ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጎጃም ንመጽናዕቲ ዝወፈሩ ምሁራት ግዳይ ዕስለ ኣድመኛታት ኮይኖም

ዕዳጋ ጎንጂ ቆለላ Image copyright Gonji kolela comm/ FB
ናይ ምስሊ መግለጺ ዕዳጋ ጎንጂ ቆለላ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ንመፅናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝወፈሩ ሰባት ብዕስለ ቅትለት ከም ዝተፈፀመ፡ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣረጋጊፁ።

ብበለካ ለኽዐካን ወረ ዝተለዓዓለ ህዝቢ ብዕስለ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ክልተ ምሁራን ተቐቲሎም፡ ሓደ ቆሲሉ።

ኣብቲ ዞባ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ርክባት፡ ወረዳ ጎንጂ ቆለላ ኣቶ ኣንተነህ በላይ፡ "ቅድሚኡ ኣብ ባህርዳር ክታበት ሰለዝተውሃበ ሰባት ሞይቶም ዝብል ወረ ተዘርጊሑ ነይሩ። ብድሕሪኡ ናብ ከባቢና ንመፅናዕቲ ዝመጽኡ ሰባት ነይሮም። እቲ ናይ ባህርዳር ወረ ናባና በፂሑ ስለዝነበረ እዞም ሙሁራት ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝመጽኡ እዮም። ዘርእና ዘጥፍእ ክታበት ይህቡ ኣለዉ ዝብል መረዳእታ ተዘርጊሑ።"

እቶም ሓላፊ ከምዝብሉዎ፡ እቶም ምሁራን ደብዳበ ሒዞም እንተነበሩ'ኳ ንወረዳ ግን ኣየፍለጡን። ናብ ቤት ፅሐፈት ጥዕና ብቐጥታ ኣትዮም፤ 'ኣብ ክልተ ዝተመረፃ ኣብያተ ትምህርቲ ኢና ክንሰርሕ' ኢሎም። እቲ ቤት ፅሕፈት እውን ደብዳበ ፅሒፍሎም። ሽዑ "ኣዲስ ኣለም ኣብ ዝበሃል ቤት ትምህርቲ ምርመራ ሸንትን ቀልቀልን እናካየዱ፡ 'ህፃናት ተምሃሮ ብክታበት ይውድኡ ኣለዉ' ደቅና ብክታበት ተወዲኦም" ዝብል ወረ ብደገ ከምዝተዘርግሐ ይዛረቡ።

"መዓልቲ ዕዳጋ ስለዝነበረ ድማ ነዚ ዝሰምዐ ኩሉ ተኣኻኺቡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት መጥቃዕቲ ፈፂሙ። ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ በፂሖም ክቆፃፀርዎ ኣይከኣሉን" ኢሎም።

እቲ ቅትለት ከም ዝተፈፀመ ንቢቢሲ ዘረጋገፁ ኣብቲ ዞባ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎንጂ ቆለላ ኣቶ ደመቀ መላኩ ብወገኖም፡ ኣባላት ፀጥታ ክቆፃፀርዎ ዘይከኣሉ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዙሕ ሰብ ከም ዝተመመ ሓቢሮም።

"ብጣዕሚ ብዙሕ ሰብ ስለዝመጽአ ዘብዐኛታት ክቆፃፀርዎም ኣይከኣሉን። ኣባላት ፀጥታ'ውን ነቶም ሰባት እናተኸላኸሉ ናብ ጣብያ ፖሊስ ከብፅሕዎም ፈቲኖም ውሑዳት ስለዝነበሩ ግን ኣይሰመረሎምን። ፖሊስ 'ውን ቁፅሩ ውሑድ ስለዝነበረ ነቲ ኩነታት ክቆፃፀሮ ኣይከኣለን" ኢሎም።

ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ በዚ ዕስላዊ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ክልተ ምሁራን እዮም። እቲ ሓደ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክትሬቱ ንኽሰርሕ ንመፅናዕቲ ዝመጽአ ወሰን ታፈረ እንትኸውን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ወረዳ ሜጫ ኣብ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና ዝሰርሕ በዓል ሞያ ጥዕና ማንደፍሮ ኣብይ ዝበሃል እዩ። ሓደ ናይቲ ወረዳ በዓል ሞያ ጥዕና'ውን ጉድኣት በፂሕዎ'ሎ።

በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ኣስታት 27 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሎም ምፅራይ ይግበር ከም ዘሎ ዝሓበሩ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፡ ናይቲ ከባቢ ተወላዲ ዝውንንዋ ሓንቲ መኪና'ውን ናይቶም ግዳይ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት'ያ ብዝብል ከም ዝተቓፀለት ኣረዲኦም።

እቲ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ምስፈለጠ ኣብ ከመይ ዝበለ ስምዒት ምህላዉ ንምፍላጥ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ርክባት ወረዳ ጎንጂ ቆለላ ኣቶ ኣንተነህ በላይ ሕቶ ኣቕሪብናሉ። "ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ናይዚ ወረዳ ሰባት እዮም። በዚ ምኽንያት እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ጣዕሳ እዩ ዝርከብ። 'ደቅና ብኢድና ኣጥፊእና። ንሃገር ዝረብሑ ሙሁራት ስኢንናዮም' ብዝብል ነስሓ፡ ተጠርጠርቲ ባዕሉ ኣሕሊፉ ይህብ ኣሎ።" ኢሎም።

ቅድም ክብል ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዝፈላለዩ በለካ ለኽዐካ ወረታት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ዝዝከር እዩ።