ምርጫ ብራዚል፡ ቦልሶናሮ ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ብራዚል ተዓዊቱ

ቦልሶናሮ ኣብ ናቑጣ መረፃ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጃየር ቦልሶናሮ ብልዕሊ 10 ሚኢታዊት ነጥብታት ብልጫ ተዓዊቱ

ዳርጋ ኩሉ ድምጺ ተቖጺሩ ተወዲእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቦልሶናሮ 55 ሚእታዊ ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ እቲ ኣባል ጸጋማይ ክንፊ ሰልፊ ሸቃሎ ዝኾነ ናይ ቀረባ ተወዳዳሪኡ ፌርናንዶ ኣዳድ ድማ 45 ሚእታዊ ረኺቡ።

ቦልሶናሮ ኣንጻር ብልሽውና ነቲ ኣብ ብራዚል ዘሎ ልዑል መጠን ገበንን ክቃለስ`የ ኢሉ ብምጉስጓስ`ዩ ኣብ`ቲ ምርጫ ክዕወት ክኢሉ።

እቲ ጎስጓስ ናይ ምርጫ ከፋፋሊ ኮይኑ ጸኒሑ። ነፍሲ ወከፍ ተወዳዳራይ ድማ ዓወት ናይ መወዳድርቱ ንብራዚል ከዕንዋ`ዩ እንዳበሉ ክጉስጉስ ጸኒሑ።

እዚ ዓወት`ዚ እንታይ ማለት`ዩ?

ዓወት ናይ ቦልሶናሮ እታ ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ብጸጋማይ ክንፊ ሰልፊ ሸቃሎ ክትምራሕ ዝጸንሐት ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝዓበየ ደሞክራሲ ዘለዋ ብራዚል ብንጹር ናብ የማናይ ክንፊ ትዘዙ`ላ ማለት`ዩ።

ፕረሲደንት ዲልማ ሮሴፍ ብገበን ተኸሲሳ ድሕሪ ምእላያ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እታ ሃገር በቲ ዘይህቡብ ዓቃባዊ ሚሸል ተመር ክትምራሕ ጸኒሓ።

ተመር ዝነበሮ ህቡብነት ክልተ ሚእታዊት ጥራይ ብምንባሩ፡ ብራዚላውያን ንለውጢ ክህንጠዩ ጸኒሖም። እንተኾነ ግን እቲ ዝተሃንጠይዎ ለውጢ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣምር፡ ኣብ`ታ ሃገር ዓቢይ ምግምማዕ ፈጢሩ`ዩ።

እቲ ናይ ዓሰርተ ሚእታዊ ጸብለልታ ድምጺ ኣብ ዓወት ናይ ቦልሶናሮ ድማ እቲ ሕግን ስርዓትን ዝሰፈናን ክብርታት ስድራቤታት ዝሕለወላን ሃገር ንምውሓስ ዝኣተዎ መብጽዓ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ማለት`ዩ።

ቦልሶናሮ ድሕሪ ምዕዋቱ`ኸ እንታይ ኢ?

እቲ ንሱ ዘቑሞ መንግስቲ `ሓላው ዲሞክራስን ቅዋምን` ክኸውን`ዩ ኢሉ ድማ ተመባጺዑ።

`እዚ መብጽዓ ናይ ውድብ ወይ ናይ ሓደ ሰብ ኣይኮነን። ማሕላ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ`ዩ` ድማ ኢሉ።

`ንሃገን ህዝብን ዝውፈይ እዱብ መንግስቲ ንኸቕውም`የ ተመባጺዐ፡ ክገብሮ ምዃነይ ድማ ቃል እኣትወልኩም` ኢሉ ንሱ ብጣቕዒትን ሆታን ንዘሰነይዎ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ።

`ንትዕድልቲ ብራዚል ሓቢርና ክንልውጦ ኢና` ድማ ኢሉ።

ነቐፍቱ ግን እዚ ኣብ ሰራዊት ብራዚል ናይ ካፒተን ማዕርግ ዝነበሮን ነቲ ብራዚል ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዝነበረትሉ እዋን ዝናፍቕን ቦልሶናሮ ነጻነታት ሰባት ከይገትእን ቅዋም ብራዚል ከይጉርጉሕን ይሰግኡ።

ድሕሪ`ቲ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ዘስምዖ ዝነበረ ዓሌታውነትን ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ግብረ-ሰዶማውያንን ደቂ ኣንስትዮን ድማ ብዛዕባ መሰል ውሑዳን ይሻቐሉ።

ኣዳድ`ከ እንታይ በለ?

ፌርናንዶ ኣዳድ ኣንጻር ቦልሶናሮ ንምቅላስ `ኣብ ጉጅለ ኣባላት ተቓወምቲ ናይ ምጽምባር ሓላፍነት` ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ `መሰላት ናይ`ቶም 45 ሚሊዮን` ንዕኡ ዝመረጹ ህዝቢ ንምኽባር` ድማ ተመባጺዑ።

መሰል ናይቶም ንቦልሶናሮ ዘይመረጹ ኣድመጽቲ`ውን ክኽበር ከምዘለዎ ኣዘኻኪሩ።

Image copyright Reuters

ግብረ-መልሲ ደገፍቲ ክልቲኡ ሸነኻት`ከ ከመይ ነይሩ?

