ወናኒ ጋንታ ለይስተር ሲቲ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሞይቱ

City fans በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዙሓት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው Image copyright Jamie Cooper/HiOptic
ናይ ምስሊ መግለጺ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዙሓት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው

ወናኒ ጋንታ ኩዕሶ ዕግሪ ለይስተር ሲቲ፡ ሄሊኮፕተሩ ኣብ ጥቓ ሜዳ እታ ጋንታ ብምዉዳቓ ከም ዝሞተ ተገሊጹ። ቪካይ ስሪቫድሃናፕራባ፡ ክልተ ሰራሕተኛታቱ፡ ኣብራሪኣን ሓደ ገያሻይን ብቐዳም ምሸት ብዘጋጠመ ሓደጋ እዮም ህይወቶም ሓሊፉ።

እታ ሄሊኮፕተር ካብቲ ስታድዩም ክተብገስ ከላ'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ብዙሓት ኣብቲ ስፍራ ብምርካብ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብራሪ እታ ሄሊኮፕተር ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ናይ በረራ ተሞክሮ ዝነበሮ ኢዩ።

ወዲ 60 ዓመት ታይላንዳዊ ቢሊዮነር ሚስተር ስሪቫድሃናፕራባ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ኮይኑ፡ ኣብ 2010 ብልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ኢዩ ነታ ጋንታ ዓዲጉ።

ብድሕሪ'ዚ እታ ጋንታ ኣብ 2016 ዋንጫ ፕረሚየር ሊግ ክትዓትር በቒዓ ኢያ።

እታ ጋንታ ኣብ ዘውጻቶ መግለጺ፡ ንስድራቤት ምውታት ዝተሰምዓ ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፤ ሚስተር ስሪቫድሃናፕራባ "ሕያዋይ፡ ለጋስን ንስድራቤቱን ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩን ፈቃር" ምንባሩ ኣፍሊጣ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ከም ዘጋጠመ ዝገለጸ ሓለው ልዳት ለይስተር፡ ሚስተር ስሪቫድሃናፕራባ "ንኹዕሶ እግሪ ንሓዋሩ ለዊጥዎ ኢዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ክኣምኖ ይኸብደኒ፡ ኣዝየ ኢየ ጉሒየ" ኢሉ።

ሓለቓ እታ ጋንታ ዌስ ሞርጋን ኣብ ትዊተር "ብሞት ኣቦመንበርና ኣዘየ ሓዚነ፤ ኣብ ጋንታ ኩዕሶ ዕግሪ ለይስተር ሲቲ፡ ፍትውን ፍቑርን ሰብ ኢዩ ነይሩ" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።

ዋና ፈጻሚ በዓል ስልጣን ፕረሚየር ሊግ፡ ሪቻርድ ስከድሞር ብወገኑ "ንቪካይ ወትሩ ክንናፍቖ ኢና" ድሕሪ ምባል፡ "ጽልውኡ ኣብ ለይስተር ፈጺሙ ዘይርሳዕ ኢዩ" ኢሉ።

ጋንታታት ፓሪስ ሰይነት-ጀርመይን፡ ኢንተር ሚላን፡ ዌስት ሃም ዩናይትድ፡ ቶተንሃም፡ ኖቲንሃምን ስዋንሲን ካብተን ሓዘነን ዝገለጻ ጋንታታት ኢየን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት