ዓዲ እንግሊዝ ብምኽንያት ገበናት ኣብ ዓመት 47 ቢልዮን ዶላር ከም እትስእን ተገሊጹ

ፖሊስ ምስ ኣባል ኤንሲኤ Image copyright NCA

ዓዲ እንግሊዝ ብምኽንያት ዓበይቲ ዝተዋደዱ ገበናት፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 47ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከም እትስእን ትካል ምክልኻል ገበን እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ከም ዘርእዮ፡ ከባቢ 4,600 ዓበይቲ ዝተወደቡ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብታ ሃገር ኣለው።

እዞም ጉጅለታት ኣብ ምዕማጽ ቆልዑ፡ ምስግጋርን ሰባትን ዘይሕጋዊ መሸጣ ዘደንዝዙ ኣፋውስን ዝኣመሰሉ ገበናት ይዋፈሩ።

መንግስቲ ነዞም ጉጅለታት ገበን ንምግጣም፡ ኣዳሊይዎ ዘሎ 61ሚልዮን ዶላር ዝሓትት ሓድሽ ስትራተጂን ኣብ ቀረባ ክገልጽ ኢዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝወጸ ጸብጻብ፡ እዞም ገበናት፡ ነታ ሃገር ዓመታዊ 30ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ክትገብር ከም ዘገድድዋ ኢዩ።

እቲ ወጻኢታት ገሊኡ ቀጥታዊ ማለት፡ ከም ኣብ ዋኒናት ዝስዕብ ክሳራታት ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ድማ ተዘዋዋሪ ኮይኑ፡ ኣብ ግዳያት ዝስዕብ ኣእምሮኣዊ ናይ ጥዕና ሽግራት ምዃኑ ዳይረክተር ትካል ምክልኻል ገበን ሊን ኦወንስ ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ እቶም ገበናት ብብዝሕን ብዕብየቶመን፡ ኣዝዮም ከም ዝተቐየሩ፡ ሚስ ኦወንስ፡ ገሊጻ።

ንሳ ወሲኻ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ቁጽሪ በዞም ገበናት ዝሞቱ ዜጋታት ካብ ብግብረሽበራ፡ ኲናትን ባህርያዊ ሓደጋን ዝሞቱ ድምር ይበዝሕ" ኢላ።

ሚኒስተር ጸጥታን፡ ቁጠባዊ ገበናትን፡ በን ዋላስ ብወገኑ፡ "ብዙሓት ዝተወደቡ ገበነኛታት ልዕሊ ሕጊ ዝኾኑ፡ ንመንግስቲ ክብድሁ ዝኽእሉን፡ ብዝፍጽምዎ ገበናት ዘይሕተቱን ይመስሎም፤ ተጋግዮም ኣለው" ኢሉ።

ንሱ ንማእከል ሃገራዊ ቁጠባዊ ገበናት፡ መሰልጠኒ መርመርቲ ፖሊስ፡ ናይ ስለያ ዓቕሚ ንምዕባይን 61ሚልዮን ዶላር ዕላዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።