ደምበ ደገፍቲ ቦልሶናሮ ብሓጎስ ተመሊኡ ነይሩ።

`ኩሉ ኣብዚ ዘሎ ህዝቢ በቲ ኣብ`ዛ ሃገር ዘሎ ንልሽውናን መጠን ገበንን ተቖጢዑ`ዩ ዘሎ። ሕጂ ግን ምስ ቦልሶናሮ ኢና ዘለና። እቲ ህዝቢ [ብድምጹ] ተዛሪቡ`ሎ። ንፈለማ እዋን፡ ወኪል ከምዘለኒ ተፈሊጡኒ` ኢሉ ወዲ 38 ዓመት ኣንድረ ሉዊዝ ሎቦ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ደገፍቲ ኣዳድ ግን ብሓዘን ተዋሒጦም ነይሮም።

`ብራዚላውያን ንጽልኢን ንብረትን ምድማጾም ገሪሙኒ`ሎ` ኢሉ ብንብዓት ዝተሓጽበ ፍላቪያ ካስተልሆኖስ ኣብ ከተማ ሳኦ ፓኡሎ ንኤ ኤፍ ፒ ክዛረብ እንከሎ።

ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ባእሲ ከምዝነበረ`ውን ይንገር።

ዘየተኣማምን እዋን

ዓወት ናይ ቦልሶናሮ ንሚሊዮናት ህዝቢ ጽፍዒት ክኸውን`ዩ። ምስ ሰራዊት ዘለዎ ርክብ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም ዲክታቶርነት ዘለዎ ኣድናቖት፣ ዓሌታውነቱ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ጽልእን ንብራዚላውያን የስግኦም`ዩ።

ቦልሶናሮ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ እቶም ብራዚል ቅድሚ 30 ዓመታት ናብ ዲሞክራሲ ድሕሪ ምምላሳ ዝተረኽቡ መኽሰባት ተባሕጒጎም እታ ሃገር ኣብ ዘየተኣማምን እዋን ክትኣቱ`ያ ብምባል ብዙሓት ይሻቐሉ።

ግብረ-መልሲ ናይ ደገ`ኸ?

ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ንቦልሶናሮ ዮሃና ኢሎሞ ኣለዉ።

- ፕረሲደንት ማውሪሾ ማክሪ ናይ ኣርጀንቲና ነቲ ውጽኢት ምርጫ `ዓወት` ናይ ቦልሶናሮ ክብል ገሊጽዎ።

- ፕረሲደንት ሰባስቲያን ፒኔራ ናይ ቺለ ድማ በምኽንያት`ቲ `ጽሩይን ዲሞክራሲያውን ምርጫ` ንብራዚላውያን ዮሃና ኢሉ።

- ፕረሲደንት ኒኮላ ማዱሮ ናይ ቬንዙዌላ ድማ ዮሃና`ኡ ንህዝቢ ብራዚል ገሊጹ።

`ፕረሲደንት ትራምፕ ንቦልሶናሮን ንህዝቢ ብራዚልን ዮሃና ንምባል ናብ ቦልሶናሮ ሎሚ ምሸት ደዊሉ። ክልቲኦም ድማ ከም ዞባውያን መራሕቲ ክፍለ-ዓለም ኣሜሪካን ንመነባብሮ ህዝብታት ኣሜሪካን ብራዚልን ንምምሕያሽ ብሓባር ክሰርሑ ዘለዎም ጽኑዕ ድሌት ገሊጾም` ኢላ ኣፈኛ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ሳራ ሳንደርስ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ቦልሶናር ሓጎሶም እናገለፁ

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰባት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግን ብምኽንያት`ቲ ቦልሶናሮ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ ዘስምዖ ዝነበረ መደረታት፡ እዚ ዓወት ናቱ ኣብ ልዕሊ ብራዚላውያን ደቀባት፣ ማሕበረ-ሰብ ግብረሰዶማውያን፣ ጸለምቲ መንእሰያት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣባላት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን [ኣክቲቪስትስ] በርጌሳዊ ማሕበረ-ሰብን `ዓቢ ሓደጋ` ከንጸላሉ`ዩ ኢሉ።

ቦልሶናሮ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ቦልሶናሮ ኣብ ዕለት ሓደ ጥሪ 2019 ስልጣን ካብ ሚስተር ተመር ክርከብ`ዩ።

ሓደ ካብ ዓመይቲ ናይ ምርጫ ጎስጓሱ ድሕነት ብራዚላውያን ምርግጋጽ`ዩ ነይሩ። ንነብሱ ድማ ከም ሓደ ድሕነት ብራዚላውያን ኣብ ጎደናታት ዘረጋግጽ ሰብ ገይሩ ገሊጽዋ።

እቲ ዝምስርቶ መንግስቲ ንሕጊ ዋንነት ብረት ከዝልቖ ምዃኑ ድማ ኣሚቱ`ሎ።

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ድማ ንምንካይ መንግስታዊ `ብኽነት` ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ቁጠባን ተመባጺዑ ነይሩ።

ብራዚል ካብ`ቲ ናይ 2015 ውዕል ፓሪስ ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ክትስሕብ ከምእትኽእል`ውን ኣሚቱ`ሎ። ነዚ ዝሃቦ ምኽንያት ጠለባት ናይ`ቲ ውዕል ንሉኣላውነት ብራዚል ኣብ ዞባ ኣማዞን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ`ዩ ኢሉ።

ንብልሹዋት ብራዚላውያን ፖለቲከኛታት `ከንጽህ` ምዃኑ`ውን ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ መብጻዓ`ዚ ድማ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ በቶም ብልሽውና ኣሰልኪና`ዩ ዝብሉ ብራዚላውያን ኣዝዩ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ ነይሩ። ብደርዘናት ዝቑጸሩ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት ናይ ነባራት ፖለቲካውያን ውድባት ድማ ብብልሽውና ተኸሲሶም ተእሲሮም`ዮም።ዓዊቱ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት