ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይቶም ብቐዳም ዝተቕትሉ ኣይሁዳውያን ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ተኻፊሉ

ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ተቓውሞ ዘስምዑ ነበርቲ ከታማ ፒትስበርግ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ተቓውሞ ዘስምዑ ነበርቲ ከታማ ፒትስበርግ

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፔንሴልቪንያ ዝርከብ ቤት መቕደስ ኣይሁድ ዝተቐትሉ 11 ኣመንቲ ኣይሁድ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብብዓልቲ ቤቱ ሜላኒያ ትራምፕን ጓሉን ሰብኣይ ጓሉን ተሰኒዩ ኢዩ ኣብ ፒትስበርግ ዝርከብ ቤት መቕደስ ትሪ ላይፍ ዝበጽሐ።

ኣማኢት ኣሜሪካውያን ኣብ ጽርግያ ብምውጻእ ኣንጻር ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይ ተቓውሞ ጭርሖታት ኣስሚዖም።

ብዙሓት ቀበርቲ ናይቶም ግዳያት ናይ ፈለማ ቀብሪ ኣብዘካይድሉ ዝነበር እዋን ኢዩ ፕሬዚደንት ትራምፕ ናብቲ ቤት መቕደስ ዝበጽሐ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሰሉስ ናብቲ ኣብ ፒትስበርግ ዝርከብ ቤት መቕደስ ምስ በጽሐ፡ ራባይ [ካህን ናይ ኣይሁድ] ጀፍሪ መይርስ፡ ኢዩ ተቐቢሉ ናብ ውሽጢ`ቲ ቤተ መቕደስ ዘእተዎ። እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኻየደ ጸረ-ሴማውያን መጥቃዕቲ ኣብ ታሪክ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ደገ እቲ ቤተ መቕደስ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝኽሪ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዕምበባን ንኣሽቱ የእማንን ኣብ መቓብር ናይቶም ግዳያት ኣንቢሩ።

ንስድራ ቤት ትራምፕ ብዓል መን ኣሰኒዮሞም?

ፕሬዚደንት ትራምፕ በቲ ኣይሁዳዊ ዝኾነ ሰብኣይ ጓሉ፡ ጃሬድ ኩሽነርን ድሕሪ ንጃሬድ ምምርዓዋ እምነታ ናብ ኣይሁድ ዝቐየረት ጓሉ ኢቫንካን ኢዩ ተሰኒዩ ናብቲ ቤት መቕደስ ዝኸደ።

ክልቲኦም ጃሬድን ኢቫንካን ድማ ኣማኸርቲ ዋይት ሃውስ [ቤት መንግስቲ ኣሜሪካ] ኢዮም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ጃረድ ካሽነር፣ ኢቫንካ ትራምፕን ስቲቭ ምኑቺን ምስ ትራምፕ ኣብቲ ቀብሪ ተረኺቦም

እቲ ተኸታሊ እምነት ኣይሁድ ዝኾነ ምኒስተር ፋይናንስ፡ ስቲቭን ሙንቺን`ውን ሓደ ካብቶም ንፕሬዚደንት ትራምፕ ዘሰነዩ ኢዩ ነይሩ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ቅድሚ ናብቲ ቤት መቕደስ ምኻዱ፡ ንጸረ-ሴማዊ ተሓሳስባ ኮኒኑ። እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ደጋፊ ትራምፕ ኣይነበረ።

ስለምንታይ`ዩ ተቓውሞ ኣብቲ ቀብሪ ተኻይዱ?

ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይ ጸዓዱ ልዕልነትን ናይ ናዚ ምንቅስቓስ ብምልዕዓል ክገብሮ ዝጸንሐ ፈላላዪ መደረታትን ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኣመንቲ ምስልምናን ስደተኛታትን ከቕርቦ ዝጸንሐ ወቐሳታት ኣመልኪቶም ብዙሓት ይወቕስዎን ይውንጅልዎን።

ገለ ኣመንቲ ኣምነት ኣይሁድ ዝኮኑ ፍሉጣት ሰባት፡ ከምኒ ከንቲባ ፒትስበርግ ቢል ፔዱቶ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ናብቲ ቀብሪ ምብጻሕ ተቓዊሞሞ።

ልዕሊ 70,000 ዝኾኑ ሰባትን ገለ መራሕቲ እምነት ኣይሁድ ከተማ ፒትስበርግ ኣብቲ ክታሞም ዝነበሩሉ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ``ናይ ጸዓዱ ልዕልና ብዕሊ ከየወገዘ`` ናብታ ከተማ ``ክእቱ ኣይነፍቅደሉን ኢና`` ኢሎም።

ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ሪፓብሊካንን ዴሞክራትን ነቲ ንፕሬዚደንት ትራምፕ ከሰንይዎ ብዋይት ሃውስ ዝቐረበሎ ዕድመ ነጺጎሞ።

ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣንጻር`ቲ መንግስቲ ዝቐረበ ወቐሳ ነጺጎሞ።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ በቲ ኣብ ፒትስበርግ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ተቐቲሎም

ሮይተር ናይ ዜና ማዕከን ከምዝበሎ፡ ኣስታት 2,000 ዝኾኑ ኣይሁዳውያን ተቐማጦ ፒትስበርግ ገለ ካብቶም ኣንጻር ፕሬዚደንት ትራምፕ ተቕውሞ ዘስምዑ ሰባት ኢዮም ነይሮም።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብጽርግያታት ፒትስበርግ ክሓልፍ ከሎ፡ እቶም ኣብቲ ጽርግያታት ኮኖም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ናይ ቅለትን ናይ ኣጻብዕቲ ንታሕቲ ምልክታት የርእዩ ነይሮም።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ቤተ መቕደስ ምስበጽሐ ``መርኣያ ጽልኢ ዝኾንካ ፕሬዚደንት ካብ ግዝእትና ውጻእ`` ክብሉ ይስምዑ ነይሮም።

እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበረኡ ሰባት ``ቢንቶ`ምበር መንደቕ ኣይንሃንጽን ኢና``፡ ``ትራምፕ ሕጂ ናይ ጻዕዳ ልዕልነት ብወግዒ ይኾንን``፡ ``ናይ ትራምፕ ሓሶታት ቀታሊ ኢዩ`` ዝብል ጥርሖታት ዝሓዘ ታቤላታት ተሰኪሞም ነይሮም።

እቲ ወዲ 46 ዓመት ሮበርት ቦወርስ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ፡ ብ29 ገበናዊ ወንጀላት ድማ ክኽሰስ ኢዩ ይብሃል።