ላየን ኤየር፡ ካብ ጃካርታ ዝተበገሰት ቦይንግ 737 ኣብ ባሕሪ ተሓምሺሻ

እታ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፓሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

እታ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፓሉ (ቅድሚ ሓደጋ ኣብ መእተዊ ወርሒ ጥቅምቲ)

ብላየን ኤይር እትውነን ቦይንግ 737፡ ምስ ዝፀዓነቶም 188 ኣብ ባሕሪ ተሓምሺሻ። እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ጃካርታ ምስተበገሰት ነዊሕ ከይከደት'ያ ሓደጋ ገጢምዋ።

ቁፅሪ በረራ ጄቲ 610፡ ካብ ኢንዶነዥያ ተበጊሳ፡ ፓንካል ፒናንግ ናብ ዝተበሃለት ዓበይ ከተማ ደሴታት ባንካ ቤሊተንግ'ያ ትጓዓዝ ነይራ።

ካብ እትለዓል ድሕሪ 13 ደቓይቕ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ተቖፃፃሪ ዝነበራ ርክብ ተቛሪፁ፤ ንመዋዳእታ ግዜ ድማ ነቲ ባሕሪ ክተቋርፅ ከላ ኣብ ትሕቲ ክትትል ፀኒሓ።

ካብቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ዝተረፉ ሰባት ብዛዕባ ምህላዎም ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ቤት ፅሕፈት ኣለሻን ምድሓን ነብስን ፓንካል ፒናንግ ከም ዝበልዎ፡ ፓይለት እታ ነፋሪት ናብ ጃካርታ ተመሊሱ ንኽዓልብ ተሓቲቱ ነይሩ'ዩ።

ኣብታ 188 ሰባት ዝፀዓነት ነፋሪት ሰለስተ ህፃናት፣ ክልተ ፓይለታትን ሓሙሽተ ኣባላት በረራን ምንባሮም ተፈሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ስድራ ግዳያት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዴፓቲ ኣሚር - ፓንካል ፒናንግ

ሓላፊ ኤጀንሲ ምንካይ ሓደጋ ኢንዶነዥያ፡ ሱቱፖ ፑርዎ፡ ስብርባር ኣካል እታ ነፋሪትን ዝተወሰነ ንብረት ተሳፈርትን ኣብቲ ባሕሪ ክንሳፈፍ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ትዊተር ገፁ ጠቂዑ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ምብራቓዊ ጃካርታ ዝተረኸበ ስብርባርን ኣብቲ ማይ ሰፈፍ ዝበለ ዘይትን ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርጊሑ።

ምንጪ ስእሊ, Sutopo Purwo Nugroho

መግለጺ ስእሊ,

ሓላፊ ኤጀንሲ ምንካይ ሓደጋ ኢንዶነዥያ፡ ሱቱፖ ፑርዎ ዝጠቅዖ ስብርባርን ኣብ ማይ ዝሰፈፈ ዘይትን ዘርእይ ስእሊ

ወሃቢ ቃል ኤጀንሲ ኣለሻን ምድሓን ህይወትን ዩሱፍ ላቲፍ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "እታ ነፋሪት ካብ 30 ክሳብ 40 ሜትሮ ዕምቆት ኣብ ዘለዎ ማያዊ ኣካል'ያ ተሓምሺሻ" ኢሉ።

አለሻ ከም ዝቐፀለ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።