ገምጋም መጽሓፍ 'መንነት፡ ጠለብ ክብሪ-ሰብን ናይ መረረ ፖለቲካን' ብፍራንሲስ ፋኩያማ

ገምጋም መጽሓፍ

'መንነት፡ ጠለብ ክብሪ-ሰብን ናይ መረረ ፖለቲካን'

ብ ፍራንሲስ ፉኩያማ

ፉኩያማ Image copyright DM

ንዕምቈት ኣተሓሳስባን ቲዮሪያን ፍራንሲስ ፉኩያማ ምርዳእ፡ ቀሊል'ኳ እንተዘይኰነ፡ ብዉሑዱ ጸብጻባቱ ብመልክዕ መጻሕፍቲ ስለ ዘቕረቦም ተመራመርቲ ንኽገናጽልዎም ይግደዱ'ዮም፣ ተምሃሮ ፍልስፍና-ፖለቲካ ድማ ይከታተሉዎም፣ ፈላጣት መዘናታቱ ከኣ፡ ገሊኦም ክምልኡሉን ገሊኦም ድማ ክብድህዎን ይርከቡ።

ኣብ ዓለም-ምርምርን ፍልስፍናን ዚነብር ምሁር፡ ንፉኩያማ ብርግጽ ይፈልጦ'ዩ። ንፉኩያማ ዝፈልጥ ድማ ን 'መወዳእታ ታሪኽን መጠረስታ ሰብን' እትብል፡ ብ1992 ዝደረሳ መጽሓፉ፡ ዘይፈልጥ የለን ክበሃል ይከኣል። ደጊምሲ ታሪኽ ኣኸቲሙ ምባሉ ዓበይቲ ክትዓት ከልዕል ከሎ፤ ምሁራት ድፋዓት ሒዞም ሂር ተባሂሎም'ዮም።

እቲ ብ 'ዝሑል-ኲናት' ዚፍለጥ ውድድር ዓበይቲ ሃገራት ምስ ለመሰ፡ ሕብረት ሶቭየት ኢዳ ምስ ሃበት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ተተኽለ፡ ግሎባዊ-ጥርናፈ ምስ ዓዘዘ፡ ርእሰ-ማላውነት ጸብለል ምስ በለ፡ ፉኩያማ ናጻ ዕዳጋ ሊበራዊ-ዲሞክራሲ ስዒሩ ብምባል፡ ኣብ 'መወዳእታ ታሪኽ' በጺሕና ዚብል ስነ-መጐትኡ ኣቕረበ።

ከምኡ ክብል ከሎ ዓለም ንድሕሪት ትምለስ ስለ ዘይመሰሎ'ዩ፣ ፉኩያማ ደጊምሲ ዓለም ኣብ ሓድሽ መድርኽ ተሰጋጊራ ምስ በለ ብዙሓት ፈላስፋታት ነቲ ክልሰ-ሓሳብ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ርግጽ'ዩ፡ ኣብዚ መጐትኡ ብዝቐለለ መኣዝኑ ሒዝና ኢና ንዛረብ ዘሎና።

እቲ 'ኣይድዮሎጂካዊ' ናህሪ'ኳ እንተኣብቅዐ፡ ህላወ ምልካዊ ስርዓት፡ ነሃረ'ምበር ኣየብቅዐን። ፉኩያማ ባዕሉ ኣብ 2014፡ 'ቅድሚ 25 ዓመታት መስርሕ ዲሞክራሲ ንድሕሪት ዚምለስ ኣይመስለንን ነይሩ' ኢሉ ተዛሪቡ።

እዚ ክብል ዘኽኣሎ ምኽንያት ሓያሎ ዘይተጸበዮም ፍጻሜታት ስለ ዝተኸሰቱ - ብ2001 ማንታ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም ምስ ፈረሱ፡ ምስኡ ዝተኣታተወ ሱር-ነቀላዊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ምስ ተላዕለ፡ እቲ ዓቢ ኣንቈልቍሎ ቍጠባ ዓለም (2007-2009) ምስ ተራእየ፡ ምልኪ-ስርዓት ሩስያን ቻይናን ምስ ገደዱ፡ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ዝደናደን መስርሕ 'ብረክዚት' (ሃገረ እንግሊዝ) ምስ ተኣወጀ፡ ፍልሰታ ህዝቢ (ናብ ኤውሮፓ) ምስ በዝሐ፡ ምምጻእ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ተጋህደ ከምኡ'ውን ካልኦት ፍጻሜታት ምስ ተኸሰቱ።

ምልስ ኢልና ...

ፍራንሲስ ፉኩያማ መን'ዩ? ፉኩያማ ፕሮፌሰር ናይ ፖለቲካዊ-ሳይንስ ኢዩ። ንሱ ዘርኢ ናይ ጃፓን ዘሎዎ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (ቺካጎ) ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ብልሑ ደጋጊሙ ዘመስከረ ዓቢዪ ኣሜሪካዊ መምህርን ተመራማርን ጸሓፍን'ዩ።

ኣብ ሃርቫርድ ናይ ዶክቶርነት መዓርግ ተቐቢሉ፡ ምስ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት፡ ማዕከናት ፍልጠትን ትካላትን ብምትእስሳር ዝሰርሐን ዚሰርሕ ዘሎን 65 ዝዕድሚኡ ኣቦ ሰለስተ፡ 10 ናይ ኣስተምህሮ መጻሕፍቲ ዝደረሰ ምሁር'ዩ።

ሊበራላዊ ዲሞክራሲያ ኣብ ዓለም ይንገስ'ምበር በዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ማለት ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዉቅያኖስ ኣትላንቲክ፡ ጥሩፍ የማናዊ ክንፊ ሃገራውነት ምልዕዓሉን ዓለም ንድሕሪት ምምላሳን፡ ስለ ዝገረሞ ኣብ ዝዓሞቘ ምርምር ይርከብ። እንሆ ኸኣ ሕጂ 'መንነት፡ ጠለብ ክብሪ-ሰብን ናይ መረረ ፖለቲካን' (Identity: The Demand for Dignity and the Politics of Resentment) ዘርእስቱ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ።

Image copyright DM

'መንነት፡ ጠለብ ክብሪ-ሰብን ናይ መረረ ፖለቲካን'

'መወዳእታ ታሪኽ'፡ ዓወት ሊበራላዊ ዲሞክራሲ (ብመንጽር ካልኦት ስርዓታት) ክትጽንብል ከላ፡ እዛ ሓዳስ ናይ ፉኩያማ መጽሓፍ ግን እቲ ሎሚ ንሊበራላዊ ዲሞክራስያ ድንዕ ዚብሎን ዘዕገንግኖ ዘሎ ፈተነታትን ብምንካስ'ያ ብዕምቈት ሓተታ እተቕርብ።

ብመጀመርታ ብዛዕባ ክልሰ-ሓሳብ ፉኩያማ ክንዛረብ ከለና መሰረታዊ ጌጋና 'ታሪኽ' ምስ 'ፍጻሜታት' ከይፈላለና ብምርኣይና'ዩ። ፉኩያማ ፍጻሜታት ከብቅዑ'ዮም ኣይብልን'ዩ፡ እንታይ ድኣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዲሞክራሲ ኢሉ-ኢሉ እቲ ዚዕብልል መስርሕ'ዩ ክኸውን እናበለ'ዩ ዚምጕት። ሓድ-ሓደ እዋን ግን እቲ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ሓጸልጸል ይብል'ዩ ኢሉ'ውን ይምህረና።

ፉኩያማ ነዛ ሓዳስ መጽሓፉ መንቀሊ ዝዀኖ ድፍኢት፡ ከምዚ እናበለ ብሒደት ቃላት ይገልጽ፥ "ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን እንተዘይመጽእ ነይሩ እዛ መጽሓፍ ኣይምጸሓፍኩዋን።"

መሰረት እዛ ሓዳስ መጽሓፉ "ህዝብነታዊ ፖለቲካ" (populist politics) ኰይኑ ህዝቢ ክሳብ ክንድዚ ፈጽ ዚብል ዘይመሰሎ ፉኩያማ፡ "እዞም ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ብዛዕባ ምዕባለ ዘመናውያን ትካላት ዲሞክራሲ ብምሕሳብ'የ ኣሕሊፈዮ - ከመይ ኢሎም ዕቱብ መንግስቲ፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ዲሞክራስያዊ ተሓታትነት ከም ዝተኣታተዉ፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝፈለቑን ንሓሕዶም ከም ዝተኣሳሰሩን፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ከመይ ኢሎም ከም ዝቦዅቦኹ" ይብል።

"ቅድሚ ናይ ትራምፕ መንግስቲ ምምጽኡ" ይብል ፉኩያማ፡ "ናይ ኣሜሪካ ትካላት፡ ብሓያላት ናይ ባዕላዊ ጥቕሚ ጕጅለታት (interest groups) ተጐቢጠን ይምሽምሻ ከም ዝነበራን፡ ኣብ ዓዘቕቲ ዝተሸመመ ቅርጸን ድማ ባዕለን-ንባዕለን ክፍወሳ ከም ዘየኽእለን ኢየ ዘጽንዕ ነይረ።"

መረራዊ ፖለቲካ

ሕጂ ኣብ ሓደ ሓደገኛ ዘመን ከም ዝተሰጋገርና'ዩ ዚሕብር ፉኩያማ። እቲ ቴማ ናይ ዘመንና ብዉልቃውነት (individualism) ዚልለ እንተ ድኣ ዀይኑ፡ እቲ ተጻይ-ሓሳብ (እኩብ መንነት) ብናህሪ ከም ዘርከበ ክንርኢ ንኽእል ይብል - ካልእ ዘይሕውስ ብዓመጽ ንኽደፍእ ድሕር ዘይብል ስርዓት ማለቱ'ዩ። ዓለማዊ ዉልቃውነትን ዉዕዉዕ ኮማውነትን (ማሕበራውነት)፡ ሀጌላዊ ስነ-መጐተ (Hegel's dialectic) ንበሎ፡ ንኽትፈልዮም ኣሸጋሪ ምዃኑ ይእመነሎም።

ሀጌላዊ ስነ-መጐተ ማለት ክልተ ኣንጻር ሓሳባት ይገጥሙ'ሞ ሓደ ሳልሳይ ሓሳብ ብርትዓዊ መጐተ ክወጽእ ከም ዝኽእል ከም ማለት ወይከኣ ከምኡታት ዘርኢ ኪደት'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብዚ ሓድሽ መጽሓፉ "ሕጂ ግን ምስ መሪሕነት ዝተኣሳሰር ጭዋ ፖለቲካ - መሰረታዊ ቅንዕና፡ ኣተኣማማንነት፡ ርትዓዊ ፍርዲ፡ ሓይልኻን ኵሉ እንተናኻን ኣብ ጥቕሚ ዜጋ ምውፋይ፡ ሞራላዊ ኣንፈት ምህላው - ዳርጋ የለን" እናበለ ብብዙሓት መርትዕታት ተሰንዩ ይምጕት። እዚ ናይ ሎሚ ስርዓት ኣብ ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ምፍልላይን 'ደቀባትነትን' ከም ዜድህብ ብሰፊሑ ይገልጾ።

ሕማም ደቀባትነት

እቲ ኣብ ጸጋማዊ ክንፊ ዝዛዙ ስርዓት ንመንግስቲ ኩሉ ዜጋ ማዕርነቱ ንከረጋግጸሉ ብምድፋእ ከውሕስ ከሎ፡ እቲ ናይ የማናዊ ክንፊ ዝንባሌ ዘሎዎ ድማ ኣብ ዉልቃውነቱን ቍጠባውን ሸነኻቱ ኪረጋገጸሉ ይደፍእ ነበረ። ጸጋማዊ ኰነ የማናዊ ስርዓት ኣብ ሓደ መድርኽ ንክዓልቡ እንዳተፈተነ ኸሎ ኣብ መወዳእታ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ግን ስደት ደቂ-ሰባትን መንነታዊ ፖለቲካን ማእከላይ ቦታ ክሕዙ ጀመሩ።

ንመንነት ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣብ ጸጋማዊ ዀነ የማናዊ ደምበታት ተስፋሕፍሑ። ጸጋማውያን ኣብ መሰላት ዉሑዳን (minority rights) ከትኵሩ፡ የማናውያን ድማ ኣብ ተሓድሶ ብሄርተኝነት ገጾም ከዱ - ሕርቃን ዝተሓወሶ 'መሰል ብዙሃን ተበሪዙ' እናበሉ ናብ መድርኽ-ቀደም - ብዓብላልነትን ልዕላውነትን ፍናንን ብዙሃን ዝተላዕጠጠ - ንኽመልሱ ክቓለሱ ጀመሩ።

ንመስርሕ ብሬክዚት (ምፍላይ እንግሊዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት) 'ዉርደትን ሕስረትን ብዙሃን በዚሑ' ኣብ ዚብል መረረ ተመርኵሱ 'ንሃገርና ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርና' ብዚብል ጭርሖ ብምጕስጓስ ኣብ ዘይተጸበይዎ ዘመን ኣሰጋገሮም - ንዓሰርተታት ዓመታት ዘካየዶም ስርዓት ራሕሪሖም 'እንግሊዝ ንእንግሊዛውያን' ብዜስምዕ ፖለቲካ ተጸሚዶም ኣብ ዕግንግን ይርከቡ።

በቶም ተኸሲቶም ዘሎዉ ለውጥታት - ኣብ ኣንነታዊ ፖለቲካ ዝተመርኰሱ ምንቅስቓሳት - ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕይዕይ ክብላ ይርከባ ኣሎዋ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ብንሹጥነት ዝተሓጽረ ጐሳን ቀቢላን ንኽመቓቕሎ ኣብ ምጕብዕባዕ ይርከብ።

ፉኩያማ "እንድሕሪ ሰባት ዝኣምንዎም ክብርታት ገዲፎም ኣብ መንነቶም ተመርኵሶም (ጐሳውን ቀቢላውን እመነታውን ሕብራውን መንነቶም) ከድምጹ ጀሚሮም ዲሞክራስያ ብግቡእ ኣይሰርሕን'ዩ" ይብል።

ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ 'ደቀባትን' ብሓደ ሸነኽ፡ ሊበራላውያንን መበቆሎም ስደተኛታት ዝዀኑ ኣስላምን በቲ ሓደ ሸነኽ ክመቓቐሉ ዀይኖም ዓለማዊ ዲሞክራሲ (secular democracy) ፈርከሽከሽ ይብል ኣሎ ማለት'ዩ።

እንታይ'ዩ ዝግበሮ?

ብሕጽር ዝበለ ትንታኔ፡ እዛ ፖለቲካ-መረረ ዘርእስታ መጽሓፍ ናይ መንነት (ኣንነት) ፖለቲካ ንቕፈተ ትንተና (critique) ኢያ ክበሃል ይከኣል።

ብኻልእ ኣዘርርባ፡ ብጸጋሙን የማኑን ሸነኻቱ ክንርእዮ ከሎና፡ ኣምር ተፈላጥነት ዘሎዎ ምንቅስቓሳት ንዕዘብ ኣሎና - ገሊኡን ንክብርን ማዕርነትን ደቂ-ሰብ ክፍለጠሉ ክቃለስ ገሊኡን ድማ ብጸብለልተኝነት ተዋሒጡ ቀደም ከመይ ከም ዝነበረ ንኽፈለጠሉ ህርድግ ይብሉ።

ፉኩያማ ኣብ ክቢ 'ቲሞስ' (thymos) ዚበሃል ኣምር'ዩ መጐትኡ ዝሃንጾ። 'ቲሞስ' ናይ ግሪኽ ቃል'ዩ፣ ምስ ርስነት ዝተኣሳሰር ኣምር'ዩ። ፉኩያማ ድማ ን'ቲሞስ' ምስ ደም ዝተኣሳሰር፡ ናይ ደቂ ሰባት 'ኣንነታዊ' ባህጊ ኣተኣሳሲሩ'ዩ ዝምጕት።

ኣብ ፍልስፍና ሄገል ኰነ ማርክስ ብምጽጋዕ፡ ንኣሰር ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ብምኽታል - ከም እኒ ሰውራ ፈረንሳ (French Revolution) - ንጽድያ-ዓረብ (Arab Spring) ብነቐፌታዊ መርኣያ ብምትንታን፡ ኣብነታት ናይ ኤውሮጳ ስደተኛታት ቅልውላው ብምቕራብ፡ ኣመጻጽኣ ዶናልድ ትራምፕ ብምግላጽ - እዚ ንዕዘቦ ዘሎና 'ናይ መንነት ፖለቲካ' ከመይ ኢሉ ናብ 'መረረ-ፖለቲካ' ከም ዝተለወጠ ይምህረና።

ፉኩያማ፡ "ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ብግቡእ ኪሰርሕ እንተድኣ ዀይኑ 'ጕጅለኣዊ መንነታት ወጊድና፡ ኣምር ሰፋሕቲ 'መንነታዊ' ፖለቲካ ንክሰፍኑ ክንጽዕር ኣሎና" ብምባል ሓተታኡ ይድምድም።

ዋላ'ኳ እቲ ትንታኔ ኣብ ዓበይቲ ሃገራት የትኵር፡ ነተን ኣብ መገዲ ምዕባሌ ዝርከባ ንኡሳን ሃገራት - ወይከኣ ናይ ሳልሳይ ዓለም ሃገራት - ኣይትንክፈንን ኢዩ ክበሃል ኣሸጋሪ'ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናይ 'ኣንነት' ፖለቲካ የለን ክንብል ኣይንኽእልን።

እቲ መጽሓፍ፡ እቶም ብኽንደይ መሪር ቃልስታት ዝተኣታተዉ ገስገስቲ ለውጥታት ኣበይ በጽሑ፡ ኢልና ክንሓትት ይቐስበና። ምኽንያቱ ኣምር 'ኣንነት' ፖለቲካ ብኸመይ ይትንክፈና ኢልና ክንሓስብ ናይ ግድን'ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት