ንመበል 13 ጊዜ፡ ናብ እምባ ኬንያ ዝሓኾሩ ኤርትራዊ ፕሮፌሰር ናይዝጊ

ናይዝጊ ኣብ እምባ ኬንያ Image copyright Naizgi

ፕሮፌሰር ናይዝጊ ገብረመድህን ኣብ 84 ዕድሚኦም እምባ ኬንያ ብምሕኳር ክብረ-ወሰን ዝጨበጡ ኤርትራዊ ሓዃራይ'ዮም።

ፕሮፌሰር ናይዝጊ ገብረመድህን ብትምህርቶም፡ ሞያዊ ስርሖም፡ ፍቕሪ ስድራ ቤቶም ጸጋ-ጥዕንኦምን ዕድሚኦምን ብዙሕ ዝተዓደሉ ኣቦ እዮም።

ፕሮፌሰር ናይዝጊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መበል 84 ዕድመኦም ንመበል 13 ግዜ ንእምባ ኬንያ ብምሕዃሮም ማዕከናት ዜና ይዛረባሎም ኣለዋ።

ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዚ እምባ ኬንያ ንመጀመርትኦም ኣይኰኑን ሓዂሮም - መበል 13 ጊዜኦም'ዩ።

እቲ እምባ ኣብ ኬንያ እቲ ዝነውሐ እምባ ኮይኑ 5,199 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ኪሊ ማንጃሮ ዝስራዕ እምባ እዩ።

ፕሮፌሰር ናይዝጊ ነቲ 6 ኪ.ሜ. ዝምንውሑ እምባ ኪሊ ማንጃሮ'ውን እንተኾነ ብ1959፡ 1984፡ 2010፡ ከምኡ'ውን ብ 2014።

ኣርባዕተ ጊዜ ኣብ ጫፍ ዝባኑ ሓዂሮም'ዮም። ስለምንታይ ግን ክሳዕ ክንድኡ ድፍረት? ርእሰ-ቕትለትዶ ኣይኰነን? እንታይ ዝበደሉ ኣብራኽ እዮም?

"ድርቅና'ዶ ክብሎ ዕሽነት?"

እቲ ጕዕዞ 35 ኪ.ሜ. ንዓቐብ'ዩ - ካብ ናሮሞሩ ክሳብ ጫፍ ለናና። ናይ መዓልትን ለይትን ጕዕዞ!

መምህረይ፡ እንታይ ገደሰኩም? ኣብዚ ዕድሜ'ዚ ብሰላም ከይተዕርፉስ እዚ ዅሉ ጻዕርን መከራን ንምንታይ ኣድለየ? ኣይኰነን'ዶ ንዓኹም ነቶም ብኾፍና ገድልኹም እንሰምዕ'ውን ከቢድ'ዩ ምስበልናዮም፡

"ኣነ ክርድኣኒ ዘይክእል ኣብ ዉሽጠይ ሓደ ስቱር፡ ምስ ብድሆ ዘራጽመኒ ነገር ኣሎኒ'የ ዝብል። ድርቅና'ዶ ክብሎ ዕሽነት? ክብሉ መሰሉልና።

ኣስዒቦም፡ ሓደ እዋን ኣብ እግሪ እምባ ኪሊ ማንጃሮ ዝነብሩ ሰብ ኣጓነፉኒ'ሞ፡ እንሆ ንኪሊ ማንጃሮ ንሳልሳይ ጊዜ ሓዂረ እናበልኩ ብሓበን ምስ ኣዕለልኩዎም፡ እቶም ሰብኣይ ዛንታይ ከም ዘይዓጀቦም ተገንዘብኩ በሉ።

"ኣብ ዓለምና ክልተ ዓይነት ዓያሹ ኣለው። ንእንባ ኪሊ ማንጃሮ ደይቡ ዘይፈልጥን፡ ንኪሊ ማንጃሮ ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ዝድይብን እዩ" ክብሉ ደርጕሕለይ።

"ኣቦይ'ውን ብድፍረተይ ኵሉ እዋን ይገርሞ ነይሩ። ሓደ እዋን፡ ብጎበዘይ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵይ ደጋ ቅድድም መኪና ምስ ተኻፈልኩ ነታ መኪናይ ሓማሺሸያ። ሽዑ ኣቦይ እዚ ቖልዓ ኣብ ሓንጐሉ ገለ ነኺኡዎ ኣሎ ክብል ይዝከረኒ" ይብሉ።

እታ መጨረስታ እዋን፡ ንዝባን እምባ ኬንያታ ዝወጹላ ግዜ ቅድሚ ሽዱሸተ ሰሙን፡ ብ10 ነሓሰ ነበረ።

"እዚ ሕጂ ዝፈጸምኩዎ ሕዅራ ንመዘከርታ ዓርከይ ከነት ማቲባ ኢዩ" ኢሎም።

ማቲባ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝሞተ ዓርኮም ኮይኑ፡ ከምኦም ሓዃሪ እምባ'ዩ። ኣብ ኬንያ ድማ፡ ፍሉጥ ሃገራውን ንዲሞክራስያዊ መሰል ኬንያውያን ብዙሕ ዝጸዓረ ተቓላሳይ።

እንሄልኩም'ምበኣር ፕሮፌሰር ናይዝጊ ከምቲ ዝብልዎ 'ድርቅናን ዕሽነትን' ዘይኰኑስ ናይ ምድህሳስ ሕማም ዘለዎም ቅያተኛ'ዮም። እቲ ዝሓዅሩሉ ምኽንያት ምስ ትእምርትነቱ'ዩ።

Image copyright NAizgi

ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ

እቲ ናይ ፕሮፌሰር ናይዝጊ ተባዕ ባህርይን 'ክገብሮ-ኣሎኒ' ዚብል መንፈስን ካበይ ኰን መጺኡ ይኸውን?

ወላዲ ኣቦኦም፡ መንፈሳውን ጻዕረኛን፡ ንኵሎም ደቆም ከኣ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዘብጽሑ ዘይሕለሎም ሰብኣይ ነበሩ።

መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበረ-ሰባት ሚስዮን (ሽወደን) ጸቕጢ ይገብር ስለ ዝነበረ፡ ኣቦይ ገብረመድህን ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ዝፈለሱ ሰብ'ዮም።

ምስ ብጾቶም ካብ ኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ንሰሙናት ዚኣክል ብእግሮም'ዮም ተጓዒዞም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ካልኦት ብጾቶም፡ ሕመረት ማሕበረ-ሰብ መካነ እየሱስ ከኣ ዀኑ። እዚ ብ1927 ኢዩ ተፈጺሙ።

ሓወቦታት ፕሮፌሰር ናይዝጊ ጽኑዓት ወንጌላውያንን ኣገልገልቲ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን (ገዛ-ከኒሻ) እዮም። ሓደ ካብኦም ቀሺ እምባየ ሃብቲዝጊ ኢዮም።

ቀሺ እምባየ፡ ኣብ ኣስመራን ሮማን (ዓዲ ጥልያን) ኰይኖም ንመጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ እናተርጐሙን እናኣረሙን ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ቀሺ ነበሩ።

ኣዲኦም ንፕሮፌሰር ናይዝጊ ከኣ ብዙሕ ታሪኽ ዘለወን ሰብ ነበራ። ሕብረተሰብና ንፈለምቲ ድኣ ዝግብኦም ዋጋ ኣይህብን ኰይኑ'ምበር፡ ወይዘሮ ኣስቴር ወልደማርያም ፈዋኒት (pioneer) ትምህርቲ ኣዋልድ'የን ነይረን።

መምህር ኣስቴር፡ ብዕስራታት፡ ኣብ ዓዲ ወግሪን በለዛን ተማሂረን ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባ ዘገልገላ መምህር'የን ነይረን። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምስ ምስዮን ሽወደን ብምትሕብባር፡ እተን ንመጀመርያ እዋን ቤት-ትምህርቲ ኣዋልድ ዝመስረታ'የን።

ኣኮታት ፕሮፌሰር ናይዝጊ ብዙሕ ታሪኽ ዘሎዎም ሰባት'ዮም። ሓዲኦም ንምጥቃስ፡ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ብዙሕ መግለጺ ዘየድልዮም ክቡር ኣቦ-ኤርትራ'ዮም።

መምህር ስዩም ወልደማርያ ከኣ ፈላሚ ቤት-ትምህርቲ ዓይነ-ስውራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ዮም።

"ቤተሰብና፡ ምናዳ ኣደይ፡ ኣያ ወልደኣብ ንእሽቶ ሓዋ ስለ ዝዀነ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ምስ ኢትዮጵያ ስለ ዘሻረዉ፡ ንናጽነት ኤርትራ ኸኣ ስለዘይድግፉ ብዙሕ ይብድሉና ነይሮም። ጸላእቲ፡ ንኣያ ወልደኣብ ደጋጊሞም ክቐትሉዎ ይፍትኑ ስለ ዝነበሩ ኣደይ ኣዝያ ትሳቐ ነይራ። ሓሊፉ ግን!" ይብሉ እዞም ገዲም ኤርትራዊ።

ተዘክሮታት ንእስነተይ

ፕሮፌሰር ናይዝጊ ብ1934 ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ዮም ተወሊዶም፣ ኣብኡ ኸኣ'ዮም ዓብዮም።

"ናይ ሽዑ ኣዲስ ኣበባ ዘተኣማምን ከተማ ኣይነበረን። ኣብ ፈቐድኡ ጽርግያታት ዕቡዳት ኣኽላባት ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ሓደ እዋን ኣብ ጽርግያ ከልቢ ነኺሱኒ፡ ስዒቡ ኸኣ 30 ጊዜ ኣብ ከብደይ መርፍእ ክውጋእ ይዝከረኒ - እዚ ንወዲ ሸሞንተ ዓመት ንሓዋሩ ዘባህርር ስቅያት ኢዩ።

"በቲ ካልእ ሸነኻቱ ክርእዮ ከሎኹ ግን ዕድለኛ'የ ነይረ ክብል ይኽእል። ምስ ስድራይን ኣርባዕተ ኣሕዋተይን ንኣምቦ ክንገይሽ፡ ኣብኡ ኸኣ ንመጀመርያ ጊዜ መንጫዕጫዕታ ርእየ ኣዝየ ክምሰጥ ይዝከረኒ፣ እቲ ስእሊ'ቲ ኵሉ ጊዜ ጦብላሕ ይብለኒ" ይብሉ ፕሮፌሰር ናይዝጊ።

እቶም ዝተረፉ ዓመታት ንእስነተይ ኣብ ዊንጌት፡ ጸኒሐ ኸኣ ኣብ ህንጻ-ኮሌጅ ክምሃር ይዝከረኒ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ጽጋቡ ብሕታዊ ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ዝተጸምበረ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ።

ተዘክሮታት በረኸት ሓወይ

"ሓደ ካብ'ቶም ዘይርስዖም ናይ ሽዑ ተረኽቦታት ኵነታት በረኸት ሓወይ'ዩ። በረኸት ኣብቲ ሽዑ ሓዲስ ዝተተኽለ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊስ ኣካዳሚ ተመሪቑ ማዕርጋት እናተሸለመ ሰጐመ። ክሳብ ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር፡ ብማዓርግ ሜጀር ጀነራል፡ ከኣ በጽሐ" እናበሉ የዘንትዉ።

"ዓመታት ጸኒሑ፡ ደርጊ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ንበረኸት ኣብ 4ይ ክፍለ ጦር ኣሰሩዎ። ሓላፍነት ስድራ ቤቱ ናባይ ወደቐ። ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ፡ ጉዳዩ ኣብ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቀረበ" ይብሉ ፕሮፈሶር ናይዝጊ።

"ድሕሪ ክንደይ ከልበትበት ናይ ፍርዲ መዓልቲ በጽሐ፣ ሓወይ፡ ጀነራል በረኸት፡ ሓራ ንኪወጽእ ተፈርደ። ታሕጓስ ኰነ ... ግን ንሓጺር እዋን። ንለይቱ ብሕቡእ ካብ 4ይ ክፍለ ጦር ኣውጺኦም ንጂማ (ካፋ) ወሰድዎ - ኣብኡ'ዩ ነይሩ ቦትኡ።

ኣብ ጅማ ግን ብዙሕ ኣይጸንሐን፡ ክርድኣና ብዘይክኣል ኣገባብ፡ ኣብ ቅድሚ ጉጅለ ረሸንቲ ደው ኣቢሎም ረሸንዎ። 'ካብ ሎም ንንዮ መግቢ ኣይተምጽእሉ' ምስ በሉና ኵሉ ተረዲኡና" እናበሉ ዛንታ ሓዎም የዘንትዉ።

Image copyright AFP

ናብ ቅያ ሕዅራ ክንምለስ ...

"እዚ ዅሉ ጀብዳዊ ባህርያት ካበይ መጸ?'" ንዚብል ሕቶ ጌና መልሲ ኣይረኸብናሉን።

"ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ ኣብ ጀነራል ዊንጌት ከለኹ፡ ልቢ ዝሰቅል ዛንታታት ከንብብ እፎቱ ከም ዝነበርኩ ይዝከረኒ።

ናይ ምድቃስ ሰዓት ምስ በጽሐ፡ ኣብ ዉሽጢ ኮቦርታይ ኰይነ፡ ላምፓዲና ወሊዐ 'ትረዠር-ኣይላንድ'፡ ብሮበርት ሉዊዝ ስቲቨንሰን ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ከንብብ ይዝከረኒ። እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሽፍታ-ባሕርን ዝተቐብረ ወርቅን ነበረ።

ፕሮፌሰር ናይዝጊ "እምባ ክትሓዅሩስ ኣብ ጕዕዞኹም እንታይ ትሓስቡ?" ንዚብል ሕቶ መልሲ ከምዚ ኢሎም መልሲ ሃብሉ፥

"እቲ ጕዕዞ እናበረኸ ምስ ዝኸይድ እቲ ኣየር እናቀጠነ፡ ኦክሲጂን ከኣ እናውሓደ'ዩ ዝኸይድ። ዋሕዲ ኦሲጂን ንኣስተገናዝቦና ይትንክፎ'ዩ።

ሽዑ ምስ ነብስኻ ትበኣስ ... ኣብ ቃልሲ ክቕጽል'ዶ ክምለስ ኢኻ ትኣቱ። መጠረሽትኡ ግን፡ ብሕንግድና ተሓዚእካ ዝተረፈካ ዓቕሚ መዚንካ ምቑራጽ'ዩ" ይብሉ።

"ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ እምብ ኬንያ ዝሓዀርኩሉ ምኽንያት ንዓርከይ ከነት ማቲባ ንኽጽልየሉ'ዩ ነይሩ፣ ሎም-ዘበን ግን ንዝኽሪኡ ኢዩ" ይብሉ ፕሮፈሶር ናይዝጊ።

ንማቲባ ካብ 1990 ጀሚሮም ከም ዝፈልጡዎ'ዮም ዝዛረቡ።

Image copyright getty images

"ምስጢር ነዊሕ ዕድሜኹም ንገሩና"

ሕጂ 84 ዓመትኩም መሊእኩም፡ ንዓመታ ኸኣ ኣብ ምሕኳር እምባሶይራ የራኽበና። ንምዃኑ ህያብ ዕድሜኹም ካበይ ኰን'ዩ መጺኡ? ከተካፍሉናዶ ትኽእሉ?" ኢልና ክንውከሶም።

"ክላ! ፍሉጥ ምስጢር የብሉን፣ ሰውነትካ ዘይምድሃኽዶ ክብለካ? ካብ መጠነኛ መግብን ምንቅስቓስ ኣካል ሓሊፉ ምስ ሰባት ተሰማሚዕካ ምንባር፡ ካብ ሰብ ዘይምፍላይ ..." ክብሉ ሰጋእ በሉ።

"በሉ 'ዞም ደቀይ፡ መነኵሴ፣ ፈለስትን ባሕታውያንን ከይሰምዑና ሱቕ በሉ" ኢሎም ኣጠንቀቑና።

ፕሮፌሰር ናይዝጊ ምስ ማቲባ ክራኸቡ ከለው፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣካባቢ መደብ ሓላፊ'ዮም ነይሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