ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ይመሓየሽ ከም ዘሎ ተገሊጹ

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽርን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን Image copyright Getty Images

ኤርትራን ሱዳንን ነቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድነአን ከመሓይሻ ምዃነን ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ብሮቡዕ ኣብ ዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ከም ዝተመልሰ ዝጠቅስ ኣጀንዳ ናይቲ ቤት ምኽሪ፡ ከም ዝበጽሖ ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ክልቲአን ሃገራት ንሓድሕደን ክዋናጀላን ምጽንሐንን፡ ክሳብ ዶባት ምዕጻው ከም ዝበጽሓን ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ገዛኢ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ናብ ንቡር ክምለስ ከም ዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።

ጸሓፊ ናይቲ ሰልፊ ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ብምዃድ ምሕዝነቱ ከም ዝገለጸ ይዝከር።

ሱዳን፡ ኤርትራ ንተቓወምታ ብምድጋፍን ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ከተካይድ ትዳሎ ኣላ ብምባልን፡ ኣሽሓት ወታሃደራታ ናብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣጸጊዓ ነይራ'ያ።

ኤርትራ ብወገና፡ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያን ቐጠርን ብምስምማዕ ኣንጻራ ተጻባኢ ፓሊሲታት ትኽተል ኣላ ክትብል ከሲሳ ምንባራ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዝምድና ክሽሕክር ዝጀመረ ኣብ 2014 ሱዳንን ኢትዮጵያን ወታሃደራዊ ናይ ምክልኻል ውዕል ድሕሪ ምኽታመን'ዩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ "ኣይሰላም ኣይኲናት" ኩነታት ብምንባረን፡ እቲ ስምምዕ ንኤርትራ ከየቖጠዓ ኣይተርፍን ተባሂሉ ይግለጽ።

እዚ ናይ ሕጂ ምዕባለ ብመንጎኝነት ዞባውያን ኣካላት ዝተሳለጠ ኮይኮነ ከም ዘይተርፍ'ውን ጸብጻባት ኣሚቶም።

እዘን መዳውብቲ ሃገራት ኣብ 1994 ዲፕሎማስያዊ ርክበን ድሕሪ ምብታኽ፡ ኣብ 2000 ብመንጎኝነት ቐጠር ዝምድንአን ናቡር ብምምላስ ዶባተን ክኸፍታ ከም ዝተሰማምዓ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት