ሰውራ ኤርትራ፡ እምነትን ዓሌትን ዘይፈሊ መርዓ ተቓለስቲ

ብ 1993 - ዉዕዉዕ እዋን ኣብ ኣስመራ Image copyright DM
ናይ ምስሊ መግለጺ ብ 1993 - ዉዕዉዕ እዋን ኣብ ኣስመራ

ኣብ ሰብዓታት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደገፎም ብምሃብ ምስ ዓለም ዘፋለጡን በብሞየኦም ዝደገፉዎን፡ ዳን ኮነል፣ ላዮነል ክሊፍ፣ መሪ ዳይንስ፣ ባዚል ዴቪድሶንን ካልኦት ህልዋትን ምውታንን ፈተውቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዝተቓለሶ ርህዩዎ ክርእዩ ምንዮቶም ካብ ምግላጻ ኣይበኾሩን።

ኣብ ሜዳ ኤርትራ መጥባሕቲ ዓይኒ ብምክያድ ብሌን ዓይኒ ብዙሓት ዝፈወሰን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ፋብሪካ ብሌን ዓይኒ (ሌንስ) ዝተኸለን ዶክተር ፍሬድ ሆሎውስ ክርሳዕ'ዶ ይከኣል?

ምስ'ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰባት ጠቢቓ ዝሰርሐት ትሪሽ ሲልኪን እውን ናይ ገዛእ ርእሳ ኣበርክቶ ኣለዋ። ብዕርቀ ሰላም መስርሕ ኢትዮ-ኤርትራ ዝተሰምዓ ሓጎስ ብምግላጽ ከኣ ተሞኩሮኣ ተካፍል።

ብ1975 በዓል-ቤታ ንክምህር ናብ ካርቱም ምስ ተላእከ ትሪሽ ተኸቲላቶ ከደት። ኣብቲ ዝነብሩዎ ዝነበሩ ቦታ፡ ስግር ጽርግያ፡ ሓደ መድሃኒት ዚዕድል ዘይመንግስታዊ ናይ ጀርመን ትካል ነበረ።

ሰራሕተኛ የድልዮም ስለ ዝነበረ ድማ ትሪሽ ኣብቲ ትካል ተቖጺራ ክትሰርሕ ጀመረት። እምበኣር ሽዑ'ያ ምስ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ዝተላለየት።

ትሪሽ፡ ንጸጋይ ኤልያስ፣ በርሀ ተስፋማርያም ዝተባህሉ ስሩዓት ህዝባዊ ግንባር፡ ሓደ ኸኣ ስዩም ዝተባህለ (ስም ኣብኡ ዝረስዓቶ ናይ ጀብሃ ስሩዕ) ሓዊሱ፡ ንብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ትዝክር።

ስለዚ ትሪሽ ንጉዳይ ኤርትራ ካብ ሽዑ ጀሚራ ክትከታተሎ፣ ከተጽንዖን ክትድግፎን ዝጀመረት'ያ ክንብል ንኽእል።

ተዘክሮ ትሪሽ

ንመጀመርታ ጊዜ ብ1978 ንሜዳ ኤርትራ ምስ ናይ ረዲኤት ማሕበራት (ERA / ERCCS) ብምትሕብባር ዝኣተኹሉ እዋን'ዩ ነይሩ፣ ሽዑ ኣብ ሜዳ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጸኒሐ።

ግን እቲ እዋን ሕማቕ እዩ ነይሩ" ትብል ኩናት ሓድሕድ ምንባሩ ብምዝካር። ኩነታት ሜዳ ንኽዕዘብ ናብ ከባቢ ናቕፋ ከይደ፡ ክሳብ ከባቢ ባጽዕ እውን በጺሐ።

ሰማያት ባጽዕ ብነፈርቲ ኩናት ሚግ ክጨናነቕን ቦምባታት ክዘንብን ይዝከረኒ።

ናይ ባረንቱ ውግእ'ውን ይዝከረኒ ... ብዙሓት ዘይተቐብሩ ሬሳታት ርእየ ... ብሓቂ ሓደገኛን ዘስካሕክሕን ሕማቕን እዋን። ባረንቱ ጀብሃ ዀነ ህዝባዊ ግንባር ክሕዝዋ ኣይከኣሉን።

እቲ ዓመት'ቲ ቀዳማይን ካልኣይን ወራራት ኢትዮጵያ ዝተኻየደሉ ሕሱም እዋን - ጀብሃ ካብ ከባቢ ባረንቱ፡ ህዝባዊ ግንባር ድማ ካብ ከበሳታትን ሰምሃርን ተደፊኦም ዝወጽእሉ እዋን'ዩ ነይሩ።

Image copyright M
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ እምባደርሆ - ምስ ዳን ኮነል - 1993

"ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብናይ ጽዕነት ኰነ ኣርባዕተ-ዝመንኰርኰረን ንኣሽቱ መካይን ተጻዒንና ብለይቲ ክንጐዓዝ እቲ ዘይውዳእ መንገዲ ይዝከረኒ።

ኣብ ዝኸድክዎ ቦታ ተጋደልቲ ብጽቡቕ ይቕበሉኒ ነይሮም። ኣብ ፈቐድኡ ዘዕረፍናሉ ቦታ ኣብ ዓንገረብ ክድቅስ'ውን ይዝከረኒ።

ኣብ ኵሉ ዝኸድክዎ ቦታ መሰነይታ ተጋደልቲ ምሳይ ነይሮም። መቸም ስምዒት ዚቕስቅስን፡ ኣገደስቲ እዋናት'ዮም ነይሮም" ትብል።

ካብቲ ዘይርስዓ ኣጋጣሚታት ክትጠቅስ ከላ ድማ ከምዚ እናበለት ተዘንቱ....

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተጋዳሊት ምስ ረኸብኩ ብዙሕ ተሓጐስኩ።

ካላሽን ዝተሓንገጠት ጽብቕቲ መንእሰይ ረኺበ ኢለ ሰላም ንኽብላ ኢደይ ሰዲደ 'ኣነ ትሪሽ እበህል፡ ንስኺኸ መን'ዩ ስምኪ?' ኢለ ምስ ተወከስኩዋ፡ 'ስመይ ንምንታይ ክትፈልጢ ትደልዪ?' ኢላትኒ ብምባል ተዘንቱ፡ "ካን ገሪሙኒ፡ ስቕ በልኩ፣ ኣይመለስኩላን "።

Image copyright D
ናይ ምስሊ መግለጺ 1978 - ትሪሽ ምስ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ተሰነይ

መጽናዕቲ ዘካየድክሉ እዋን ...

ንዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመለስኩ ንገድሊ ኤርትራ ንምሕጋዝ ኣብ ብዙሕ ስራሓት እነጥፍ ነይረ። 'ወፍሪ ምሕዝነት ኤርትራ' ነካይድ ኔርና። ጸኒሐ ብዛዕባ 'መርዓ ኣብ ቃልሲ' ንምጽናዕ ብ1986-87 ናብ ሜዳ ኤርትራ ተመሊሰ።

"ከም እትፈልጦ ክሳብ 1978 ኣብ ሜዳ ስጋዊ-ሕራመ ቃልሲ ኢዩ ዚካየድ ነይሩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ናይ መርዓ ሕጊ ወጺኡ ተጋደልቲ ንሓድሕዶም ክምርዓዉ ጀመሩ - ምስ ገባር ዘይኰነስ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ጥራይ" ከኣ ትብል ትሪሽ።

እቲ ሕጊ ካብ ስርዓት ቻይና ዝተወስደ ዀይኑ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ንኸተኣታትዎ ቀሊል ከምዘይነበረ ትዝክር።

ካብ ሓለፍቲ ፍቓድ ሓቲትካ ኢኻ ትዛመድ። ተጋደልቲ፡ ንባህሊ ሕጸን መርዓን ህዝቢ ኤርትራ ስዒሮም፡ ሃይማኖትን ዓሌትን ከይዓንቀፎም እዮም ዝመራዓዉ ነይሮም።

"እቲ ዘካየድክዎ ምርምር ነቲ ህዝባዊ ግንባር ከተኣታትዉዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ ለውጥታት ከንጸባርቕ ክኢሉ'ዩ።

ግናኸ ካብ ክሊ ግንባር ወጻኢ እቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ባህላዊ እምቢታ ካብ ዝተጸበይዎ ንላዕሊ ምንባሩ ከስተብህል'ኳ እንተ ኸኣልኩ ብዙሕ ሓቅታት ካባይ ይኽወሉን ኣብ ዉሽጦም ጸገማት ከም ዝነበረን ይርድኣኒ ነይሩ። እቲ ምርምረይ ነዚ ብግልጺ ከቕርቦ ኣይከኣለን።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ዘይመደባዊ ጥንስን ምንጻል-ጥንስን ከም ዝነበረ ይርድኣኒ ነይሩ። ግናኸ ኣፍካ መሊእካ ትዛረበሎም ጕዳያት ኣይነበሩን። እቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ለውጥታት-መውስቦ ኣብ ሕብረተሰብ ክሰርጽ ዘይምኽኣሉ ምኽንያት እቲ ናይ ሽዑ ሃታ-ሃታ ኢዩ ዜንጸባርቕ።

እቲ ጽቡቑ ግን፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ብዘይ ምፍልላይ ሃይማኖትን ዓሌትን ክወልዱን ክዛመዱን ጀመሩ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ናተይ መጽናዕቲ ተመሊሰ ክርእዮ ከሎኹ ከም ሓደ 'መግለጽ-ትርጋጽ ታሪኽ' ገይረ'የ ዝርእዮ፡ ባህሊ ኤርትራ ንባህሊ ገድሊ - ምናዳ ኣብ ጕዳይ መውስቦ - ስዒሩዋ'ዩ ክብል ስለ ዝኽእል።

ሳልሳይ ዑደት - ካብ 1992 ክሳብ 1994

Image copyright DM
ናይ ምስሊ መግለጺ ትሪሽ ሲልኪን፡ ሓንቲ ካብ ኤዕሩኽ ኤርትራ

ኣብ እምባደርሆ - ምስ ዳን ኮነል - 1993

ብድሕሪ ናጽነት ኣውራ ዝዝከረኒ ነገር ጕዳይ ፈረንደም ኢዩ። ሽዑ ኣብ ናይ ትካል ሞያዊት ምኽሪ (ኮንሳልታንት) ኰይነ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ እዋን'ዩ ነይሩ።

ምስ ኦክስፋም ዝተባህለ ናይ ረዲኤት ትካል እሰርሕ ነይረ። እቲ ጽንብል ናጽነት ምስ ተወድአ፡ ኣቓልቦ ሃገር ናብ ረፈረንዱም ገጹ ምስ ከደ፡ ኵነታት ቀስ ኢሉ ክረጋጋእ ጀመረ።

ብድሕሪ ረፈረንዱም ሃዋህው ሃገር ክልወጥ ጀመረ። እቲ ዉዕዉዕ ስምዒት ክድስክል፡ እቲ ጽቡቕ ድልየት ተሓባበርቲ መንግስቲ ክዋሰን፡ ማሕበራት ረዲኤት ብጥርጠራ ክረኣያ፡ እቶም ናይ ወጻኢ ዲፕሎማቲካዊ ልኡኻን'ውን ከምኡ ኣይሰለጦምን።

ብሓፈሽኡ ኣዘራርባ፡ ኵነታት ናብ ዘይተጸበናዮ ህሞት ከምርሕ ጀመረ።

እቲ ዘሕዝነኒ፡ ኤርትራ እናጸበበት ብምኻዳ'ዩ። ብግልጺ ምስ ሰባት ምዕላል ዘይምኽኣል፡ እቶም ዕላላት ድማ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ኣስመራ ክደጋገሙ ምስማዕ፡ ከም ሰብ ክትዓቢ ዘይትኽእለሉ እዋን ተኣታተወ። ኵሉ ብፍርህን ምስጢርን ተዋሒጡ ክዕዘብ ይገርመንን የሕዝነን ነበረ።

ብዙሓት መሓዙትን ድልዱል ዕርክነታትን'ኳ እንተ መስረትኩ ኵነታት ከም ቀደም ኣይነበሩን።

ኤርትራ ንኣድማሳዊ ክብረታት ብግቡእ ትሕዞም ከም ዘይነበረት ክርድኣኒ ጀመረ።

ስቕታ ገነነ፣ ብዝዀነ ኣርእስቲ ናጻ ዀንካ ምዕላል ከኣ እናተረፈ መጽአ። በቲ ዝተዓዘብክዎ ነገራት ህውኽ ኢለ ፍርደይ ክህብ ኣይደለኹን፡ ግን ዘይተጸበኹዎም ነገራት ደጋጊመ ብምርኣየይ ጽቡቕ ኣይተሰምዓንን። ምኻድ ይሕሸኒ ኢለ ድማ ንዓደይ ተመለስኩ።

ህይወተይ ምስ ኤርትራ ብምትእስሳሩ ኣየጕህየንን'ዩ፣ ኤርትራ ኣካል ህይወተይ'ያ።

ብኣንጻሩ'ኳ ድኣ ብዙሕ'የ ተማሂረን ተደሲተን። ብዙሓት ኤርትራውያን አዕሩኽ'ውን ኣጥርየ። እቲ ዘጕህየኒ፡ እቲ ዘሎ ኵነታት ንኤርትራ ኣይግባእን።

ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ድማ ምስ መሓዙተይ ክንራኸብ እትስፎ፡ ብምባል እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ዕርቀ ሰላም ተስፋ ከምዝህባ ብምግላጽ ዛንትኣ ትድምድም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት