ሳትላይት ተሌቬዥን ኤርትራ ካብ ጀርመን ክፍነው እዩ

ኤሪሳት Image copyright ERISAT

ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ግዱሳት ሞያውያንን ብሓባር ዘቖሙዎ ሳተላይት ቴሌቭዥን ናብ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ፈነወ ክጅምር እዩ።

'መስትያት ቤትና' ዝብል ቻነል ዘካይድ ተቐማጢ ሃገረ ጀርመን፡ ዘካርያስ ክብረኣብ፡ ኣብታ 'ኤሬሳት' ዝብል ስያመ ዝተዋህባ ቴሌቭዥን ፕሮግራሙ ሒዙ ካብ ዝኣተዉ ሓደ'ዩ።

"ጉጅለ ኤሬሳት፤ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ምጽሓፍ፣ ምቅንባርን ከምኡ እውን ሞያ ጋዜጠኝነት ዘለዎም ሰባት ብወለንታ ኣበርክቶ ንክገብሩ ዝተኣኻኸቡ እዮም'' ክብል ብዛዕባ ኣባላት ጉጅለ ኤሬሳት ይገልጽ።

ዋንነት ኤሬሳት ናይ ህዝቢ ከምዝኾነ ዝገልጸ ኣቶ ዘካርያስ፡ እቲ ሓበሬታ ንከይረክብ ዝተዓፈነ ህዝቢ ካብ ደገ ሓበሬታ ንኽፍነወሉ ዕላማ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።

"እዚ መደብር ተሌቬዥን ካብ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራውያን እዩ። ንኤርትራውነትን ናይ ኤርትራ ሉኣላውነትን ብዘይፃረር መንገዲ፡ ንብሄራትን ሃይማኖትን ዘኽብር'' እዩ ዝበለ ኣይተ ዘካርያስ፡ ምጥያሽ እዛ ተሌቬዥን፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘፅብብ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዚ ኣብ ኤርትራን መላእ ዓለምን ብመገዲ ኦይ-ቴል ዝዝርጋሕ ቴሌቭዥን፡ ካልእ ኣማራጺ ሓበሬታ ክኸውን ተስፋ ኣሎ።

እታ ቴለቪዥን ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ ቻነላት ዝፍንውዎ ዝነበሩ መደባት ኣኻኺባ ክትሰርሕ እትዳሎ ከምዘላ'ውን ዘካርያስ ሓቢሩ።

ኮይኑ ግና፡ እዚ ምትእኽኻብ መን'ዩ ዝመርሖ? ክንብል ንኣቶ ዘካርያስ ሓቲትናዮ። ዝኾነ ይኹን ሕቡእ ትካል ኣብ ድሕሪ እዛ ተሌቬዥን ከም ዘየለ ድማ ኣፍሊጡ።

"ዝኾነ ትካል ወይ ድማ ዝኾነ ማሕበር ወይ ዝተሓብአ ጉጅለ ብድሕሪ እዛ ጉጅለ የለን። ኣብ ደገ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ተዘራሪቦም፡ ከምዚ ኢልና እንተጀመርና እሞ፡ ካልኦት ከኣ እንተሰዓቡናስ ከመይ ይመስል ብዝብል ዝተጀመረ እዩ'' ይብል።

ብዙሓት ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዓፈና-ማዕበል (ጃሚንግ) የጋጥመን'ዩ። ኣዳለውቲ ኤሬሳት'ከ ብኸመይ ተዳልዮምሉ ኣለው?

"ዓፈና-ማዕበል ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓሲብናሉ ኢና። ምኽንያቱ እቲ ንሕና እንፍንዎ ንመንግስቲ ኤርትራ ደስ ዝብሎ ነገር ዘይክኸውን ስለዝኽእል፡ ከምኡ ዓይነት ፈተናታት ከጋጥም ይኽእል እዩ" ኢሉና።

ግን ድማ ነዚ ከጋጥም ዝኽእል ጸገም ብቴክኒክ ንምፍታሕ እኹል ምድላው ከም ዝተገበረ ኣቶ ዘካርያስ ሓቢሩ።

እዛ ቴሌቭዥን-ሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ዓፋርን ዓረብኛን ካብ ሃገረ ጀርመን መደባታ ክትፍኑ እያ።

ተወሳኺ ዛንታ