ኣመሪካ፡ ብምዝርጋሕ ዕሹግ ቡምባ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ናይቲ ጥርጡር መኪና Image copyright CBS
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይቲ ጥርጡር መኪና ብኣባላት ጸጥታ እናተመርመረት

ሓደ ወዲ 56 ዓመት ምስቲ ናብ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾኑ ውልቀሰባት ክለኣኽ ዝቐነየ ዝተዓሸገ ነታጒ ብዝተሓሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቲ ተቐይዱ ዘሎ ሰብ ሲዛር ሳዮክ ዝተባህለ ምዃኑ ኣቃሊዖም ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ 12 ዕሹግ ተባራዒ ነታጒ ናብ ሰብስልጣን መንግስቲ ነበርን ፍሉጣት ሰባትን ከም ዝተላእከ ጸብጻባት ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ገለ ካብቶም ዝተላእከሎም ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር፡ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ፡ ፕረዚደንት ነበር ቢል ክሊንተን፡ ጸሓፊት ጉዳያት ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን፡ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደንን ዳይረክተር ትካል ስለያ ኣመሪካ ሲ ኣይ ኤ ዝነበረ ጆን ብረናንን ይርከብዎም።

እቲ ሊበራላዊ ንምንቅስቓሳትን ውዳበታትን ናይ ገንዘብ ደገፍ ብምግባር ዝፍለጥ ቢልየነር ሃብታም ጆርጅ ሶሮ እውን ናብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ተሰዲድሉ ነይሩ።

Image copyright BROWARD COUNTY SHERIFF'S OFFICE
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰዛር ሳዮክ ኣብታ ኣብ ክፍለ-ሃገር ፍሎሪዳ እትርከብ ከተማ ፕላንተሽን ከም ዝተታሕዘ ማዕከናት ዜና ሓቢረን

ብዘይካ'ዚ እቲ ንዶናልድ ትራምፕ ክነቅፍ ዝጸንሐ ህቡብ ናይ ሆሊዉድ ተዋሳይ ፊልም (ኣክተር) ሮበርት ዲ ነሮ እውን ኣብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኡ ሓደ ተባራዒ ዕሹግ ተላኢኹሉ'ዩ።

ከምኡ'ውን እቲ ናብ ዳይረክተር ትካል ስለያ ኣመሪካ ሲ ኣይ ኤ ዝነበረ ጆን ብረናን ዝተላእከ ዕሹግ ናብቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝርከብ ጨንፈር መደበር ቴለቭዥን ሲ ኤን ኤን ተሰዲዱ።

ጸኒሑ'ውን ናብቲ ዳይረክተር ትካል ሃገራዊ ስለያ ዝነበረ ጄምስ ክላፐር ዝተላእከ ዕሹግ ቡምባ ብፓሊስ ተረኺቡ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ሰብ ኣብታ ኣብ ክፍለ-ሃገር ፍሎሪዳ እትርከብ ከተማ ፕላንተሽን ከም ዝተታሕዘ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ፈደራላዊ ናይ ጸጥታ ትካል ዝኾነ ኤፍ ቢ ኣይ ነቲ ምንጪ ነይቲ ዕሹግ ፓስታት ምዃኑ ዝጠርጠሮ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መከፋፈሊ ፓስታት ክፍትሽ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።

ሰብመዚ ጸጥታ ሲዛር ሳዮክ ቀንዲ ጥርጡር ምዃኑን፡ ቅድሚ ሕጂ ገበናት ፈጺሙ ዝነበረ ሰም ምዃኑን ተዛሪቦም። ብዘይካ'ዚ ኣባል ሪፓብሊካን ፓርቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ምድላዩ ዲ ኤን ኤ (መፈጠራዊ ባእታ) ከም ዝተጠቐሙ ተዛሪቦም።

Image copyright CBS
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ናብ ዳይረክተር ትካል ሃገራዊ ስለያ ጄምስ ክላፐር ዝተላእገ ዕሹግ ፓስታ

እቲ "ዘቤታዊ ግብረሽበራ" ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ወፍሪ ተባራዒ ነታጒ፡ ክልተ ሰሙን ቅድሚ እቲ ተመዲቡ ዘሎ ባይታዊ ምርጫ ዝግበረሉ መዓልቲ'ዩ ዝኽሰት ዘሎ።

ብሰንኪ'ቲ ብምኽንያት ምርጫ ዝግበር ዘሎ ፓለቲካዊ ጎስጓሳት፡ ኣብታ ሃገር ሓያል ፓለቲካዊ ቁርቁስን ምትፍናንን ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኩሎም እቶም ናብ ኣድራሻኦም ነታጒ ዝተላእከሎም ውልቀሰባት፡ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ፓሊሲታትን ኣካይዳን ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብትሪ ክነቕፉ ዝጸንሑ'ዮም።

ብዙሓት ተንተንቲ፡ ኣካይዳ ናይቲ ፕረዚደንት ንኸምዚ ዝበለ ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰ ተግባራት የተባብዕ ኣሎ ብምባል ይነቕፍዎ ኣለዉ።

ንሱ ብወገኑ፡ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብታ ሃገር ዘሎ ምትፍናን ኣብ ምብላሕ ተራ ተጻዊቱ ብምባል ክነቕፎ ጸኒሑ'ሎ።