ቶሮንቶ፡ ሳሮን ገብረስላሴ፡ ኣብ ምርጫ ከንቲባ ቶሮንቶ፡ ራብዓይ ደረጃ ሒዛ

ሳሮን ኣብ ኣብ እዋን ምርጫ Image copyright Saron

ሰሉስ 23 ጥቅምቲ፡ ናይ ከተማ ቶሮንቶ መዓልቲ ምርጫ ከንቲባ 2018 እዩ ነይሩ።

በዓልቲ ሞያ ሕጊ፡ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራዊት ሳሮን ገብረስላሴ ድማ፡ ካብቶም ሕጹያት ሓንቲ ኮይና ቀሪባ።

እዛ ንካናዳ ስደተኛ ኮይና'ኳ ዝኣተወት ጓል 34 ዓመት መንእሰይ፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክትነጥፍ ጸኒሓ።

ንከንቲባነት ከተማ ቶሮንቶ ክትወዳደር ናይ ምርጫ ጐስጓስ ክትገብር ዝጸንሐት ሳሮን ገብረስላሴ፡ ካብቶም ዝቐረቡ 35 ሕጹያት ራብዐይቲ ኮይና።

ንሳ ብእትጥቀመሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስ ቡክን ትዊተርን ትገብሮም ዝነበረት ጐስጓሳት ምርጫ፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ዘሎ ኣተሓሕዛን ኣመለኻኽታን ስደተኛታት ብምቕያር፡ ፍትሓዊት ከተማ ንምህናጽ ከም እትሰርሕ ትገልጽ ነይራ።

ኣብታ ከተማ ዝፍጸም ገበን፡ ዓሌታዊ ትርጉም ከም ዝወሃቦ ብምግላጽ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ኣብ ናይ መንግስቲ ገዛ ከም ዝዓበየት ትዛረብ። ነዚ ንምቕያር ድማ ምስ'ቲ ማሕበረሰብ ዘለዋ ምትእስሳር ብምትራር ንለውጢ ከምእትጽዕር ቃል ኣትያ።

ሳሮን ኣብ እዋን ንእስነታ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካናዳ ቶሮንቶ እናዞረት፡ ጸረ ዓሌታውነት ምንቅስቓስ ብምክያድ ንተምሃሮን መምህራናንን ተስተምህር ኔራ።

ጓል 15 ዓመት ምስ ኮነት ድማ ናይ ባዕላ መደባት ቴሌቪዢን ብምቕራብ፡ ነቲ ናይ'ቲ እዋን ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒሰተር ካናዳ ፖል ማርቲን ንምዝታይ እታ ዝነኣሰት ኣፈሪቃዊት-ካናዳዊት ኮይና ተመሪጻ።

ምስ'ቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ተራኺባ ድማ ብዛዕባ ምጥፋእ ብረታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ተመያይጣን ንማሕበረ ሰብ ቶሮንቶ ኣብ ምጉስጓስ ኣበርክቶኣ ኣወፍያን።

ጠበቓ፡ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ መስራቲት ማሕበረሰባዊ ሕጋዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዮርክ ስኰር፡ ጋዜጠኛን ሙዚቀኛን ሳሮን ኣብ ቀረባ እዋን ዝሰረሓቶ መሃሪ ቪዲዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀሪቡ መዘራረብን መካትዕን ዛዕባ ኮይኑ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ሕጊ ራድዮን ቴሌቪዠንን ዲግሪ ምርቕቲ ሳሮን ናይ ጸማማት ምልክታዊ መረዳድኢ ሓዊስካ 7 ቋንቋታት ትመልኽ።

'ካብቶም ፖለቲካዊ ተሞክሮ ዘለዎም 35 መወዳድርቲ ራብዐይቲ ብምውጽኣ ድማ ኣዚና ንኾርዕን ይብሉ' ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ደገፎም ዝህብዋ ዝነበሩ ደገፍታ።

ተወሳኺ ዛንታ