ኢትዮጵያ ኣባል ጂ-20 ኮምፓክት ኣፍሪቃ ዝተበሃለ ጉጅለ ኮይና

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን መራሒተ መንግስቲ ጀርመን ኣንጌላ መርክልን Image copyright Fitsum Arega/Twitter

20 ኣባላት ዝሓቁፍ ጉጅለ ሃገራት፡ 'ጂ-20' ብዝብል ይፍለጥ። ንኣሜሪካ፣ ቻይናን ጀርመንን ሓዊሱ ካልኦት ኣባል ሃገራት 'ውን ይሓቁፍ።

ካናዳን ኣሜሪካን ካብ ሰሜን፤ ሜክሲኮ፣ ኣርጀንቲናን ብራዚልን ካብ ደቡብ፤ ቻይና፣ ኢንዶነዥያ፣ ህንዲ፣ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ካብ እስያ፤ ፈረንሳይ፣ ቱርኪ፣ ጀርመንን ጣልያንን ካብ ኣውሮፓ፤ ካብ ኣፍሪቃ ደቡብ ኣፍሪቃ ንበይና ከምኡ'ውን ኣወስትራልያ ኣባል ሃገራት እየን።

ኣብ 2018 ዝተመስረተ እዚ ጉጅለ ንሃገራውያን ባንክታት እተን ሃገራት ኣተሓባቢሩ፡ ኣብ ምጥንኻር ቁጠባ ይሰርሕ።

ካብተን ኣባላት ሰጊሩ ንቁጠባ ካልኦት ሃገራት'ውን ከም ዝሰርሕ ይግለፅ።

እዘን ሃገራት ካብ ሓፈሻዊ ፍርያት ዓለም ነቲ 85 ሚኢታዊት፤ ካብ ንግዲ ዓለም ድማ ነቲ 80 ሚኢታዊት ይብሕታ።

ኢትዮጵያን ጂ-20ን

ዝምድና ኢትዮጵያን ጂ-20ን ኣብ ጉባኤ ተዓዲማ ካብ ምስታፍ ዝሰግር ኣይነበረን።

ኣብ ጀርመን በርሊን ክካየድ ኣብ ዝጀመረ ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ሓደ ፍሉይ ሓሳብ ቀሪቡ ነይሩ። 'ንምንታይ ናይ ጂ-20 ክንፊ ኣፍሪቃ ዘይነጣይስ?' ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ።

ብመራሒት መንግስቲ ጀርመን ኣንጌላ መርክል ዝቐረበ እዚ ሓሳብ 'ጂ-20 ኮምፓክት ምስ ኣፍሪቃ' ዝብል ስያመ ረኺቡ።

ብሕቲ ኣውፈርቲ (ውልቀ-ኢንቨስተራት) ናብ ኣፍሪቃ ንክኣትዉ ምንቕቓሕን ምልላይን ዝዓለመ እዩ።

ለውጢ ንምምፃእ ቅሩባት ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ምስ ኣባላት ጉጅል 20 (ጂ-20) ዘለወን ርክብ ዘጠናኽራሉ ከም ዝኸውን ይእመን።

ክሳብ ሕዚ ኢትዮጵያ፣ ቤኒን፣ ኮትዲቯር፣ ግብፅ፣ ጋና፣ ጊኒ፣ ሞሮኮ፣ ሩዋንዳ፣ ሴኔጋል፣ ቶጎ ን ቱኒዚያ ኣባላት ምዃነን ኣረጋጊፀን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ኣውሮጳ

ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብድሕሪ'ቲ ናብ ፈረንሳ ዝገበርዎ ምብፃሕ፡ ናብ ጀርመን ከይዶም'ዮም። ኣብቲ ጉባኤ'ውን ተሳቲፎም።

"ኣብ ኣባል ሃገራት ጂ-20 ከም ዘሎ ኢንቨስትመንት ኣባና'ውን ክህልው ንብህግ ኢና። እዚ ክንፊ'ውን ነዚ ክውን ኣብ ምግባር ዓብዪ እጀም ከም ዝህልዎ ተስፋ ኣለና" ክብሉ ኣብቲ ጉባኤ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣይተ ፍፁም ኣረጋ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ከም ዝተዛተዩ፡ ኣብ ትዊተሮም ፅሒፎም።

Image copyright Fitsum Arega/Twitter

ንዓለማዊ ትካል ገንዘብ ( ኣይ ኤም ኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ሓዊሱ ካልኦት ገዘፍቲ ትካልት ዓለም ዝተሳተፉሉ መኽፈቲ ጉባኤ፡ ኤትዮጵያ ንኣውፈርቲ እንታይ ክተቕርብ ከም እትኽእል ዘርኣይትሉ ምንባሩ'ዩ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ "ኢትዮጵያ ተወዳዳራይ ናይ ምውፋር ኣማራፅታት ኣለዋ፤ ስትራቴጂካዊ ኣማራፅታት ከም ዘለዉና ነዚ ዕድል ተጠቒመ ክገልፀልኩም እፈቱ" ኢሎም።

ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኩለን ኣባል ሃገራት እቲ ሓድሽ ዝተጣየሸ ክንፊ ብብዙሕ መገዲ ተረባሕቲ ክኸና ከም ዝኽእላ ይግለፅ።

ካብቶም ረብሓታት እቲ ሓደ፡ ኣባላት ጂ-20 ኣባላት እቲ ክንፊ ንዝኾና ሃገራት ቀዳምነት ክህባ ምኽኣለን እዩ።

ብዘይካ'ዚ ዓለማዊ ትካል ገንዘብ - ኣይ ኤም ኤፍ እውን ቴክኒካዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ካብ ጎነን ከም ዘይፍለያ እቲ ሰነድ ብንፁር የቐምጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት