ኤርትራ - ቶሮንቶ "ሰብኣውነት ክህልወካ ሰብ ምዃንካ ጥራይ እኹል ኣይኮነን"

ሳሮን ኣብ እዋን ምርጫ Image copyright Saron

ለውጢ ዝደልን፡ ሰብኣዊ ሕልናን ዘለዎ፡ ወትሩ እዩ ዝዕወትን ቅሱን ሂወት ዘስተማቕርን፡ ዝብል ሕልና ኣለዋ፤ ኤርትራዊት መንእሰይ ሳሮን ገብረስላሴ። ንሳ ካብ እዋን ቁልዕነታ ኣትሒዛ'ያ ንበደላትን ዓሌታውነትን፡ እትነብረሉ ከባቢ ብምስትብሃል ንመፍትሒኡ ክትተግህ ዝጀመረት።

በዓልቲ ሞያ ሕግን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሳሮን፡ ኣብ እዋን ቁልዕነታ ኣብ 1989 ካብቲ ዝተወለደትሉ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ምስ ስድርኣ ብምጥራዛ፤ ባሕርን ጣሕርን ኣቋሪጾም ብናይ ዕድመ ቪዛ፡ ናብ'ዛ ሕጂ ዝነብሩላ ዘለው ከተማ ቶሮንቶ ሃገረ ካናዳ ኣትያ።

ከም ኩሉ ስደተኛ ድማ ኣብ'ቲ እኹል መሳለጥያ ዘይርከቦ ዝተሓተ መነባብሮ ዘለዎ ናይ መንግስቲ ገዛ ምዕባያ፡ ንዘሎ ጸገማት ከተለልን ማሕበራዊ ሂወት እውን ከተስማቕርን ከምዝሓገዛ ትዛረብ።

"እዚ እናራኹ ምዕባየይ ከኣ ልበይ ነዚ ንምቕያር ገና ኣብ ንኡስ ዕድመይ'ዩ ተለዓዒሉ" ትብል ሳሮን ብሓውሲ ስሓቕ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ሳሮን ኣብ እዋን ንእስነታ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካናዳ ቶሮንቶ እናዞረት፡ ጸረ ዓሌታውነት ምንቅስቓስ ብምክያድ ንተምሃሮን መምህራናን ተስተምህር ነይራ።

"ገና ካብ ፈለምኡ'ያ ንዝርኣየቶን ዘይግቡእ ዝበለቶን ነገራት ጺን ኢላ ብምስትውዓል ድሕሪ ምዕዛብ፡ 'ንምንታይ ከምዚ ይኸውን'? ዝብል ሕቶ ትሓትት ነይራ። በዚ ድማ እየ ክንዲ ሽሕ ኢለ ዝጽውዓ ነይረ"ይብል ኣቦኣ ኣቶ ገብረልኡል ገብረስላሴ፤ ኣብ ልዕሊ ጓሉ ዝነበሮን ዘለዎን ኣድናቖት ብሓበን ክገልጽ ከሎ።

Image copyright Saron

ጓል 15 ዓመት ምስ ኮነት ድማ ናይ ባዕላ መደባት ቴሌቪዢን ብምቕራብ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒሰተር ካናዳ ፖል ማርቲን፡ ንምዝታይ እታ ዝነኣሰት ኣፍሪቃዊት-ካናዳዊት ኮይና ተመሪጻ።

ምስ'ቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር ተራኺባ ድማ፡ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ብረታዊ መጥቃዕቲ፡ ከመይ ምጥፋእ ከምዝከኣል ተመያይጣን ንማሕበረ ሰብ ቶሮንቶ ኣብ ምጉስጓስ እጃማ ኣበርኪታን።

"እቲ ቀንዲ ነዚ ዝደፋፋኣኒ፡ 51% ነበርቲ ካናዳ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝወሓዙ ስደተኛታት ብምዃኖም እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ፡ ዓሌታዊ መጥቃዕትን ድሕረትን እናረኣኹ ምዕባየይ'ዩ። እቲ ቀንዲ ማሕለኻ ድማ ትምህርትን ስእነት ስራሕን ብምዃኑ፤ ነዚ ንምቕያር ልበይ ካብ ነዊሕ'ዩ ተሊሙ። ራእየይ ለውጢ'ዩ" ትብል።

እዚ ሕልሚ እዚ ግን ሕጂ ዝነቐለ ዘይኮነስ ካበ ንእስነታ፡ ብዛዕባ ቁልዕነት ጥራይ ከይሓሰበት ባዕላ ዘዕበየቶ ተፈጥሮ ምዃኑ'ዩ ኣዲኣ ወይዘሮ መድህን ገብረስላሴ ዝዛረባ።

"ከም ቖልዓ ከይሓንቀቐት'ያ ዓብያ፤ ለዋህ፡ ሓዛኒት፡ ዘለዋ ዘይትበቅቕን ህድእትን'ያ። ንትምህርቲ ዝነበራን ዘለዋን ፍቕሪ ድማ ፍልይ ዝበለ'ዩ። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ፡ ሰብ ህያብ ክህባ እንተደልዩ፡ መጽሓፍ ግዝኡለይ'ዩ መልሳ። ንሰብ ህያብ ክትገዝእ እንከላ ድማ፡ ብጀካ መጽሓፍ ካልእ ኣይትገዝእን።

'ማርቲን ሉተር ኪንግ' እቲ ብልቢ እተፍቅሮ ታሪኽ'ዩ። ወትሩ ድማ እነብበላ ኔረ" ትብል ኣደነታ ዝሃባ፡ ባህታ ፍረ ጓላ ክትገልጽ እንከላ።

ለውጢ ንውጹዓትን ነጥበ-መቐይሮ ንስደተኛታትን ምፍጣር፡ ሕልማ ዝኾነ ጓል 34 ዓመት ሳሮን፤ ናይ ህጻንንት ባህጋ ዘለዓዓሎ ትልሚ ድማ እዩ ንከንቲባነት ከተማ ቶሮንቶ ዘለዓዓላን ምስ ካብኣ ብተሞክሮን ዕድመን ዝበልጹ ካናዳውያን ፖሊቲከኛታት ጠጠው ኢላ ንለውጢ ዝመደረትን።

Image copyright Saron

"ከም ጸላም ስደተኛ መጠን፡ ኣብ 6 ወርሒ ዘይመልእ ውጥን ናብ'ዚ ናይ ከንቲባነት ምርጫ ምቕራብ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣዝየ እየ ዝፈልጥ። እንተኾነ ግን ንስለ ምምራጽ ጥራይ ዘይኮነስ ኩልና ብሓባር እንተሰሪሕና ለውጢ ዘይመጻሉን ህሉው ስእሊ ስደተኛታት ዘይቅየረሉን መንገዲ የለን" እዚ ኒሓ ሳሮን፡ ህዝቢ ቶሮንቶ ጩራ እተማዕዱ ቻምዮን ተድልዮም'ያ ኢላ ከም ዝተላዕለትን፤ በዚ ድማ ካብ ነበርቲ ቶሮንቶ ብዙሕ ኣወንታዊ መልስታትን ክብርን ምረካባ ከም ዘተባባዓን'ያ ኣፋ መሊኣ ትዛረብ።

መሰረታዊ ለውጢ ዓለም ከምጽኡ ዝኽእሉ፡ መንእሰያት ብምኻኖም፤ ብፍላይ ስደተኛታት ክሳዶም ከቕንዑን በብዝኽእልዎ ጽፍሒ ከብርክቱን፡ ነቲ ብዙሕ ተሪፉና ኣሎ እትብሎ ብለውጢ ኣሚኖም ክላዓዓሉን ተበራትዕ።

ብዙሓት ኩርዓት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኾኑ፡ ነብሶም ብምልዋጥ ንዓለም ዘበርከቱን ፍርያት ካናዳ፡ ከም በዓል ስነ ጥበባውን ድምጻውን ኣቤል ተስፋይን ካልኦትን ከምዘለው'ውን ኣብነት ጠቒሳ ድማ ከም እትኾርዓሎም ትዛረብ።

"ኢድ ንኢድ እንተ ተተሓሒዝና ኣሽሓት ኣቤላት ክፈርዩ ድማ እምነተይ'ዩ። ነዚ ግን ተባዕ መራሕን ፍልጠትን የድልየና። እንሓልሞ ለውጢ ካልኦት ከምጽኡልና ክንጽበ የብልናን፡ ኩሉ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ናይ ስደት ዕድመና እናፈቐድና ኣብ ዘሎናዮ ክንዕነድ የብልናን። ንመሰልናን መጻኢናን ክንቃለስ ይግብኣና። "በሃሊት'ያ።

ከተማ ቶሮንቶ ካብተን ናይ ዓለምና ሃብታማት ዝበሃላ 30 ከተማታት ሓንቲ ትኹን እምበር፡ እታ ዝኸበረ መነባብሮ ዘለዋ'ውን'ያ። እዚ ድማ ነቶም ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ማሕበረ-ሰባት ኣተኩሮኦም ናብ ክራይ ገዛን ካልእን ከዕዝዙ ብምግባር፤ ናብ ትምህርትን ዕብየትን ንኸየዘንበሉ ከምዝዓግት ነበርቲ የተንብሁ'ዮም። ዝጥዓሞን ዝነበሮን ስለዝፈልጦ ድማ ነዚ ክትቅይሮ ምዃና ትኣምን።

ጠበቓ፡ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት፡ መስራቲት ማሕበረሰባዊ ሕጋዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዮርክ ስኰር፡ ጋዜጠኛን ሙዚቀኛን ሳሮን ኣብ ቀረባ እዋን ዝሰርሓቶ መሃሪ ቪዲዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀሪቡ መምሃርን መካትዕን ዛዕባ ኮይኑ'ዩ።

"ስነ-ጥበብ፤ ሓደ ካብቲ ኣብ ደመይ ዘሎ ፈጠራዊ ተውህቦን ክእለትን'ዩ። ኣብ ስነ ጥበብ፤ ፈጠራ፡ ትምህርትን ተበላሓትነትን ይርከብ። ስነ ጥበብ ሓደ ዓቢ ክፋል ማሕበራዊ ሂወት ነበርቲ ቶሮንቶ'ዩ። ንምዝንጋዕ ጥራይ ዘይኮነስ ሰባት ክወሃሃዱን ክራኽቡን ዝሕግዝ ሜላ ማሕበራዊ ናብራ'ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስነ ጥበብ 11 ቢልዮን ዶላር ንካናዳ ኣበርኪቱ'ዩ። ስለዝኾነ'የ ጥበብ ብምቕዳም ናብ ውድድር ቀሪበ።" ትብል ኣብ ሰነ ጥብበ ዘለዋ ፍቕርን ውሽጣዊ ስምዒትን ክትገልጽ እንከላ።

Image copyright Saron

ከተማ ይኹን ሃገር'ውን ንምምራሕ ግድን ፖሎቲከኛ ምዃን ኣየድልን ዝእምነታ ሳሮን፤ ኣፍደገ ነበርቲ ቶሮንቶ እናኳሕኩሐት ጸገማቶም ከተለልን ክትመያየጥን እንከላ፡ ኩሎም ሕጉሳት ምንባሮም'ያ ትገልጽ።

"ብህዝቢ ቶሮንቶ ሕብንቲ'የ፡ ካበይ መጺኤ ዘይኮነስ እንታይ ክገብር ከምዝመደብኩ ክነግሮም እንከለኹ፡ ብኹፉት ልቢ'ዮም ተቐቢሎምኒ። ብዝሃቡኒ ድምጺ ድማ ሕጉስቲ'የ። ዝኣተኽዎ ቃልን መብጽዓን ንምትግባር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ቶሮንቶ ኮይነ ካብ ዓቐመይ ንላዕሊ ክሰርሕ'የ። ስለዚ 2022 ኣብ ዝግበር ምርጫ ከምዝዕወት ሙሉእ እምነት ኣሎኒ" ብዕቱብ ቃል ኣተንቢሃትልና።

ሳሮን፡ ተመሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንሓንቲ ግቡእን ልዑልን ኣበርክቶ ዝነበራ መምህራ፤ ተወፋይነታን ጻዕራን ዝገልጽ ጽሑፍ ነቲ ቤትምህርቲ ብምቕራብ፡ ክትሽለም ብምግባራ ናይ መጀመርታ ዜግነታዊ ሓላፍነታ ዝተዋጽአት ተማሃሪት ተባሂላ ንምሸላም ምብቅዓ ኣቡኣ ኣቶ ገብረስላሴ የዕሊሉና።

