ውጥጥ መንግስታት ኤርትራን ጀርመንን ኣብ ምዕባለ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

መርከልን ኢሳይያስን Image copyright Getty Images

መንግስቲ ኤርትራ ብቀዳም 27 ጥቅምቲ 'ኣሽካዕላል መንግስቲ ጀርመን' ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢዳ ካብ ምእታው ክትቑጠብ ሓቲቱ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ መግለጺ ከውፅእ ዝኸኣለ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሚስተር ሄይኮ ማስ፡ ንፌደራል ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ መደረ፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየት ብምንቃፉ ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ መንግሰቲ ጀርመን "ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሖ ተጻባኢ ኣረኣእያ" ካብ ነዊሕ ዝጸንሐን ዘየገርምን ኢዩ ድሕሪ ምባል፤ "ካብ ዞባና ኣእዳውኩም ኣርንቡ ጥራይ ንብል" ኢሉ።

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮም ግን "ጀርመን ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊት ሃገር ኢድ ኣእትያ ዘብል ነገር የብሉን" በሃሊ እዩ።

እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ምዕባለ፡ ንጀርመን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ዓለም ዘገድስ ብምኻኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ለውጢ ክመጽእ ምጥላባ ዘኾንን ኣይኮነን 'ውን ይብል።

"ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየለ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ጠንቂ ናይ ኩሉ ስደትን ግህሰት ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ኮይኑ ምህላዉ ዘይትኣምን ሃገረ ኣውሮጳ የላን" ዝበለ ኣቶ መንግስትኣብ፡ ብዛዕባ ኣብ ካልእ ሃገር ዘሎ ኩነታት ምዝራብ ማለትሲ ኢድ ምእታው ማለት ኣይኮነን" ይብል።

ነዚ ብመርትዖ ከደግፍ እንከሎ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 'ውን እንተኾነ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ሰብኣዊ መሰላት ኣየኽብራን ኢሉ ክነቅፍ ከም ዝስማዕ ይዛረብ።

ነዚ ድማ "ተገላቢጦሽ" ክብል ይገልጾ።

መንግስቲ ጀርመን እንታይ ኢዩ ኢሉ?

እቲ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መደርኡ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብዙሕ ምምሕያሽ ከም ዝገበረት ጠቒሱ፡ ኣብ ኤርትራ ግና ለውጢ ከም ዘየለ ሓቢሩ።

"ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ተባዕ ስጉምትታት፡ ዛጊት ኣብ ኤርትራ ኣይተራእየን። በንጻሩ፡ እታ ሃገር ኸመይ ኣቢላ ንለውጢ ከም እተእንግድ ዘርኢ ዝኾነ ስትራተጂ የለን" ብምባል፡ እታ ሃገር ለውጥታት ክትገብር ክንጽውዕ ይግባእ ኢሉ።

ኤርትራዊ ያፌት ዘርኡ ግና እዚ ንጽጽር ግቡእ ኣይኮነን እዩ ዝብል።

"ኢትዮጵያ ንበይና፡ ኤርትራ ንበይና እያ። ኢትዮጵያ ናታ ሽግር ኣለዋ ናታ መገዲ ኣለዋ። ኤርትራ'ውን ናታ ሽግር ኣለዋ ናታ መገዲ ኣለዋ። ስለዝኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተገይሩ ተባሂሉሲ ኣብ ኤርትራ ዝግበረሉ ምኽንያት የለን። ኤርትራ ብናታ ግዜ ከምቲ ህዝባዊ ግንባር ዝብሎ 'ኣብ ዝመረጽናዮ ቦታን ሰዓትን' እያ [ለውጢ እትገብር]" ይብል።

ኣብ ኤርትራ ዝጥለብ ለውጢ እንታይ እዩ?

ንስምምዓት ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ከም ዝከታተሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሚስተር ሄይኮ ማስ፤ "እቲ ስርዓት፡ ነቲ ህዝቢ ከም መቆጻጸሪ ዝጥቀመሉ ዘሎ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘለዎ ቀጺልዎ ኣሎ" ድሕሪ ምባል ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት ብምዃን ለውጢ "ንምትብባዕ"፡ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን፣ ትግባረ ቅዋም፣ ናጽነት ሚዲያን ካልኦትን ኤርትራ ብቕልጡፍ ክትትግብሮም ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ሞንጎ ዝጠልቡዎም ፖለቲካዊ ሕቶታት ገሊኦም ከምዝኾኑ ውሃብቲ ርኢቶ ይገልጹ።

ያፌት ዘርኡ ግን ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ዘለዎ፡ ቑጠባዊ ለውጢ ድኣ'ምበር፡ ካልእ ኣይኮነን'ዩ ክብል ይሙግት።

"ቀንዲ ናይ ኤርትራ ሽግር፡ ናይ ፖለቲካ ሽግር ኣይኮነን። ከም ሓንቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ናይ ቁጠባ ሽግር እዩ" ይብል።

ሓላፊ ማሕበር መድረኽ ልዝብ ኤሪ ፕላትፎርም ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ድማ "ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ሽግር'ከ መን ኣምጺእዎ?" ዝብል ሕቶ የልዕል'ሞ "ስኣን ምሕደራ" ዝመጽአ ምዃኑ ይገልጽ።

"እቲ መሰረታዊ ሽግር ናይ ኤርትራ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘይምህላው እዩ። ህዝቢ ዘገልግል፣ ሃገር ዝመርሕ ስርዓት ስለዘየለ እምበር፡ ኤርትራ፤ ንእሽቶ ሃገር፣ ውሕድ ህዝባ፣ ናይ ብሓቂ እኹል ጸጋታት ኣለዋ" ይብል።

ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ

ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርግስን ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮምን፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራውያንን ብኤርትራውያንን እዩ ክመጽእ ዝግበኦ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ።

"እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ፡ ተቓውሞታት ከስምዕ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ 'ውን ኩነታቱ ንምልዋጥ ሓቢሩ ዝሰርሓሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ" ይብል ኣቶ ዓንደብርሃን።

ኣቶ መንግስትኣብ ድማ "ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመት ተቓሊሱ፡ መሰል ርእሰ ውሳነ ከም ሃገር ኣረጋጊጹ፡ ናጻ ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ መስሪቱ እዩ። ግን፡ መሰል ርእሰ ውሳነ ከም ህዝቢ ክሳብ ሕጂ ኣይተጎናጸፈን። ብናቱ ምርጫ ዝቐውም መንግስቲ ክምስርት ኣይከኣለን" ዝብል ርኢቶ እዩ ዘለዎ።

ብህዝቢ ዝተመረጸ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምቛም ድማ "ብውሽጣዊ ሓይልን ውሽጣዊ ድርኺትን" ዝመጽእ ውራይ ኤርትራውያን እዩ ኢሉ ኣቶ መንግስተኣብ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ጀርመን፡ ዶክተር ገርድ ሙለር፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ኤርትራ ዑደት ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ፤ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ተራኺቡ ዘትዩ ኢዩ።

ንሱ፡ ጀርመን ነዚ ኣብዚ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ብእወንታ ንምድራኹ ዘለዋ ቅሩብነት ምርግጋጹ'ውን ይዝከር።