ኦሮምያ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሰራዊት ኦነግን ምክልኻል ኢትዮጵያን ተጓኒፆም

ደምቢ ዶሎ

ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ ወረዳ ጊዳሚ ኣብ ትበሃል ንእሽተይ ከተማ ዝነብሩ ተወላዲ እቲ ከባቢ፡ ትማሊ ሰኑይ መዓልቲ ንጉሆ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ግንባር ነፃነት ኦሮሞን (ኦነግ) ጎንፂ ተፈጢሩ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ነባሪ እቲ ከባቢ ከምዝሓበሩና፡ ሰኑይ ንጉሆ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝሓዛ ሽድሽተ ኦራል መኻይን ናብታ ከተማ ኣቲወን።

''ከም መትረየስ ናይ ዝኣመሰሉ ከበድቲ መሳርሒ ኲናት ክትኮስ እንከሎ ይስማዕ ነይሩ። ትማሊ ኣብ ወረዳ ቤጊ፡ ከቢድ ውግእ ከምዝነበረ ሰሚዕና ኢና። ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ድማ ኣብ ከተማ ቄለም ጎንፂ ነይሩ'' ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብዚ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብምህዳም፡ ተሓቢኦም ከምዝርከቡ እዞም ነባሪ ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ጊዳሚ፡ ግራን ሶንካ ኣብ ትበሃል መንደር ዝነብሩ ካልእ ነባሪ ድማ፡ ካብ ትማሊ ሰምበት ጀሚሩ፡ ድምፂ ተኹሲ ይስማዕ ከምዝነበረ ቃሎም ሂቦምና።

''ካብ ትማሊ ንጉሆ ጀሚሩ፡ ኣብ ወረዳታት ቤጊን ቄለምን ኣብ ሞንጎ ዝርከቡ ከባብታት፡ ከቢድ ልውውጥ ተኹሲ ነይሩ። እቲ ተኹሲ ኣብ ዕጡቓት ኦነግን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከምዝተኻየደ ኢና ሰሚዕና'' ይብሉ።

ካብ ኣንደበት እዞም ነባሪ ከምዝሰማዕናዮ፡ ንባዕሎም ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ምስ ስድርኦም ናብ ካልእ ከባቢ ሃዲሞም እዮም።

ኣማሓዳሪ ቄለም ወለጋ ኣይተ ታመነ ኃይሉ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ሞንጎ ዕጡቃት ኦነግን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ የለን ይብሉ።

''ኣብ ቀረባ እዋናት ኦነግ ዕጥቂ ክፈትሕ የብሉን ዝብሉ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። እዞም ሰልፍታት ድማ ብሰላም እዮም ተዛዚሞም። ካብዚ ወፃኢ ዝኾነ ዓይነት ጎንፂ የለን። እቲ ኣብ ፌስቡክ ዝውጋዕ ዘሎ ወረ እዩ'' ኢሎም።

ንምንታይ ድኣ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብቲ ከባቢ ብስፍሓት ተዋፊሮም ንዝብል ሕቶ፡ ኣይተ ታመነ እንትምልሱ ድማ፡ '' ቅድሚ ሕዚ እውን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብስፍሓት ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም እዮም ዝርከቡ። ዋላ ሓደ ዝተፈጠረ ሓድሽ ነገር የለን። ወረዳ ጊዲሚ፡ ንዶብ ደቡብ ሱዳን ቀረባ ስለዝኾነት እዩ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ'' ክብሉ ምላሽ ሂቦም።

''ኦነግ ዕጥቂ ክፈትሕ የብሉን'' ብዝብል ብሰንኪ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣብ ሓደሓደ ከተማታት እቲ ዞባ ክሳብ ሎሚመዓልቲ፡ መንገድታት ተዓፅዮም እዮም ፀኒሖም። ነዞም መንገድታት ንምኽፋት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ግና፡ ብሓገዝ ሽማግለታት ዓዲ መፍትሒ ንምርካብ ፃዕርታት ይካየድ ኣሎ'' ብምባል ኣይተ ታመነ ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ዳይሬክተር ሆስፒታል ደምቢዶሎ ዶክተር ክብረት ዋቅጋሪ፡ ትማሊ ምሸት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ፡ ብነቷጊ ተጎዲኦም ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመፅኡ ይዛረቡ።

''ካብ ዝተኸደንዎ ዩኒፎርም ከምዝተረዳእኽዎ፡ ኣባላት ፖሊስ እዮም። ምናልባት ኣባላት ፖሊስ ከተማ ደምቢዶሎ እንከይኾኑ ኣይተርፉን። ሰለስቲኦም ብነቷጊ ዝተጎድኡ እንትኾኑ፤ ኣብ እግሮምን ሑቐኦምን ብከቢድ ቆሲሎም እዮም። ንጣር ናይቲ ነቷጊ እውን ኣብ ውሽጢ ነብሶም ይርከብ'' ክብሉ ንቢቢሲ ገሊፆም። ንተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዒላማ ዝገበረ ጥቕዓት እዩ ተፈፂሙ፡ መንግስቲ ትግራይ

ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ሓለፍቲ ክልል ኦሮሚያ፣ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተመስረተ ሚኒስትር ሰላም ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ሰበ-መዚ ኦነግ እውን ንግዚኡ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑልናን።

ተወሳኺ ዛንታ