ኣብ ከተማ ኣላማጣ ብዘጋጠመ ጎንጺ፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣምሓራን መግለጺ ኣውጺኦም

Image copyright Tigray Communication

ትማሊ ሰንበት ኣብ ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ብዘጋጠመ ጎንጺ ህይወት ሰባት ድሕሪ ምጥፍኡ ክልላዊ መንግስታት ኣምሓራን ትግራይን መግለጺታት ኣውጺኦም።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ ቀንዲ መንቀሊ ጎንጺ ራያ ኣላማጣ ሕቶ መንነት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ደሞክራሲያዊ ፓራቲ ኣምሓራ ኮነ ጉባኤታት ኢሂወደግ ምስ ህዝቢ ብምዝርራብ ሕገ መንገስታዊ መስርሕ ተኸቲልካ ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ይግባእ እምበር ሓይሊ ምጥቃም ነቲ ሽግር ከምዘይፈትሖ ክዝከር ይግባእ ኢሉ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግን ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መንግስቲ ኣምሓራ፡ መበገሲ ግጭት ራያ ኣላማጣ ናይ መንነት ሕቶ ምዃኑን '"ኣብ ደሞክራሲያዊ ፓራቲ ኣምሓራ ኮነ ጉባኤታት ኢሂወደግ ምስ ሕገ መንገስታዊ መስርሕ ተኸቲልካ ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ይግባእ" ምባሉ ነቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ መንነት ዘቐመጦ ስርዓት ብምጥሓስ ኣብ ናይ ካልእ ክልል ጣልቃ ምእታዉ ዘርኢ መግለጺ እዩ ብምባል ተቓዊሙዎ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ "ኣብ መዋሰንቲ ቦታታት ትግራይን ኣምሓራን ዝተፈጠረ ህውከት ንሰላም ክልልና እውን ናይ ጸጥታ ስግኣት'ዩ" ብምባል 'ሓደ ሓደ ወገናት' ነቲ ኣብ ራያ ኣላማጣ ዘጋጠመ ጎንጺ "መንግስቲ ኣምሓራ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ" ምባሎም፡ ከብቲ ኣብ ዘይወዓላሉ ቦታ ኩቦ ከም ምእራይ እዩ ዝቑጸር ኢሉ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ትግራይ ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ሰላም እትርከብ ክልል ምዃና ብምሕባር፡ " ነቲ ኣብ ወልቃይት ኮነ ራያ ኣላማጣ ዘጋጥም ዘሎ ጎንጺ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ምሉእ ሓላፍነት ክወስደሉ ይግባእ" ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኣምሓራ ዘውጽኦ መግለጺ ተኸባቢርካ ናይ ምንባር ጸጋ ክልቲኦም ህዝብታት ዝጎድእ ስለዝኾነ ንህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ይቕረታ ክሓትት ጸዊዑ'ሎ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብግዲኡ፡ ኣብ ዶባት ክልላት ዝፍጠር ግጭት ንሰላም ክልቲኡ መዳውብቲ ምህዋኹ ስለዘይተርፎ፡ ናይ ካልእ ክልል ጉዳይ እዩ ከይተባህለ ሕቶ ዜጋታት ብሕገ መንግስታዊ መገዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ ብምሕባር መንግስቲ ፈደራል ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ ተርኡ ክጻወት ጸዊዑ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት