ደቡብ ሱዳን፡ ሪክ ማቻር ኣብ መዓልቲ ሰላም ሃገሩ ንምስታፍ ጁባ ኣትዩ

ሪክ ማቻር ጁባ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ 31 ጥቅምቲ 2018 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቡብ ሱዳን መዓልቲ ሰላም ጸንቢላ

መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ጉጅለ ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ስደት ኣብ ጽምብል መዓልቲ ሰላም ንምርካብ ሎሚ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ንሱ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ዝሓመሳ ግጭት ክገትእ ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ'ዩ ናብ ርእሰ-ከተማ ጁባ ተመሊሱ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሪክ ማቻር ሓደ ካብቶም 5 ናይ ምክትል ፕረዚደንት ስልጣን ክወሃቦም ዝተሰማምዑ መራሕቲ እዩ።

ደቡብ ሱዳን፡ ሎሚ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰላም ብድምቀት ጸምቢላ።

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለ-ወርቅ ዘውዴን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ኣብቲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ጁባ ዝተኻየደ ጽምብል ተሳቲፎም።

ማቻር፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሃገሩ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ከደ፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ክጸንሕ ተገዲዱ ምንባሩ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ናብ ሃገሩ ክምለስ ንዘቕረበሉ ዕድመ ነጺግዎ ነይሩ'ዩ። ኣፈኛኡ ከም ዝገለጾ ግን ሰላም ክረጋገጽ እንተድኣ ኮይኑ ክልቲኦም ወገናት ክተኣማመኑ ኣለዎም ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ደቡብ ሱዳን ብመንገዲ ውሳነ-ህዝቢ (ረፈረንደም) ካብ ሪፓብሊክ ሱዳን ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ኣብ ታሕሳስ 2013 ናብ ውሽጣዊ ግጭት ኣትያ። ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ግጭት ድማ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ መራሕቲ ብዝተፈጥረ ዘይምቅዳዉ ምዃኑን፡ ሪክ ማቻር ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ብረታዊ ተቓውሞ ምልዕዓሉን'ዩ።

ቅድሚ'ቲ ናይ ነሓሰ ስምምዕ ንክልቲኦም ወገናት ንምቅርራብን ምትዕራቕን ዝተገበሩ ፈተነታት ኩሎም ኣይተዓወቱን። ዋላኳ ሪክ ማቻር ኣብ 2016 ናብ ናይ ምክትል ፕረዚደንት ስልጣኑ ክምለስ ናብ ጁባ ኣትዩ እንተነበረ፡ ዳግም ብዝተወለዐ ምትፍናን፡ ብእግሩ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተገደደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት ሓድሕድ ኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝተቐትሉን፡ ቢልዮናት ድማ ከም ዝተፈናቐሉን ይግለጽ።

ሕጂ'ውን እንተኾነ ኣብ ገለ ቦታታት ሓሓሊፉ ግጭት ከም ዘሎን፡ ብሰንኩ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ምብጻሕ ዕንቅፋት ይኸውን ከም ዘሎን ትካል መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት