ዚምባብወ ነዳዲ ክተውጽእ ኢያ

ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ

ፕረዚደንት ዚምባብወ፡ ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገሩ ተኽእሎ ናይ ዕቑር ነዳድን ጋዝን ምርካቡ ኣፍሊጡ።

ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደና 'ኢንቪክተስ ኤነርጂ' ምስ መንግስቲ ዚምባብወ ብምሽራኽ፡ ምዕዳን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ነዳዲ ኣኽሳቢ ምዃኑ ክውስን ኢዩ።

ዚምባብወ ኣብዚ እዋን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ቅልውላው ትርከብ።

ሕጽረት ነዳዲ ቀንዲ ሽግር ክኸውን ከሎ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብተደጋጋሚ ይርአ።

"እቲ ርኽበት ተስፋ ዘለዎ ምዃኑ ኢንቪክተስ ገሊጹልና ኣሎ፡ ንሃገርና ጽቡቕ ምዕባለ ድማ ኢዩ" ኢሉ ፕረዚደንት ምናንጋግዋ።

ሚኒስተር ዕደና ዊንሰቶን ቺታንዶ ብወገኑ፡ እቲ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ኣስታት 240 ኪሎ ሜተር ንሰሜን ተረኺቡ ዘሎ ዒላ ንምፍሓሩ ክሳብ 20 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሓትት ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እታ ብሃብቲ ማዕድናት እትፍለጥ ሃገር ዚምባብወ ናይ ነዳዲ ኮነ ጋዝ ፍርያት ኣይጸንሓን።

እዚ ኣብ ሃብቲ ዚምባብወ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?

ቅድሚ 25 ዓመታት፡ ፍሉጥ ኩባንያ ነዳዲ፡ ሞቢል፡ ኣብ ዚምባብወ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ተስፋ ከም ዘይረኸበሉ ድሕሪ ምግላጹ ኢዩ፤ ብሓድሽ ተክኖሎጂ ዝተገብረ ዳህሳስ ነዚ ርኽበት ሒዙ መጽዩ ዘሎ።

እቲ ዳህሳስ ጌና ኣብ ናይ መጀመርታ ደረጃታት እኳ እንተሎ፡ ብሕጽረት ገንዘብ ተወጢሩ ዘሎ መንግስቲ፡ ነቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምጽዋር ተስፋ ጌሩ ኣሎ።

ኩባንያ ኢንቪክተስ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት፡ ናይ ዳህሳስ ምፍሓር፡ ብምክያድ ነዚ ናይ ፈለማ ርኽበት ከረጋግጽ ትጽቢት ይግበር።

ዚምባብወ ብፕላቲነምን ኣልማዝን ሃብታም እኳ እንተኾነት፡ እዚ ነቶም ተራ ዜጋታት እታ ሃገር ሒደት ኢዩ ጠቒሙ። ካብዚ ነዳዲ'ውን ክርብሑ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበሮ ኣይኮነን።

ምኽንያት ናይዚ፡ ብልሽውናን፡ ድኹም ፖሊሲታትን ኮይኖም፤ ማዕድናት ከይተመስርሑ ካብታ ሃገር ክወጹ ይረኣይ።

ኣብ እዋን እቲ፡ ድሕሪ 37 ዓመታት ስልጣን ክለቅቕ እተገደደ፡ ሮበርት ሙጋቤ፡ ኣብታ ሃገር ዘመስርሑ ፋብሪካታትን ትካላት ብምትእትታው ስራሕ ናይ ምፍጣር ፖሊሲታት ኣይተዓወቱን።