ኤምባሲ ቫቲካን፡ ኣዕፅምቲ ሰብ ኣብ ጣልያን ሮም ተረኺቡ

ምስሊ ኢማኑኤላ ብምሓዝ ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ ሰባት - 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስድራ ኢማኑኤላ ኦርላንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ጓሎም ዝበፅሐ ነገር ንምፍላጥ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት ኣካይዶም

ኣብ ርእሰ ከተማ ጣልያን ሮም ዘሎ ኢምባሲ ቫቲካን ዝተረኸበ ኣዕፅምቲ ሰብ፡ ነቲ ን35 ዓመታት ዝተቐበረ ምስጢር ክፈትሕ ተስፋ ተገይሩሉ።

እቶም ዝተሰባበሩ ኣዕፅምቲ፡ ኣብ ኤምባሲ ቫቲካን ይካየድ ኣብ ዘሎ ህንፀት ከም ዝተረኸቡ ተሓቢሩ።

ካብ ቫቲካን ዝተውሃበ መግለፂ ከም ዘመልክቶ፡ ናይቲ ቅሪት ኣካል ፆታ፣ ዕድመ ከምኡ'ውን መዓልቲ ሞት ንምፍላጥ ኪኢላታት እናሰርሑ እዮም።

እቲ ኣዕፅምቲ ናይታ ኣብ 1983 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ደሃያ ዝተስኣነ ኣብ 10ታት ዕድመ ዝነበረት ንእስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል መራኸቢ ሓፋሽ ጣልያን ግምት ሂቡ'ሎ።

ምጥፋእ ደሃይ ናይታ ሽዑ ጓል 15 ዓመት ዝነበረት ኢማኑኤላ ኦርላንዲ፡ ምስ ዝተወደበ ገበን ወይ ድማ ነቲ ብ1981 ንጳጳስ ጆን ፓወል ካልኣይ ንምቕታል ፈቲኑ ዝተኣሰረ ቱርካዊ መህመት ዓሊ ኣግካ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ንምግባር ዝካየድ ዝነበረ ፀቕጢ ክተሓሓዝ ፀኒሑ እዩ።

ሓዋ ንኦርላንዲ፡ ፒየትሮ ኣብ ልዕሊ ሓፍቱ ዝተፈፀመ ሓቂ ንምፍላጥ ንዓመታት ዝፀንሐ ወፍሪ ከካይድ ፀኒሑ። ቫቲካን ኣብቲ ጉዳይ ስቕታ ብምምራፃ'ውን ክወቅሳ ፀኒሑ።

ይኹን ደኣ'ምበር እቶም ኣዕፅምቲ ናይቲ ካብ ኦርላንዲ 40 መዓልታት ኣቐዲሙ ዝጠፍአ ሚረላ ግረጎሪ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዝሕብሩ ዜናታት እውን እናተቓልሑ እዮም።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንዝኽሪ ኢማኑኤል ኦርላንዲን ሚረላ ግረጎሪን ዝተሰርሑ ቅብኣ

ድምፂ ደወል ማዕፆ ገዛ እንዳወለዳ ተሰሚዑ፤ ሽዑ ኦርላንዲ ነቲ ማዕፆ ከፊታቶ። መማህርታ ከም ዝኾነን ኣዘራሪባቶ ከም እትምለስን ንወለዳ ነጊራቶም ምስወፀት ኣይተመለሰትን።

መርመርቲ ገበን፡ እቲ ኩነታት ርክብ ክህልዎ ከም ዝኽእል እናገለፁ እዮም።

ኣብ ዘውፅኣቶ መግለፂ፡ እቲ ኣዕፅምቲ ከም ዝተረኸበ ዝኣመነት ቫቲካን ምርመራ ክካየድ ከም ዝጀመረ ሓቢራ።

ኣብ ጉዳይ ኦርላንዲ ብዝምልከት፡ ንፖሊስ ዘድልይ ምትሕብባር ክትገብር ከምዝፀንሐት'ውን ኣብ መግለፂኣ ኣዘኻኺራ።