም ድኻታት ሃገራት ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ሓቂ ዝተሓላለኸ'ዩ። ካብ 10 ሃገራት እተን ትሽዓተ 'ድርብ ጾር' ብዝበሃል ናይ ጥዕና ጸገም ዝፍተና ዘለዋ ኮይነን፡ ዝኸስዑን ብዋሕዲ መግቢ ዝዓበሩን ብሓደ ዝነብሩለን እየን።

ጥዕና ዘይብሎም መግቢታት ምብዝሖም፡ ዕዮታት ናብ ቤት ጽሕፈት ምስግጋሮም፡ ምዕባለ መጓዓዝያን ቴሌቭዥንን ገለ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት ተባሂሎም ይጥቀሱ።

ከምኡ'ውን፡ እቲ ድርብ ጸገም ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓደ ስድራቤት እውን ዘጋጥም'ዩ።

ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ሓደ ውልቀሰብ ከጋጥም ይኽእል። እቲ ሰብ ኣመና ረጒድ (ከሳዕ) ኮይኑ፡ ኣገደስቲ መኣዛታት ግን ዘይረክብ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ብኣንጻሩ'ውን ሓደ ቀጢን ዝመስል ሰብ፡ ኣብ ውሽጡ ዝተሓብአ ልዑል መጠን ስብሒ ሒዙ ክጐዓዝ ዘይከኣል ኣይኮነን።

ዝኸስዑ ህጻናት

ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ምስ ጸገም ስርዓተ-ኣመጋግባ ዝቃለሳ'የን።

ቁጽሪ ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ኣብ 2016 ዓመተ ፈረንጂ፡ ኣስታት 815 ሚሊዮን በጺሑ ነይሩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝተራእየ 5 ሚኢታዊት ወሰኽ ምዃኑ'ዩ።

እቲ ዝበዝሕ ወሰኽ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ኮይኑ፡ 20 ሚኢታዊት ሰኣን መግቢ ዝዓበሩ ሰባት ነይሮም።

ዕብየት ምኽሳዕ ኣብተን ዝሓለፋ 40 ዓመታት ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ'ዩ። ብዓለም ደረጃ ልዕሊ 600 ሚልዮን ከሳዓት ክህልዉ እንከለዉ፡ 1.9 ቢልዮን ድማ ልዕሊ ዓቐን ረጎድቲ እዮም።

ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዘሎ ቁጽሪ ከሳዓት ድማ ምስቲ ናይ ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት እናተቐራረበ ይመጽእ ኣሎ።

ዝለዓለ መጠን ምኽሳዕ ህጻናት ዝረኣየሎም ክፋላት ዓለም፡ ማይክሮኒዥያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካሪብያንን እዮም። ካብ 2000 ንድሓር ድማ፡ ቁጽሪ ከሳዓት ቆልዑ ኣፍሪቃ ብዕጽፊ ወሲኹ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣወዳት ቆልዑት ከሳዓት ወይ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ክህልዎም እንከሎ፡ ሓደ ሲሶ ድማ ትሕቲ ንቡር ክብደት ዘለዎም ተባሂሎም ይግምገሙ።

ኣብ ብራዚል፡ 36 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ቆልዑት፡ ከሳዓት ክኾና እንከለዋ፡ ሚዛን ናይ 16 ሚኢታዊት ድማ ትሕቲ ንቡር ክብደት ዘለወን እየን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ከሳዓት ተምሃሮ ኣብ ሓደ ናይ ሚዛን መጉደሊ ማእከል፡ ኣብ ዘንግዙ ቻይና

ዝጠፍእ ገንዘብ ምህላዉ

ለውጢ መነባብሮ፡ ድርብ ጸገም ምኽሳዕን ምዕባርን ከፊላዊ ጠንቂ'ዩ።

ብዙሓት ከም በዓል ህንድን ብራዚልን ዝበላ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዝርከባ ሃገራት፡ ሓድሽ ማእከላይ እቶት ዘለዎ ክፋል ህዝበን (ማእከላይ ደርቢ) እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ክፋል ሕብረተሰብ'ዚ ኲኖ'ቲ መሰረታዊ ነገራት ንምግዛእ ዝረኽቦ ገንዘብ፡ ተወሳኺ ነገራት ንምዕዳግ ዘኽእሎ ዝያዳ ገንዘብ ዝረክብ'ዩ።

እዚ ማለት፡ ካብቲ ባህላዊ መግብን ኣመጋግባን ናብቲ ሽኮር፡ ስብሒ፡ ስጋን ከምኡውን ዘይተጻረዩ ኣእካልን ጥረምረን ዝበዝሖ መግብታት ምዕራውያን ሃገራት ይሰጋገሩ ማለት'ዩ።

ኣብ ገለ ሃገራት''ውን ሰባት ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝግዕዙሉ እዋን ኣገባብ ኣመጋግባኦም ክቕየር ይኽእል።

ንኣብነት ሓደ ብዛዕባ ንኣሽቱ ህጻናት ቻይና ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ገጠራት መጠን ምኽሳዕ 10% ክኸውን እንከሎ፡ ዕብራን ድማ 21% ኮይኑ ተረኺቡ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ከተማታት 17% ቆልዑት ከሳዓት፡ እቶም 14% ድማ ዕባራታት ኮይኖም ተረኺቦም።

ኣብ ᎍን፡ ህንዲ ፍሉይ ኪኢላ ሽኮርያ (ዲያበቲስ) ዝኾነ ፕሮፌሰር ራንጃን ያጅኒክ፡ እቲ ናይ ኣመጋግባ ለውጢ ዘኸተሎ ሳዕቤን ዘጽንዕ ዘሎ'ዩ።

"ሽኮርያ ናይ ዓበይትን ከሳዓትን ሕማም ተባሂሉ'ዩ ዝውሰድ ነይሩ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ ህንዲ ግን ኣብ ናኣሽቱ ሰባትን ብዙሕ ርጉዲ ዘይብሎምን ክንርእዮ ጀሚርና ኣለና" ይብል።

ህንዳውያን፡ ካብቲ ብማኣዛታት ሃብታም ዝኾነ መግብታቶም ናብቲ ምዕራባዊ ዝኾነ ብ"ጃንክ ፉድ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ብዙሕ መጠን ሽኮር ዘለዎ መግብታት ይሰጋገሩ ኣለዉ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ "ብኹሉ መዐቀኒ ቀጠንቲ ዝበሃሉ ሰባት፡ ልዑል መጠን ሕቡእ ስብሒ ተሰኪሞም ይኸዱ ኣለዉ"።

እቲ ሕቡእ ስብሒ ኣብ ውሽጣዊ ክፍልታት ኣካላትና፡ ኣብ ከም በዓል ጸላም ከብዲ ዝእከብ'ዩ። ከምዚ ዓይነት ልዑል ስብሒ ድማ እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ሽኮርያ ከኸትል ይኽእል'ዩ።

Image copyright Getty Images

እቶም ብድሆታት ነቲ ጌና ዘይማዕበለን ኣብ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት ኣተኲሩ ዝጸንሐ ኣገልግሎታት ጥዕና እተን ሃገራት ተወሳኺ ጾር ስለዝኸውን፡ እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመን ክኸውን ተኽእሎ ብምህላዉ፡ ዘሰክፍ'ዩ።

ምዕራባውያን ሃገራት ብወገነን'ውን በዚ ድርብ ጸገም ከም ዝሳቐያ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ንኣብነት ኣብ ብሪጣንያ፡ ብሰንኪ ዘይጥዑይ ኣመጋግባ ዝስዕብ ምኽሳዕ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዓቢ ጾር ከም ዝፈጠረን፡ ነታ ሃገር ልዕሊ 5 ቢልዮን ፓውንድ ከተውጽእ የገድዳ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ፡ ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ኣሽሓት ስድራቤታት ከም ዘለዉ'ውን ይጥቀስ'ዩ።

ምክልኻል ጥምየት

ህጻናት፡ ብፍላይ ተጠቃዕቲ ናይ ዘይጥዑይ ኣመጋግባ'ዮም፡ ንቡር ዕብየትን ምዕባለን ምእንቲ ከርእዩ ማኣዛታትን ማዕድናት ዘድልዮም ስለዝኾኑ።

ዝዓበሩ ቆልዑ ናይ 'መታቦሊዝም' መስርሖም ስለዝዝሕትል፡ ዕድመ ኣብ ዝደፍእሉ እዋን፡ ዝያዳ ንምኽሳዕ ዝተቓልዑ ከም ዝኾኑ መጽናዕቲ የረድእ።

Image copyright Getty Images

ስለዚ ጥምየት ንምክልኻል ዝግበር ፓሊሲ ብጥንቃቐ እንተዘይተታሒዙ፡ ነቲ ናይ ምኽሳዕ ጸገምን ሳዕቤናቱን ከጋድዶ ይኽእል'ዩ። ኣብ ቺለ እዚ ጸገም'ዚ ዓቢ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንታይ ክግበር ይከኣል?

እታ በቲ "ድርብ ጾር" ዝያዳ እትሳቐ ዘላ ደቡብ ኣሜሪካ ገለ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ መሪሕ ተራ ትጻወት ኣላ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ንብዙሓት ሃገራት ዓቢ ብድሆ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ንምግታእ፡ ኣብ ሚያዝያ 2016 ናይ ሓደ ዓሰርተ ዓመት ኣዋጅ (UN's Decade of Action on Nutritio) ኣጽዲቑ ነይሩ።

ናይ መጀመርታ ሃገር ንቅጥዕታት ናይቲ ኣዋጅ ክትክተል ዝወሰነት ሃገር ድማ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገረ ብራዚል'ያ።

እቲ ኣዋጅ፡ ምኽሳዕ ደው ምባል፡ ሃልኪ ሽኮራዊ መስተታት ብ30 ሚኢታዊት ምንካይን፡ ከምኡ'ውን ሃልኪ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ብ18 ሚኢታዊት ክብ ከም ዝብል ምግባር ዝብሉ መብጽዓታት ይርከብዎ።

ነዚ ንምግባር፡ ንሓረስቶት ልቓሕ ምሃብ፡ ምጉዳል ግብሪ ኣብ መኣዛታት ዘለዎም ዓይነታት መግቢ፡ ንቖልዑት ብዛዕባ ኣመጋግባ ምስትምሃርን ዝኣማሰሉ ፓሊሲታት ኣተኣታትያ።

Image copyright Getty Images

ሜክሲኮ ብወገና፡ ኣብ 2014 ኣብ ልዕሊ ዘይባህርያዊ ሽኮራዊ መስተታት ናይ 10 ሚኢታዊት ወሰኽ ግብሪ ጌራ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ 12 ዓመታት ምኽሳዕ ብ12.5 ሚኢታዊት ከም ዝጎድል ክገብር'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ካልኦት ከም ብዓል ብሪጣንያ ዝበላ ምዕቡላት ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ፓሊሲ ክኽተላ ጀሚረን ኣለዋ።