"ካብቶም ብውሕስነት ናብ ካናዳ ዘእተውና ገበርቲ ሰናይ ውልቀ-ሰባት፤ ሓደ ዳኛ ቤት ፍርዲ ዝነበረ፡ ካብ ቁልዕነታ ብልሕነት ሳሮን ተዓዚቡ፡ ሓደ መዓልቲ ቀዳመይቲ ፕረዚደንት ጓል ኣንስተይቲ ካናዳ ክትከውን'ያ ይብለና ኔሩ። ብወገነይ ግን ኣብ'ዚ ትበጽሕ እያ ኢለ'ኳ ሓሲበ እንተዘይነበርኩ፤ ሕጂ ግን ድፍረታ፡ ሕልማን ስርሓን ብምርኣየይ፤ ብሙሉእ ልቢ ቀዳመይቲ ሚኒሰተር ካናዳን መራሒት ሃገር ኤርትራን ክትከውን'የ ዝምነየላ" ኢሉ'ዩ ተፈልዩና።

ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ሳሮን፤ ብዝገበረቶ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ክብሪ ኣፍልጦ ረኺባ'ያ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ሕጊ፣ ራድዮን ቴሌቪዠንን ዲግሪ ምርቕቲ ሳሮን ምስማእ ናይ ዝተሳእኖም ምልክታዊ መረዳድኢ ሓዊስካ 7 ቋንቋታት ትመልኽ።

Image copyright Saron

ብዘቕረበቶ ሓያል መካትዒ ዛዕባን ሓያልነት ንለውጢ ባይትኣን ካብቶም ፖለቲካዊ ተሞክሮ ዘለዎም 35 መወዳድርታ 15000 ድምጺ ብልጫ ብምርካብ ራብዐይቲ ብምውጻእ'ያ ዛዚማቶ።

"በዚ ድማ ሕጉሳትን ሕቡናትን ኢና፤ ንዓና ተዓዊታ'ያ፤ ድምጽና ብኣኣ ተሰሚዑ፤ በዚ ድማ ኣዚና ንኾርዕ ይብሉ' ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ደገፎም ዝህብዋ ዝነበሩ ደገፍታ።

ሓንቲ ካብቶም ቀንዲ ደገፍታን ከይተሓለሉ ደድሕሪኣ ዝጎየዩን ዝኾነት ሓብታ ዊንታ ድማ፡ "እዛ ብኣርባዕተ ዓመት እትንእሰኒ ሓብተይ ኮይና ኣይስምዓንን'ዩ፤ ምኽንያቱ ድኻም ኣይስምዓ፡ ኣይትስልቹ ልዕሊ ኩሉ ድማ ዘለዋ ናይ ሰብ ፍቕርን ለውሃትን ክዕዘብ እንከለኹ ንብዓት'ዩ ዝስዕረኒ። ንዓኣ ንምድጋፍ ዘሕለፍክወን ኣዋርሕ ድማ ብሓቂ ኣብ ሂወተይ ዓቢ ቦታ ኣለወን። ካብ'ዚ ንላዕሊ ክትገብር ከም እትኽእል ድማ እተኣማመን'የ" ክትብል ካብ ሕጂ ኣትሒዛ ንዓወታ ከም እትሰርሕ ቃል ኣትያ።

'ውላድ ንወላዲቱ ወትሩ እዋን ቆልዓ' ከም ዝበሃል፤ እዛ ንእሸቶይ ካብ ከርሳ ምውጽኣ ክሳብ እትጠራጠር፡ ብውጽኢት ጓላ ሰማይ ዝሰፈረት ኣዲኣ ወይዘሮ መድህን፤ "ሳሮን፡ ሓበን ቤተሰባ ጥራይ ዘይኮነት ሓበንን ኩርዓትን ኣፍሪቃ'ውን'ያ" ብምባል ናይ ወላዲት ንብዓት እናተሓናነቓ ንዝተገበረሎም ሓገዛት እናኣመስገነት 2022 ኣብ ሙሉእ ዓወት የራኽበና ኢላ ተሰናቢታትና።